ድለ

2020.10.28 armi nucleari, missili, guerra, armamenti, disarmo, atomica 2020.10.28 armi nucleari, missili, guerra, armamenti, disarmo, atomica  (Gerasimov)

ቅድስት መንበር፦ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምጥፋእ ህጹጽ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ እዩ

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤለ ካቺያ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንኸይዝርጋሕ ንምክልኻል ክዓዪ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቺያ ኣብ መደረኦም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንኸይዝርጋሕ ክከላኸልን ንምጥፋኡ ክጽዕርን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ነዚ ጻውዒት እዚ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 21 ጥቅምቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ እተገብረ ቀዳማይ ጉባኤ ኮሚተ ናይ መበል 80 ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ እተገብረ መደባት ምይይጥ ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ ኢዩ ዝንበረ።

"ቅድስቲ መንበር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምቍጽጻርን ንምቕናስን፣ ኣብ መወዳእታኡ ንምጥፋኡ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ዘይክውንነታዊ ተስፋ ዘይኰነስ፣ ተኽእሎን ህጹጽ ስነ-ምግባራዊ ኣድላዪነትን ምዃኑ ዘይነቓነቕ እምነት ከም ዘለዋ ተረጋግጽ" ድማ በሉ።

"ሰላም ብሓሊ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምጥፋእ ስግኣት ወይ ከኣ ምርግጋእ ካብ ሓባራዊ ዕንወት ክመጽእ ይኽእል ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ክህነጽ ኣይክእልን ኢዩ፣ ከመይሲ እዚ ብስነ ምግባታዊ ጐኑ ክቐውም ዘይከኣልን ስትራተጅያዊ መዳዩ ድማ ዘይቅጽልን ኢዩ" በሉ።

ሃገራት ኣብ ውዕላት ምርጋፍ ኣጽዋር ክሳተፋ ኣለወን

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ኣስዒቦም፣ ንዅለን "ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት፣ ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ ሻድሻይ ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር (NPT) ዘለወን ግዴታታት ኪፍጽማን፣ መኽዘን ኣጽዋራተን ንምቕናስን ኣብ መወዳእታኡ ንምጥፋኡን ብጽቡቕ እምነት ኪዘራረባ" ተማሕጺኖም።

ቅድስቲ መንበር ብቐጻሊ፣ ሃገራት ኣብ ውዕል ምጥፋእ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክሓብራ ከምኡውን "ተወሳኺ ስጕምትታት ከስፋሕፍሓ እንተላይ ሓፈሻዊ ውዕል እገዳ ኑክልየሳዊ ፈተነ (CTBT) ኣብ ግብሪ ንምውዓል ውዕል ክኽትማ፣ ምፍልላይ ናውቲ ምይይጥ ከምኡውን ድልዱል ናይ ምህናጽ ሓገዛትን ሜላታትን ንምድልዳል" ጻውዒት ተቕርብ ከም ዘላ ውን ኣመልከቱ።

ሓደጋታት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት

እዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጽዎ፣ እዛ ሎሚ ዘላ ዓለም "ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ምጥቃም ዘስግእ መደረታት ተቕርብ ኣላ" ከምኡውን "ኣጽዋር ንምስፋሕ እተሓደሰ ጻዕርታት ትገብር" ኣብ ክንዳኡስ ፍርሂ ዘስፋሕፍሕን ኣህጉራዊ ጸጥታ ዘበላሹን "ግጉይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ" ምዃኑ ውን ገለጹ።

ብፍላይ ብዛዕባ "ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ርእሰ-ምምሕዳር ስርዓታትን ሳይበር ተክኖሎጂን ኣብ ኑክልየሳዊ ትእዛዛት ምቍጽጻርን ምዝርጋሕን መምርሒታት ክግበር" ውን ኣጕልሑ።

እዚ ተክኖሎጂ እዚ "ውሳነ ናይ ምግባር መስኰት የሕጽር፣ ሰብኣዊ ቍጽጽር ይንኪ፣ ግጉይ ሕሳብን ግጉይ ናይ ምርካብ ሓደጋ ድማ ይውስኽ" ምጥርጣራት ከም ዘምጽእን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "ቀጻሊ ቘላሕታ" ከም ዝሓትትን ውን ገለጹ።

ንኣጽዋር እተወፈየ ገንዘብ ስነ ምግባራዊ ስዕረት እዩ

ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ካቺያ ኣስዒቦም ድሕሪ እቲ ኣብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን እተፈጸመ መጥቃዕቲ 80 ዓመት ጸኒሑ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር "ንዓለምለኻዊ ሰላምን ደሓንን ሓደ ኻብቲ ዝዓበየ ስግኣት የምጽእ" ከም ዘሎ ኣጕልሑ።

እቲ ብሰንኪ እዚ ፍጻመታት ዝመጸ "ስቓይን ዕንወትን፣ ብዛዕባ እቲ ኣጽዋር ዘለዎ ሓደገኛ ተኽእሎታት ዜጠንቅቕን ጽኑዕ መዘኻኸሪ" ከምኡውን "ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን ፍጻመታት እንደገና ንኸይፍጸም ሓባራዊ ሓላፍነት" ምዃኑ ኣትሪሮም ተዛረቡ።

"በቲ ንኣጽዋር እተወፈየ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ብዙሓት ይሳቐዩ እኳ እንተዀኑ፣ ዓሚቝ ስነ-ምግባራዊ ስዕረት እዩ" ብምባል፣ ሓቀይና ድሕንነት "ህይወት ምዕቃብ ፍትሒ ምድንፋዕ ከምኡውን ሰላም ምድንፋዕ" ከም ዝሓትት ገለጹ።

ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ "ኣብ ዝርርብን ሕውነትን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ምኽባርን እተመስረተ ሰብኣዊ ድሕንነት ዘለዎ ራእይ ኪህልዎ ጻውዒት ኣቕረቡ።"

23 Oct 2025, 16:32