ድለ

2025.09.06 Festa della Famiglia 2025.09.06 Festa della Famiglia   (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ፌስቲቫል ስድራቤታት ቫቲካን፦ 'ምስክርኩም ኣድላዪ እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ዓመታዊ ጽምብል ፌስቲቫል ስድራቤታት ንሰራሕተኛታት ቫቲካን ተረኺቦም፣ "ስድራ ቤት ብምዃንናን ሓድነት ብምጥራይናን ዚርከብ ሓጐስ ኢና ነጽንብል ዘሎና" ብምባል ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ኣካፈልዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ኣጋጣሚ መደባት ምዝንጋዕ ህጻናትን፣ ናይ ህብረት መኣድን፣ ናይ ሥነ ጥበባት መደባትን ዘጠቓልል ኢዩ ዝንበረ። ነቶም ቀዳም ምሸት ዕለት 6 መስከረም ኣብ ጽምብል ፌስቲቫል  ስድራቤታት ንምስታፍ ኣብ ቅድሚ ሕንጻ ምምሕዳር ከተማ ቫቲካን ዝርከብ ፒያሳ ተኣኪቦም ዝነበሩ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኣባላት ሰራሕተይናታት ከተማ ቫቲካን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ከካፍልዎም ኣባኡ ተረኽቡ።

ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እዚ ዓመታዊ ጽምብል ካብ ግዜ ናብ ግዜ እተፈላለየን ባህ ዘብልን እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። እዚ በዓል ኣብ መጀመርታ ግንቦት እዛ ዓመት እዚኣ እዩ ክካየድ ተመዲቡ ዝንበረ፣ ክሳዕ መጀመርታ መስከረም ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክቀያየር ጸኒሑ ኣሎ።

ብኣማኢት ዚቝጸራ ኣዴታትን ኣቦታትን ምስ ደቆም ናብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ መደብ ክረምታዊ ደምበ ቫቲካን እተኻፈሉ ኢዮም ዝንበሩ። እዚ ፍጻመ እዚ ከም ሓሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብሓቂ ፍሉይ ጽምብል ኢዩ ዝንበረ። እቲ ሓዋርያዊ ጉስነት ዘመሓድር ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ዜተሓባብር ክቡር ካህን ኣባ ፍራንኮ ፎንታና፣ ምልክት ምስ ሃቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ማይክሮፎን ወሲዶም ነቶም ብድሙቕ ሰላምታን ጣቕዒትን መዝሙርን ዝቕበልዎም ዝነበሩ ብዙሓት ቈልዑን ህጻናትን ሰላም ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፈስቲቫል ስድራቤታት ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፈስቲቫል ስድራቤታት ቫቲካን   (@Vatican Media)

'ኵላትና ስድራ ቤት ኣምላኽ ኢና'

"ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! ከመይ ኣምሲኹም! ብፍላይ ኣብዚ ናይ ስድራቤት በዓል እዚ ብሓባር ምዃን ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ኵላትኩም ኣብዚ ኽትራኸቡ ኸለኹም ብሓቂ ባህ ዘብል እዩ፣ ሞሳ ድማ ይግብኣኩም" ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ጀመሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም መንእሰያትን ቈልዑን ሒደት ሕጻናትን ብፍሽኽታ "ልክዕ ከምቲ ኣዴኹምን ኣቦኹምን ዜፍቅሩኹም ኵላትና ኸምዚ ኽንእከብ ከለና እውን ንሓድሕድና ብሓቂ ንፋቐር ኢና፣ ከመይሲ ዅላትና ስድራቤት ኣምላኽ ምስ ሓውናን ሓፍትናን ናይ ቀረባ ዓርክና ኢየሱስ ኢና ዘሎና" በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ስድራቤት ብምዃን ሓድነት ብምርካብ ምስ ንሓድሕድና ብምርካብ ከምኡውን ህያባት ብምልውዋጥ፣ ብፍላይ ከኣ ውህበት ህይወት፣ ውህበት ስድራቤት ብምጽምባል ዚርከብ ሓጐስ፣ ነዛ ባህ እተብል ህሞት እዚኣ ብኽፉት ልቢ ንኽነሕልፋ ኣድላዪ ኢዩ" በሉ።

ናይ ስድራ ቤታት ምስክርነትን መስዋእትታትን

ቅዱስነቶም ወሲኾም "እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም! ስለቲ ዝገበርኩምለይ ምዉቕ ኣቀባብላ አመስግነኩም!" ክብሉ ዘለዎም ሞሳ ገለጹሎም ። ንወለዲ ድማ "እዚ ናይ ስድራቤታት ምስክርነት እዚ ሎሚ ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ!" ብምባል ኣረጋገጹሎም። "ስለ እዚ ምስክርነት እዝን ስለቲ ሎሚ ምሸት ኣብዚ ዘለኹምሉ እዋንን፣ ስለቲ ብስድራ ቤት ሓቢርኩም ብምንባርን፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓደገልና መንፈስ ብምክፋልን፣ እትገብርዎ ዅሉ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብዓብዪ መስዋእቲ ስለ እትገብሩ አመስግነኩም" ክብሉ ዘለዎም ምስጋና ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፌስቲቫል ስድራቤታት ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፌስቲቫል ስድራቤታት ቫቲካን   (@Vatican Media)

ጸሎትን ምፍናውን

ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ፍሉይ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ቅድሚ ምክፋሎም ምሳታቶም ሓቢሮም ጸሎት ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም ደገሙ። ኣብ ጐድኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበረት ክብርቲ እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ምስቶም ክልተ ላዕለዎት ጸሓፍቲ ምምሕዳር ሃገረ ቫቲካን ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኤሚልዮ ናፓን ከምኡውን ጁሰፔ ፑግሊሲ-ኣሊብራንዲ ውን ደው ኢሎም ነበሩ። ብድሕርዚ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ፍሉይ ህያብ" ኢሎም ዝጸውዕዎም ኣባኡ ዝነበሩ ሰለስተ ካርዲናላት እዚኣቶም ከኣ ፈርናንዶ ቬርጌዝ ኣልዛጋ፣ ጁሰፔ በርተሎ ከምኡውን እቶም ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ኢዮም ዝንበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ መወዳእታ መደረኦም ምስቶም ቈልዑን ወለዶምን ሓቢሮም ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ብምጽናሕ ቡራኬኦም ንምክፋልን ሰላምታ ንምልውዋጥን፣ ስእሊ ንምስኣል ጽቡቕ ግዜ ሓለፉ። ብድሕሪኡ ናብ መንበሪ ገዝኦም ቅድሚ ምምላሶም ምስቶም ኣወሃሃድትን ኣካየድትን እቲ መደብ እተወሰነ ስእልታት ብምልዓል ተፋነውዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፌስቲቫል ስድራቤታት ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ፌስቲቫል ስድራቤታት ቫቲካን   (@Vatican Media)
08 Sep 2025, 18:33