ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ጊኒ ቢሳው
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰኑይ ዕለት 29 መስከረም ኣብ ሃገረ ቫቲካን - ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ጊኒ - ቢሳው ርእሰ ብሔር ኡማሮ ሲሶኮ ኤምባሎ ከም እተራኸቡን፣ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ስዒቡ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ናይ ረፓብሊካዊት ጊኒ - ቢሳው ርእሰ ብሔር ድሕሪ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ምኽትል ዋና ጸሓፊ የኔታሚሮስላው ስታኒስላው ዋቾቭስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ የመላኽት።
"ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተኻየደ ክሌዊ ምዉቕ ዘተ፣ " ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊ ጊኒ- ቢሳውን ዘሎ ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድና" ምስ ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን "ንሓባራዊ ረብሓ" ኣብታ ሃገር፣ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ከም እተሰመረሉን፡ እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፣ "ንገለ መዳያት ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ኣቓልቦ ከምዝተዋሀበሉን፡ ከምኡ እውን ኣብ እዋናዊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ የመላኽት።
