ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ግህሰት ምስ ዝደሓኑን ደለይቲ ፍትሕን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ምምራጾም ንፈለማ እዋን ምስቶም ካብ ግህሰት ዝደሓኑን ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “መዓት” እንክብሉ ንዝገለጽዎ ኣብ ምቅላስ ዝተዋፈሩ ደለይቲ ፍትሒ ዕለት 20 ጥቅምቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከም እተራኸቡን፡ ቅዱስነቶም ነቶም ሽዱሽተ ኣባላት ናይ ECA Global - ብካህናት ዝፍጸም ግህሰት ከብቅዕ ናይ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን እቲ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ካብ ሽዱሽተ ኣህጉራት ዝመጹ ልዕሊ 30 ኣባላት ዝሓቍፍ ኮይኑ፡ ደለይቲ ፍትሕን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ካብ ዝተፈጸሞም ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓኑ ዝርከብዎ ከም ዝኾነን እቲ መርበብ ኣብ 2018 ካብ ዝምስረት ጀሚሩ - ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ንጡፍ ብምዃን - ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ኣብ 2014 ሕቡራት ሃገራት ንዝሃቦ ለበዋታት ንኣድማዒ መደብ “ዜሮ ምጽውዋር” መምርሕታት ክትክተል ጻዕሪ ዘካየደ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ብመሰረት ኣባላት ብካህናት ዝፍጸም ግህሰት ከብቅዕ ናይ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ኣባላት ፈጻሚ ኣካላት - ECA - እቲ ዝተኻየደ ርክብ ሰማዕን “ብርግጽ ታሪኻውን ተስፋ ዝመልኦን ስጉምቲ ናብ ዝዓበየ ምትሕብባር ዝድርኽ” ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ቃላት እዚ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝተነብረ ኮይኑ፡ ድሒሩ ኣብ ዝተዋህበ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እውን ከም እተረጋገጸን፡ እቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ድሹዱሽተ ኣባላት ፈጻሚ ኣካል እቲ ማሕበር ጀማ ሂኪ (ካናዳ)፡ ቲሞቲ ሎው (ኣመሪካ)፡ ኤቨሊን ኮርክማዝ (ካናዳ፡ ቀዳማይ ሃገር)፡ ማትያስ ካትሽ (ጀርመን)፡ ጃኔት ኣጉቲ (ኡጋንዳ)፡ ሰርጆ ሳሊናስ (ኣርጀንቲና) እዮም። እዚእቶም ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ባህልን ዝመጹ ኮይኖም፡ ግህሰት ዳግማይ ከይፍጸም ምርግጋጽን ምስ ቤተክርስትያን ዝያዳ ውጽኢታዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕን ኣብ ዝብል ሓባራዊ ዕላማ ዝተጠርነፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
እንግዶትን ምስማዕን
ሽዱሽቲኦም ኣባላት እቲ ማሕበር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘካየድዎ ርክብ - ኣተሓሳስባኦምን ኣቀራርባኦምን ናይ ምስማዕ ክእለቶም ከም ዘግዕገቦም ገሊጾም። ጀማ ሂከይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣዝዮም ክፉትን እዮም ነይሮም፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ገለ ውልቃዊ ኣስተንትኖታት ኣካፊልና። ብጽሞና ድማ ሰሚዖምና። ኣዚዮም ትሑትን ናይ ዋዛ ስምዒት እውን ዘለዎም ምዃኖም ተመላኽት።
እቶም ምስ ቅዱስነቶም ዝተራኸቡ ኣባላት እቲ ማሕበር “ኣገዳስነት ቅኑዕ ዓለማዊ ደረጃታትን ግዳያት ማእከል ዝገበረ መምርሕታት” ዘጉልሕ “ተበግሶ ዜሮ ምጽዋር ግህሰት” ዝብል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ከም ዘቕርቡን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካልኣይ ዓመታዊ ጸብጻቡ ዘቕረበ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዝምልከት እውን ዘተ ከም እተኻየደን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ኣብ መንጎ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመን ተነቀፍትን እቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበርን “ዘተ” ክምስረት ሓሳብ ከም ዘቕረቡን ገሊጻ፡ "ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ ዘተ እዩ ነይሩ፡ ንፍትሒ፡ ፈውስን ሓቀይና ለውጥን ናይ ሓባር ተወፋይነት ዘንጸባርቕ" ምዃኑ እውን ሓቢራ፡ "ካብ ግህሰት ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ናይ ርክብ መኣዲ ቦታ ክደልዩ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞምን ሃረር ዝብሉ ከም ዝነበሩን እዮም፡ ሎሚ ድማ ዝተሰማዕና ኮይኑ ይስምዓና” ትብል።
