ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትካላት ኤውሮጳ 'ጥዑይ ዓለማውነት' ከስፍሓ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ትካላት ኣውሮጳ ጥዑይ ዓለማውነት ብኸመይ ከም ዚነብሩ ዚፈልጡ ሰባት የድልዮም፣ እዚ ኸኣ ንክቡር ዋጋታት ሃይማኖት ዜረጋግጽ ኣገባብ ኣተሓሳስባን ተግባርን ካብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ምንጻልን ወይ ምድንጋራት ዘይኰነስ ፍልልያቱን ዚዕቅብ እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 29 መስከረም ነቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ባይቶ ተበግሶ ዝኾነ ኣብ መንጎ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘተ ዘነቓቕሕ ጉጅለ ዕዮ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ተበግሶ ኣመስጊኖም፣ ብዙሕ ፍረ ከፍርዩ ድማ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ክብርታት ወንጌልን ወንጌልን ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ
ናይ ዘተ ሰብ ምዃን ክበሃል እንከሎ ኣብ ወንጌልን ኣብቲ ካብኡ ኣብ ዝምንጩ ክቡራት ዋጋታትን ስርዓታትን ብዕምቆት ሱር ሰዲድካ ምንባር ከምኡውን ምስቶም ካብ ካልእ ክውንነት ዝመጹ ሰባት ግልጽነትን ምስማዕን ዘተን ምምዕባል ማለት ምዃኑ ኣጕሊሖም፣ እዚ ድማ "ኵሉ ሳዕ ንሰብኣውነት ሰብን ክብረቱን ርክባቱን ማሕበረሰብን ኣብ ማእከል ምግባር" ዝሓትት ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዝግበር ዘተ ምስታፍ ብባህሪኡ ሃይማኖት ብውልቃዊ ደረጃን ኣብ ማሕበራዊ ዓውድን ዋጋ ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ምሃብን እቲ "ሃይማኖት" ዝብል ቃል ንባዕሉ "ምትእስሳር ከም መበቈል ክፋል ደቅሰብ ገይሩ ዝምልከት" ምዃኑ ብምዝካር ኢዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ስለዚ ብቅንዕናን ብዝግባእን ምስ ዚምዕብል ሃይማኖታዊ ማዕቅን ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ርክብ ኣጸቢቑ ከመሓይሾን ሰባት ኣብ ማሕበረሰብን ኣብ ሕብረተሰብን ንኺነብሩ ክሕግዞም ከም ዚኽእል ኣጉሊሖም፣ "ሎሚ ድማ ክቡራት ዋጋታትን ኣገዳስነትን ሰብኣዊ ዝምድናታት ምጉላሕ! ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት የዘካኽሩ።
ካብ ፖለቲካ ግቡእ ፍሉይነቱ እናዓቀብካ ናይ ሃይማኖት ክቡራት ዋጋታት ምርግጋጽ
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብነታት ሮበርት ሹማን፡ ኮንራድ ኣደናወርን ኣልሲድ ደ ጋስፐሪን ብምዝካር፡ “ትካላት ኤውሮጳ፡ ጥዑይ ዓለማውነት፡ እዚ ኸኣ ንክቡር ዋጋታት ሃይማኖት ዜረጋግጽ ኣገባብ ኣተሓሳስባን ተግባርን ካብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ምንጻልን ወይ ምድንጋራት ዘይኰነስ ፍልልያቱን ዝዕቅብ እዩ - ቢሎም -
እቲ ጉጅለ ዕዮ ናይ ኩሎም ሰባት ክብሪ ኣብ ምድንፋዕን ኣብ ምኽባርን ዘካይድዎ ዕዮ ኣመስጊኖም ዕዮታቶም እግዚኣብሔር ክባርኾ ተመህጺኖም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
