ድለ

2025.09.23 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንፍልጥኤም ኣፍልጦ ምሃብ ሓጋዚ እዩ ኢሎም 2025.09.23 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንፍልጥኤም ኣፍልጦ ምሃብ ሓጋዚ እዩ ኢሎም  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ንፍልጥኤም ኣፍልጦ ምሃብ ሓጋዚ እዩ ኢሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 23 መስከረም ምሸት ካስተል ጋንዶልፎ ካብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ህንጻ ሃገር ቫቲካን ናብ ዝርከብ መንበሮም ንኽምለሱ ኣብ ዝተበገስሉ እዋን ኣብ ኣፈት እቲ ጳጳስዊ ህንጻ ዝተረኽቡ ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ልኡካን ጋዜጠይናታት ዘቕረቡሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ኤውሮጳ ብሓቂ ሓድነት እተዝህልዋ ብርግጽ ብዙሕ ክትገብር ከም እትኽእል ዘለዎም እምነት ከም ዘካፈሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ድሕሪ ናይ ሓደ ማዓልቲ ጻንሖት ዕለት 23 መስከረም ምሸት ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምምላሶም ካብ ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት ንዘቕረቡሎም ሕቶ ሓጺር መግለጺ ከም ዝሃቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ቅድስቲ መንበር ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዝብል መርገጺ ካብ ነዊሕ ዓመታት እትድግፎ” ኣዘኻኺሮም፣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ቁምስና ቓዛ ብስልኪ ከም እተራኸቡ ጠቒሶም፣ ፍልስጥኤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ዝብል ጉዳይ መሰረት ንዝቐረበሎም ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ደጊሞም “ቅድስቲ መንበር ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዛ ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዝብል መርገጺ ኣፍልጦ ሂባትሉ እያ። እዚ ንጹር እዩ: ንኹሉ ህዝብታት ዘኽብር መንገዲ ክንድሊ ኣሎና ምስ በሉ፣ ወሲኾም፡ "እዚ ኣፍልጦ እዚ ክሕግዝ ይኽእል'ዩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብሓደ ወገን እዚ ፍታሕ እዚ ንዘተ ሓቀይና ድልውነት የለን፤ ዘተ ተበቲኹ'ዩ . . . ንኹነታት ቓዛ ብዝምልከት “ኣምላኽ ይመስገን እቶም ኣብቲ ቍምስና ዘተዓቝሙ ጽቡቕ ኣለዉ፡ ዋላ እኳ እቲ ወራራት እቲ ቍምስና ናብ ዝርከበሉ ከባቢ እናቐረበ ይኸይድ እንተሎ . . . ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ምስታ ቁምስና ብስልኪ ከም እተራኸቡ እውን ይሕብሩ።

እቶም ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ወራር ሩስያ ዝምልከት ንዘቕረቡሎም ሕቶ፡ “ገለ ገለ ሰባት ናይቲ ውግእ ምብራኽ ዘድልዩ ይመስሉ፣ ሓደገይና እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ኣጽዋር ፈቲሕካ፡ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ደው ኣቢልካ ናብ መኣዲ ዘተ ምምላስ ክህሉ ከይተሓለልኩ ዘቅርቦ ጻውዒት እዩ . . . ኤውሮጳ ብሓቂ ሓድነት እንተዝህልዋ ብዙሕ ክትገብር ምኸኣለት ዝብል እምነት ኣሎኒ” እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ዳግመ - ዕጥቂ ኣድላዪ ድዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ "እዚ ፖለቲካዊ ጉዳዳይ እዩ፡ ኤውሮጳ ብደጋዊ ጸቕጢ'ውን ትጽለው ዘላ ትመስል፣ ብዛዕባ እዚ ሕቶ እዚ ርእይቶ ዘይምሃብ እመርጽ - ቢሎም - ኣብ ርእሲ’ዚ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ክትገብሮ እትኽእል ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተበግሶታት ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፣ “ምስ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቀጻሊ ዘተ ኢና ዘሎና። ከምኡ’ውን ምስ መራሕቲ ሃገራት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ክመጹ እንከለዉ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሓሳብ ንኽንለዋወጥ ንፍትን ኢና፣ ኩሉ ግዜ ፍታሕ ንደሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Sep 2025, 15:21