ር. ሊ. ጳ.፦ እቲ ዘይግሃስ ሰብኣዊ ክብረት ኵሉ ሰብ ክኽበር ኣለዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ "ነቶም ኣብ ቃዛ ዘለዉ ፍልስጤማውያን፣ ነቶም ብፍርህን ራዕድን ተዋሒጦም ዘለዉ፣ ተቐባልነት ኣብ ዘይብሉ ዅነታት እንደገና ካብ ሃገሮም ክወጹ ተገዲዶምን ንዘለዉ ዘሎኒ ዓሚቝ ድንጋጸይ እገልጽ" በሉ።
ሓይልታት እስራኤል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ልዕሊ እታ ዝዓበየት ማእከል ህዝቢ ቃዛ ዝዀነት ከተማ ቃዛ መጠነ ሰፊሕ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምጅማሮም፣ ሰላማውያን ሰባት ኣብዊ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ እናወረዶም ካብታ ኸተማ ክሃድሙ ተገዲዶም ይርከቡ ኣለዉ። ጉጅለ ሓማስ 350,000 ሰባት ካብ ምብራቓዊ ኽፋል እታ ኸተማ ሃዲሞም ናብ ካልእ ክፋላት ከተማ ቃዛ ክሃድሙ ኸለዉ፣ ካልኦት 175,000 ዝኾኑ ድማ ካብታ ኸተማ ምሉእ ብምሉእ ከም እተመዛበሉ ገሊጹ።
እቲ ዘይገሃስ ሰብኣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክኽበር ኣለዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ረቡዕ "ነቲ 'ኣይትቕተል' ኢሉ ዝኣዘዘ ኵሉ ዚኽእል ጐይታ ብምጽዋዕ" ከምኡውን "ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብኣውነት፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኵሉ ሳዕ ክኽበርን ክዕቀብን ዘለዎ ዘይግሃስ ክብሪ ኣለዎ" ብምባል ኣዊጆም።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዕብ ኣቢሎም "ተዅሲ ደው ንምባል፡ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ሓራ ንምውጻእ፡ ብዲፕሎማስያዊ ዘተ ፍታሕ ንምርካብ ከምኡውን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ክኽበር" ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ንዅላቶም" ምእመናን ኣብቲ "ድሕሪ ሓጺር እዋን ወጋሕታ ሰላምን ፍትሕን ምእንቲ ኺበርሕ" ዝቐርብ ልባዊ ጸሎት ኪሓብሩ ጻውዒት ኣቕረቡ።
