ድለ

2025.10.22 ር.ሊ.ጳ.፡ ንክርስቶስ ኣፍደገታትና ምኽፋት ሎሚ እውን ኣድላዪ እዩ 2025.10.22 ር.ሊ.ጳ.፡ ንክርስቶስ ኣፍደገታትና ምኽፋት ሎሚ እውን ኣድላዪ እዩ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ.፡ ንክርስቶስ ኣፍደገታትና ምኽፋት ሎሚ እውን ኣድላዪ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ጥቅምቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ሰላምታ፡ ንፖላንዳውያን ምእመናን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ዕለት 22 ጥቅምቲ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ካሮል ዎይቲላ ኣተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝሓበሩ ፖላንዳውያን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ “ሎሚ ንዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነብዕል። ልክዕ ቅድሚ 47 ዓመት ኣብዚ ቅርዓት፡ ዓለም ንክርስቶስ ክፍቲ ክትከውን ተማሕጺኖም፡ እዚ ጻውዒት እዚ ሎሚ እውን ቅኑዕ እዩ: ኩላትና ናትና ክንገብሮ ተጸዊዕና ኣሎና” ቢሎም፡ ዕለት 22 ጥቅምቲ 1978 ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተሓረዩሉ ዕለት ምንባሩ ዘኪሮም፡ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብወግዒ ንኸበግሱ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ዓለም "ንክርስቶስ ኣፍደገታታት ክትከፍት" ከም እተማሕጸኑን፡ እዚ ጻውዒት እዚ ድሒሩ መለለዪ ር.ሊ.ጳጳስናኦም ከም ዝኾነን፡ ከምኡ’ውን ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንኣዋጅ ቅድስና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ሊጡርጊያዊ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ክንዲ ኣብ መዓልቲ ዕረፍቶም ማለት 2 ሚያዝያ፡ ዕለት 22 ጥቅምቲ ክበዓል እንክብሉ ብወግዒ ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምትሕብባር ምሕዳስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ምትሕብባርና ከነሐድስ ይዕድመና" እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ "ብሓይሊ ጸሎት፡ ብዓቕሚ ሰብ ቃል ኪዳን፡ ከምኡ'ውን ብሓድሽ ጸዓት መንእሰያት፡ ነቶም ሕይወቶም ኣብ ስብከት ወንጌል ህዝብታት ዝውፍዩ ጭቡጥ ደገፍኩም እናሃብኩም፡ ልኡካን ወንጌል ኩኑ" ብምባል ንመንእሰያትን ሓደስቲ መርዓውትን ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስጋና “ንፈተውቲ ቅዱስ ኣቦና"

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንተጠቀምቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምእመናን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝመጹ ጉጅለ ለገስቲ “ኣዕሩኽ ቅዱስ ኣቦና ” (ፈተውቲ ቅዱስ ኣቦና”) “ነቲ ቫቲካን ኒውስ ኣገልግሎት ሓበሬታ ቅድስቲ መንበር ዝጥቀመሉ ተንቀሳቓሲ መደበር ፈነወ ” ብምልጋሶም ኣመስጊኖም እቲ ተንቀሳቓሲ መደበር ፈነወ ነቶም ዝተፈላለየ ቋንቋ ንዘግልግሉ ራድዮ ቫቲካን - ዜና ቫቲካን - ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ንተሰመየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዘገልግል እዩ።

ር.ሊ.ጳ. መበል 14፡ ንክርስቶስ ኣፈገታትና ምኽፋት ሎሚ እውን ኣድላዪ እዩ
ር.ሊ.ጳ. መበል 14፡ ንክርስቶስ ኣፈገታትና ምኽፋት ሎሚ እውን ኣድላዪ እዩ
23 Oct 2025, 16:22