ድለ

MYANMAR-CONFLICT MYANMAR-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ኣብ ምያንማር ተዅሲ ደው ክብልን ኣብተን ብውግእ ዝዓነዋ ሃገራት ሰላም ክሰፍን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ምያንማር ተዅሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን ሰላም ክሰፍን ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ኣብ ዓለምለኻዊ ሰንበት ሰንበት ዕለተ ወንጌላዊ ተልእኾ፣ ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ምእንቲ ኺሰፍን ጸልዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ኣብታ ካብ ወርሒ ግንቦት 2021 ኣትሒዛ ግጭት ዝጀመረላ ምያንማር ተዅሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ካብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ እትርከብ ሃገር ዝመጽእ ዜና "ዘጨንቕ ኢዩ" ብምባል ውን ኣዘኻኺሮም።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ህንጻታትን ዘጋጠመ ዕጡቕ ግጭታትን ናይ ኣየር ደብዳባትን ብምጥቃስ፣ ዘለዎም ጓሂ ምስ ዅሎም እቶም ብሰንኪ ዓመጽን ጸገማትን ዝሳቐዩ ሰባት ከም ዝቀራረቦም ገለጹ።

"ህጹጽን ውጽኢታውን ብዝኾነ መንገዲ ተዅሲ ደው ንምባል ልባዊ ጻውዒት የቕርብ ኣለኹ" ድማ በሉ። "መሳርሒታት ኲናት ብሓቋፍን ሃናጽን ዝርርብ ነቶም ሰላም ዘድልዮም ቦታታት ይሃብዎም!" ክብሉ ውን ሰናይ ምንዮቶም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብ ቅድስቲ ሃገርን ዩክረይንን ካልኦት ብውግእ እተሳቐያ ዘለዋ ቦታታትን ሰላም ኪሰፍን ውን ጸልዮም።

"ኣምላኽ ንዅሎም መራሕቲ ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምርካብ ንቕድሚት ንኽስጕሙ ጥበብን ጽንዓትን ይሃብዎም" ክብሉ ውን ተማሕለሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ቀቅድሚ ጸሎት መልኣከ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታ ንክርስትያን ምእመናን፣ ኣብ ዕለተ ሰንበት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ወንጌላዊ ተልኾ ንቤተ-ክርስትያን ክቕበልዋ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ወንጌላዊት ልእኽቲ እያ፣ ሎሚ ግና ብፍላይ ምእንቲ እቶም ወንጌል ናብቶም ገና ዘይበጽሖም ሕዝብታት ምእንቲ ኼብጽሑ፣ ኵሉ ሓዲጎም ዝኸዱ ሰብኡትን ኣንስትን ንጽሊ ኣሎና" ውን በሉ። ንሳቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ናይ ተስፋ ልኡኻት እዮም። ጐይታ ይባርኾም! ክብሉ ውን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋል ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣዋጅ ቅድስና ናይ 7 ሓደስቲ ቅዱሳን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣዋጅ ቅድስና ናይ 7 ሓደስቲ ቅዱሳን   (@Vatican Media)
20 Oct 2025, 16:50