ዘተን ምክብባርን
ከምቲ ዝተጠቕሰ እቲ ርክብ መበገሲኡ ካብቲ ECA - ብካህናት ዝፍጸም ዓመድ ከብቅዕ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ናብቶም ሓድሽ ዝተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝለኣኾ ደብዳበ ኮይኑ፡ እቶም ኣባላት ብቃላት ር.ሊ.ጳ. ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት “ሃነጽቲ ድልድል፡ ናብ ሓቅን ፍትሕን ፈውስን ብሓባር ንምኻድ ድሉዋት” እክብሉ ገዛእ ርእሶም ኣላልዮም፡ “ኣብዚ ውልትው ዘመን፡ እቲ ኽንገብሮ እንኽእል ኣዝዩ ሱር በተኻዊ ተግባር፡ ኮፍ ኢልና ብሓባር ምዝታይ እዩ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ “እወታዊ” ምላሽ ብምሃብ፡ “ናይ ግሉጽነት ምልክት፣ ቀጥታውን ኣኽብሮታውን ዘተ ኣብ መንገዲ ንቕድሚት” ዝመርሕ ዕድል ብሓጎስ” ከም እተቐበልዎን እቲ ሃዋሁ ምስክርነትን እማመታትን ዝተመልአ ከም ዝነበረ ምክትል ኣደ መንበር ፈጻሚ ኣካል ECA - ብካህናት ዝፍጸም ዓመጽ ከብቅዕ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኡጋንዳዊት ጃኔት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ፡ “ስክፍታታትና ንምግላጽ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ህጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ንምክልኻል ብሓባር ብኸመይ ክንሰርሕ ከም እንኽእል ንምምይያጥ ኢና መጺእና” ትብል።
ጀማ ሂኪ እውን ብወገና ኣስዒባ፡ “ኣብቲ ርክብ ሕርቃን ኣይነበረን - ተሓታትነትን ነባሪ ለውጥን እዩ ዝተራእየ፡ ኣብ ውሽጣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ህጻንን ተቓላዓይን መንእሰያትን ዓበይትን፡ ኣብ ትብዓት ነፍሲ ወከፍ ዝደሓነ፡ ከምኡ’ውን ብግሉጽነትን ርህራሄን ኣብ ምምራሕ ቤተክርስትያን ዘለዋ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ንኣምን። ተልእኾና ነቶም ዝተጎድኡ ምድጋፍን ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዝሕሉ ጽገናታት ምድንፋዕን፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ጽቡቕ ክገብር ዓቕሚ ከም ዘለዎ እንፈልጦ ትካል ምትእምማንን ቅንዕናን ናብ ንቡር ንምምላስ ምሕጋዝ እዩ” ኢላ።
ብሓባር ንምስራሕ ድልውነት
ሓባራዊ መስራትን ኣባል ቦርድን ECA USA ብካህናት ዝፍጸም ዓመድ ከብቅዕ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣመሪካዊ ቲኒትይ ሎው ወሲኹ፡ “እቲ ዕላማ ንምግጣም ዘይኮነስ ተሓታትነት፡ ግሉጽነትን ፍታሕ ንምርካብ ብሓባር ንምስራሕ ድልውነትን ዝብል እዩ። ንብዙሓት እዚ ድሕሪ ናይ ዓመታት ሓገዝ ኣብ ዝደልዩሉ እዋን መሰናኽላት ምግጣሞም ርኡይ ምዕባለ ምህላዉ ዘመልክት እዩ። "ከም ሓደ ካብ መንበሪ ቤት ትምህርቲ ዝደሓነ ሰብ መጠን፡ ክብደት ናይቲ ክከላኸሉልና ዝተሓሰቡ ትካላት ዝፈጠሮ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝመጽእ ስንባደ እስከም" ዝበለት ካናዳዊት ካብ ግህሰት ካብ ዘስዓቦ ጸገማት ዝደሓነት ኤቨሊን ኮርክማዝ ኣስዒባ “ናይ ሎሚ ኣኼባ ናብ ሓቅን ዕርቅን ዝወስድ ካልእ ስጉምቲ እዩ” ትብል።
ጀርመናዊ ማትያስ ካትሽ እቲ ጕጅለ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ተስፋ፣ ፍትሒ፣ ካሕሳ”፡ ከምኡ’ውን “ንህጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ዝሓሸ መከላኸሊ” ተባሂሉ ዚርዳእ “ተስፋ” ኪህቡ ከም ዝሓተተቶም ገሊጹ፡ ወሲኹ ድማ፡ “ድሕሪ ሕጂ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ምዝራብ እኹል ኣይኮነን፡ ሕብረተሰብ ክሰምዕ ኣለዎ፣ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነትስ ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ካብ ዝደሓኑ ሰባት ዝቐርብ ምስክርነት ክሰምዕን ክመሃርን ፍቓደይና ክኸውን ኣለዎ ይብል።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሳተፍ ኣባል ECA - ብካህናት ዝፍጸም ዓመድ ከብቅዕ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኢጣሊያዊ ፍራንቸስኮ ዘናርዲ ብዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸሙ ጉዳያት ግህሰትን ጸያፍ ኣሳእል ህጻናትን ዝምልከት ጸብጻብ ኣብ ቀረባ እዋን ክወጽእ ምዃኑ እንክሕብር፡ እቲ ትካል ነቲ ኣኼባ “ድሕነትን ተሓታትነትን ክብርን ዝሕለወሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ድምጺ ዝደሓኑ ሰባት ከም ኣብነት ንኹሉ ዘገልግለሉ መጻኢ ንምህናጽ ቀጻሊ ዘተን ርህራሄን ምትሕብባርን ብህጹጽ ከም ዘድሊ ዘጉልሕ እዩ” ኢሉ።
