ር. ሊ. ጳ. ልዮን ኣብ ኢቁመናዊ ዝኽሪ ናይ ዘመና ሰማእታት ክሳተፉ ኢዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ብምኽንያት ኣብ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነት እተቐትሉ ብዙሓት ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ጀጋኑ ክርስትያን ንምዝካር ሓደ ኢቁመናዊ መደብ ጸሎት ክመርሑ ኢዮም።
ቅዱስ ኣቦና ምስ ተወከልቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን ክርስቲያናዊ ማሕበራትን ክሓብሩ እዮም፣ እዚ ድማ ሰንበት ዕለት 14 መስከረም ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፣ ኣብቲ ኣብ ስግር መናድቕ ሮማ ዝርከብ ባዚልካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝካየድ ኮይኑ "ኢኩመኒካዊ ዝኽሪ ሰማእታትን መሰኻኽር እምነትን መበል 21 ክፍለ-ዘመን" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
እዚ ዝኽሪ እዚ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመተ 2023 እተመስረተ ኮይኑ፣ "ኣብዚ ቐዳማይ ርብዒ ክፍለ ዘመና ናይ እምነት መሰኻኽር ንዝኾኑ ጀጋኑ ንምልላይን ንመጻኢ ንምቕጻልን" ዝተመስረተ ኢዩ፣ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ኣዋጅ ቅድስና ዝከታተል ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ሽማግሌ ሓደስቲ ሰማእታትን ናይ እምነት መሰኻኽርን ዝወሰድዎ ተበግሶ ዝካየድ ዘሎ መደብ ክኸውን እዩ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ንኣባላት ኢቁመናዊ ናይ ዕማም ጉጅለታት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን፣ ንዓለምለኻዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ፣ እቲ ናይ ዝኽሪ በዓል "ቤተ-ክርስትያን ድሮ ኣብ ደም ሰማእታታ ሓንቲ ምዃና ንዝብል ርድኢት ብንጹር ክገልጹ ኢዮም" በሉ።
ዝኽርታትና ምዕቃብ
ኣቦ መንበር ሽማግሌ ሓደስቲ ሰማእታት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፋቢዮ ፋበኔ፣ ዝሓልፈ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ነዚ ዝክሪ እዚ ኣመልኪቶም እንክገልጹ፣ ነቲ እዚ ሽማግሌ ዝዓመሞ ዕዮ ገሊጾም፣ "ጥምቀት ንዅሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ሓድነት ስለ ዝጠምሮም፣ ንዅለን ክርስቲያናውያን ማሕበራ ዝሓቘፈ ኢዩ" በሉ፣ ወሲኾም ድማ "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘ደማዊ ኢቁመኒዝም’ ክብሉ ዝጸውዕዎ፣ በዚ ኸምዚ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ ኢዪ" በሉ።
"ቤተ-ክርስትያን ድሮ ሓድነት ኣለዋ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድማ ብግዲኦም ደም እዞም ሰማእታት 'ዘርኢ ሰላምን ዕርቅን ሕውነትን ፍቕርን' ክኸውን ተስፋ ይገብሩ እዮም" ክብሉ ውን መስከሩ። እዞም ሊቀ ጳጳሳት ወሲኾም "እዚ ሽማግሌ ሓደስቲ ሰማዕታት ዘሰናደዎ ሰነዳት ገድሊ እዞም ዘማእታት፣ ኣብ ተዘክሮ ከም ዘይጠፍእ እኳ ደአ ከም ዝዕቀብ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኢዩ" በሉ።
