‘ሕያውነት ሳምራዊ ምርኣይ’ መርሕ ቃል ንዓለማዊ መዓልቲ ሕሙማት 2026
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ለካቲት ዝኽበር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ህሙማን “ሕያውነት ሳምራዊ: ቃንዛ እቲ ካልእ ብምጽዋር ምፍቃር ” ብዝብል ኣርእስቲ ክምራሕ ከም ዝወሰኑ ኵለንትናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዓርቢ ዕለት 26 መስከረም ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣቢሉ ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ዜና ቫቲካን እንከመላኽት፣ እቲ ናይቲ መልእኽቲ መርሕ ቃል ኣብቲ ብሸፋቱ ተቐጥቂጡ ንከቢድ መከራን ስቓይን ዝተቓልዔ ሰብኣይ ብምሕብሓብ ፍቕሪ ዘርኣየ ኣብ ወንጌል ተመልኪቱ ዘሎ ተክለ ሰብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ዘማእከለ እዩ። እዚ ነቲ መሰረታዊ መዳይ ፍቕሪ ብጻይና የጕልሕ፦ ፍቕሪ ብጭቡጥ ናይ ምቅርራብ ተግባራት ክግለጽ ኣለዋ፣ ንስቓይ ካልኦት ብፍላይ ከኣ እቶም ዝሓመሙን መብዛሕትኡ ግዜ ብምኽንያት ድኽነት ንምግላልን ወይ ንጽምዋን እተቓልዑን ሓላፍነት ብምውሳድ ክግለጽ ኣለዋ።
እቲ ኵለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንመዓልቲ ዓለምለኸ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፥ "እታ ኣብ 1992 ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ዘቖምዋ ዓለምለኻዊት መዓልቲ ሕሙማት ንመላእ ቤተ - ክርስትያንን በርገሳዊ ሕብረተሰብን ፍሉይ ናይ ጸሎትን መንፈሳዊ ምቅርራብን ምስትንታንን ክህሉ እትምሕጸን መዓልቲ እያ። ልክዕ ከምቲ ኣብ መገዲ ነቲ ብጓሓሉ ዝቘሰለ ንምሕጋዝ ኣብራዅ ዓጹፍ ድንን ዝበለ ሕያዋይ ሳምራዊ፣ ማሕበረሰብ ክርስትያን እውን ነቶም ዝሳቐዩ ንምሕጋዝን ንሕሙማትን ኣዝዮም ተኣፈፍትን ብዘለዎም ጥብቂ ርክብን ዘቕርብዎ ውፉይ ኣገልግሎትን ወንጌላውያን መሰኻኽር ክዀኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ከስተውዕሉን ብቓልን ተግባርን ክነብርዎን ይጽውዑ” እንክብል ከም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
