ር. ሊ. ጳ.፦ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈውሲ ሓዘን እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንከስተንትኑ፣ "እዚ ሓቂ እዚ ብምሕሳብን ብምስትንታንን ዘይውድእ ኩነት" ኢዩ ክብሉ ኣስተምሃሩ። ሓደ ሰብ ነዚ ሓቂ እዚ ዝያዳ ብዝመርመረ መጠን ናብ "ኣዝዩ ዘደንቕ ግን ከኣ መሳጢ ብርሃን" ከም ዝስሓብ ሓሳባቶም ኣካፈሉ።
ክቡራትን ክቡራንን ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፦
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!
ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓሲብካዮን ኣስተንቲንካዮን ዘይውድር ፍጻመ ኢዩ፣ ብዝያዳ መጠን ዝፈተሽካዮ ድማ ብኣድናቖት ትምላእ፣ ከምኡ ውን ዘደንቕ ግን ከኣ መሳጢ ዝኾነ ብርሃን ይስሕበካ። ንትርጕም እዚ ክውንነት እዚ ካብ ኣሉታዊ ናብ ኣወንታዊ ዝተቐየረ ንትጒ ህይወትን ሓጐስን ድማ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ብዘሰንብድ ወይ ብቝጥዓ ዘይኰነስ ብህድኣትን ብሕቡእ መንገድን እዩ ተፈጺሙ።
ሎሚ ትንሳኤ ክርስቶስ ንሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሕማማት ማለት ንጓሂ ብኸመይ ኬሕውዮ ኸም ዝኽእል ከነስተንትን ኢና። እቲ ኣጋጢሙንን ኣስፋሕፊሑን ዝነበረ ጓሂ ንመዓልትታት ብዙሓት ሰባት ዘሰኒ ኢዩ ዝነበረ። ንውሽጣዊ ሃዋህው ዚወርርን ንዝዀነ ይኹን ሓጐስ ዚድርኽን ዝዕብልልን ስግኣት ሓደሓደ ግዜ ድማ ዓሚቝ ተስፋ ምቝራጽ እዩ ዘስዕብ።
ጓሂ ናይ ህይወት ትርጕምን ብርታዐን ይሰርቕ፣ ናብ ኣንፈት ዘይብሉን ትርጕም ዘይብሉን ጕዕዞ ድማ ይቕይሮ። እዚ ሕጂ ዘሎ ተመክሮና ውን ነቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ (24፡13-29) ብዛዕባ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ዚገልጽ ህቡብ ዛንታ ኢዩ ዘዘኻኽረና። ተስፋ ስለ ዝቘረጹን ተስፋ ስለ ዝሰኣኑን፣ ነቲ ኣብቲ እተሰቕለን እተቐብረን ኢየሱስ ዝነበሮም ተስፋ ሓዲጎም ካብ የሩሳሌም ወጹ። ኣብ መእተዊ መስመራት እዚ ኽፍሊ እዚ ናይ ሰብኣዊ ጓሂ መርኣያ ኢዩ ዘቕርብልና፦ ኣብ መወዳእታ እቲ ብዙሕ ሓይሊ ዝፈሰሰሉ ሸቶ ምጥፋኡ እቲ መሰረታዊ ነገር ህይወቶም ዚመስል ነገር ምስኣኖም ድማ ኢዩ ዘገንዝበና። ተስፋኦም በኒኑ፣ ኣብ ልቦም ከኣ ጥፍኣት ኣጽኒኡ ሒዝዎም ነበረ። ኵሉ ነገር ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ማለት ካብ ዓርቢ ክሳዕ ቀዳም ብዘሰንብድ ተኸታታሊ ፍጻመታት ኣብኣቶም ተፈጸመ።
እቲ ግርምቢጥ ዝኾነ ብሓቂ ምሳልያዊ ኩነት እዩ ዝንበረ፦ እዚ ዜሕዝን ጕዕዞ ስዕረትን ናብ ተራ ህይወት ምምላስን ኣብ ሓደ መዓልቲ እዩ ዝተፍጸመ። እቶም ክልተ ሰብኡት ንጎልጎታ ዝባኖም ሂቦም፣ እቲ ዜስካሕክሕ ትርኢት መስቀል ገና ኣብ ኣዒንቶምን ልቦምን ተሓቲሙ ነበረ። ኩሉ ዝበርዓነ እዩ ዝመስል ዝነበረ። ናብቲ ናይ ቀደም ህይወቶም ክምለሱ ነበሮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ከየለልይዎም ይፈርሑ ይገብሩ ።
ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ተጓዓዛይ ምስቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ሕውስ ይብል እሞ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ሓደ ኻብቶም ንበዓለ ፋሲካ ናብ የሩሳሌም ዝደየዱ ብዙሓት ነጋድያን ኪኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ነበሮም። ንሱ ግና እቲ ዝተንስአ ኢየሱስ እዩ ዝንበረ፣ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን። ነቲ ጐይታ ብዙሕ ከም ዝሳቐን ከም ዝመውትን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸም ዚትንስእን ዝኣተወሎም ቃል ተስፋ ድማ እቲ ዝውጋጠሞም ስቓይ ደምሰሶ። እቲ የለለይዎ ሰብ ግና ቀሪቡ ብዛዕባ እቲ ዝበሎም ነገራት ተገዲሱ ኣዘኻኸሮም። እቶም ክልተ ሰብ ኤማሁስ ውን "ሓዚኖም ደው በሉ" (ሉቃ 24፡17) ይብል። እታ ነዚ እትገልጽ ናይ ግሪኽ ቅጽል ንዅሉ ዚሓቍፍ ጓሂ እያ እተመልክት ዝንበረት፣ ልሙስ ነፍሲ ከአ ኣብ ገጾም የንጸባረቕ ነበረ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ጓሂኦም ኬጥፍእዎ ስለ ዝፈቐደሎም ድማ ጽን ኢሎም ይሰምዖም ነበሩ። ድሕርዚ ብግልጽ ቃላት "ኣንቱም ዓያሱ ... ኵሎም ነብያት ዝበልዎ ነገራት ንምእማን ዝደንጐየ” (ፍ. 25) ብምባል፣ ክርስቶስ ክሳቐን ኪመውትን ኪትንስእን ከም ዘለዎ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምጥቃስ ገለጸሎም። እቲ ምዉቕ ተስፋ ኣብ ኣልባብ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ብሓድሽ በርሀ፣ ብድሕሪዚ ምድሪ ምስ ወልወለ፣ ናብ ገዝኦም ምስ በጽሑ ነቲ ዘየለለይዎ መገላግልቶም ምሳታቶም ኪሓድር ዓደምዎ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነቲ ዕድመኦም ተቐበሎ እሞ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። ስዒቡ ድማ ነቲ ዘቕረቡሉ እንጌራ ኣልዒሉ ቘሪሱ ሃቦም። ሽዑ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ የ’ዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ። (ፍ. 30-31) ። እቲ ምቝራስ እንጌራ ድማ ንየዒንቲ ልቦም እንደገና ይኸፍተሎም፣ ነቲ ብተስፋ ምቝራጽ ዝመልአ ራእይ ድማ ከም ብሓድሽ የብርሆ። በዚ ኸምዚ ድማ ኵሉ ነገር ንጹር ይኾነሎም፣ ሓባራዊ ጕዕዞ ለውሃትን ሓያልን ቃል ብርሃን ሓቂ ይግለጸሎም ... ብኡንብኡ ብሓጐስ ከም ብሓድሽ ይለዓዓሉ፣ ሓይሊ ስኢኑ ዝደኸመ መሓውሮም ይጸንዕ፣ ሞሳኦም ድማ ናብ ተዘክሮታቶም ይምለስ። ክልቲኦም ከኣ ቀልጢፎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ ነቶም ካልኦት ኵሉ እቲ ዘጋጠሞም ነገራት ይኸዱ።
"ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ" (ፍ. 34)። ኣብዚ ቃልት እዚ ከም ደቂ ሰብ መጠን ንታሪኽና ዜረጋግጽ ኩነት ይፍጸም። እዚ ኣብ መዓልቲ ፋሲካ ክርስትያን ምእመና ዝለዋወጥዎ ሰላምታ ምዃኑ ድማ ዜገርም ኣይኰነን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግብሪ ደኣ እምበር ብቓል ኣይኰነን ተንሲኡ፣ ኣካላቱ ድማ ማሕተም ሕማማቱ ሒዙ እዩ ተንሲኡ፣ እዚ ኸኣ ንሓዋሩ ማሕተም ፍቕሩ እዩ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ዓወት ህይወት ከንቱ ቓል ዘይኰነስ ናይ ሓቅን ጭቡጥን ኩነት እዩ ።
እቲ ንደቀ መዛሙርቲ ሰብ ኤማሁስ ዘጋጠሞም ዘይተጸበይዎ ሓጐስ፣ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ሓደ ልኡም ዝኾነ መዘኻኸሪ ኢዩ ዝኾነና። ንኣረኣእያና ኣጸቢቑ ዝቕይሮ፣ ነቲ ባዶነት ጓሂና ዝመልኦ፣ ተስፋ ዚሰርጸልና እቲ ዝተንስአ ጐይታ እዩ። ኣብ መገዲ ልቢ፡ እቲ ዝተንስአ ምሳናን ምእንታናን ይመላለስ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ቀራንዮ ጸልማት እናሃለወ ኽነሱ፣ ሞት ከም እተሳዕረ ይምስክር፣ ህይወት ከም ዝረኸበት ድማ የረጋግጸልና። ታሪኽ ገና ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ኢዩ ዘለዎ።
ንትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣፍልጦ ምሃብ ኪበሃል ከሎ፣ ብዛዕባ ዓለም ዘሎና ኣረኣእያ ምቕያር ማለት እዩ፣ ናብ ብርሃን ተመሊስካ ነቲ እተበጀወናን ዘድሓነናን ሓቂ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ። ዝኸበርኩም ኣሓትን አኅዋትን ኣብ ኩነት ፋሲካ በቲ ዝተንስአ ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ንቑሓት ንኹን። ነቲ ዘይከኣል ነገር ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ!