'ምድረ ገጻዊ ስፍሓት' ናይ ዘመና ሰማእታት
ደድሕሪ እቲ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፋበኔ ዘቕረብዎ መደረ፣ ምክትል ኣቦ መንበር እዚ ሽማግሌ ፕሮፌሰር ኣንድርያ ሪካርዲ ኣብ ኣመሪካ ብገበኛታት ነጋዶ ሓሽሽ እተወደበ ወይ ንኣከባቢ ብዚምዝምዙ ኣካላት እተቐትሉ መሰኻኽር እምነት ብምጥቃስ "ምድረ ገጻዊ ስፍሓት" ናይዞም መሰካኽት እምነት ገሊጹ። ሰማእታት ክፍለ ዓለም ኣውሮጳ እንተላይ ኣብ ርሑቕ ሃገራት እተቐትሉ ልኡካነ ወንጌል፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን፡ ሰሜናዊ ኣፍሪቃን፡ ብፍላይ ከኣ ምእመናን ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስትያናትን ዝወረደ ስደት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ዓመተ 2019 ኣብ ስሪ-ላንካ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ቦምብ ኣብ በዓል ትንሳኤ ዝኣመሰሉ ኣብ ክፍለ ዓለም እስያ ኣብ ኣምልኾ ዝነበሩ ክርስትያናት ምእመናን ዘጠቓልል ኢዩ።
ፕሮፌሰር ሪካርዲ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ "ክርስትያን ምእመናን ብብዝሒ ዝቕተሉላ" ኣህጉር ምዃና ውን ጠቒሱ ይርከብ፣ እዚ ድማ ግዳያት መጥቃዕትታት ጂሃዳውያን፣ ንልኡካነ ወንዴል ዘጥቅዕን ዓሌታውን ፖለቲካውን ዓመጻ ከም ዘጠቓልል ውን ጠቒሱ።
እቲ ዜሕዝን ግና "ክርስትያን ምእመናን ኣብ መላእ ዓለም ይቕተሉ ምህላዎም ኢዩ" በለ። "ኣነባብራኦምን ሞቶምን ይቀያየር እኳ እንተ ዀነ፣ ከም መሰኻኽር ወንጌል ኰይኖም ኢዮም ዝሞሩ ዘለዉ - ንኣምላኽን ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዘፍቅሩ፣ ሓቀይናታት ኣገልገልቲ ሰብኣውነትን፣ ናጻ መስከርቲ እምነት ድማ ኢዮም።"
ንሓድነት ዝኸውን ዓብዪ ምትብባዕ
ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ሽማግሌ ሓደስቲ ሰማዕታት ክቡር የኔታ ማርኮ ግናቪ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ዝኽሪ ናይዞም ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን መሰኻኽት እምነት ዝኾኑ ሰማዕታት፣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝምራሕ 24 ተወከልቲ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝሳተፉሉ መደብ ሥርዓተ ኣልኾን ቃል ኣምላኽን ዝካየደሉ ክኸውን ምዃኑ ገለጹ። በዚ ኸምዚ ድማ "ነዚ ውርሻ እዚ ከሰፍሕ ዝደሊ ክርስትያናዊ oikoumene (ሕብረት) ዘመልክት ክኸውን ኢዩ፣" በሉ።
ክቡር የኔታ ማርኮ ግናቪ ኣብ መግለጺኦም "እዚ ሥርዓተ ኣምልኾ፣ ቃል ኣምላኽ ንኽዛረብን ንተዘክሮ ናይተን ካልኦት እተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ዘጠቓለለ ክኸውን ኢዩ" ብምባል ውን ኣመልከቱ።ወሲኾም ድማ እዚ መደብ ኢቁመናዊ ዝክሪ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኮለሰዪም እተኻየደ ተመሳሳሊ ኢዩመናዊ መደብ ጸሎት ክኸውን ኢዩ።
እቲ መደብ ጸሎት እዚ ካብ ገለ ናይቶም ሰማእታት ምስክርነታት ከም ዘጠቓልል ብምጥቃስ "ሰማእታት ብሞቶም ብዛዕባ ህይወቶም ክዛረቡ ኸለዉ፣ ጐኒ ጐኒ ምዃን ኣብ መንጎናን ኣብ ውሽጢ መላእ ሰብኣዊ ስድራቤትን፣ ነቲ ብፍቕሪ ሃረር እንብሎ ዘሎና ሓድነት ዓብዪ ምትብባዕ ኢዮም ዝኾኑና" ክብሉ ውን መስከሩ።
