ር. ሊ. ጳ.፦ ቅዱሳን ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ናይ እምነት ብርሃን ይውልዕዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ሸውዓተ ሓደስቲ ሰብኡትን ኣንስትን ቅድስና ኣዊጆም።
ትማሊ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዞም ዝስዕቡ ሸውዓተ ብፁዓን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቅድስናዊ ሕይወት ብምንባር ከም ዝመስከሩ ኣዊጆም፦ ኢግናቲየስ ቹክራላ ማሎያን፣ ፒተር ቶ ሮት፣ ቪንቸንዛ ማሪያ ፖሎኒ፣ ማሪያ ዴል ሞንቴ ካርሜሎ ረንዲለስ ማርቲነዝ፣ ማሪያ ትሮንካቲ፣ ሆሴ ግሪጎሪዮ ሄርናንደዝ ቺስኔሮዞ፣ ከምኡ ውን ባርቶሎ ሎንጎ ኢዮም ዝንበሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳኢሰ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቕረቦ መሕትት ኣስተንተኑ፣ ወዲ ሰብ እንደገና ምስ መጸ ኣብ ምድሪ እምነት ይረክብ ዶ ይኸውን? ክብሉ ውን ኣስተምሃሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ እምነት ኣብ መንጎ ኣምላኽን ህዝቡን ዘሎ ኽቡር ማእሰር ፍቕሪ ምዃኑ ውን ይገልጽ።
"ሎሚ ኣብ ቅድሜና ሸውዓተ መሰኻኽር ኣለዉ፣ እቶም ብጸጋ ኣምላኽ መብራህቲ እምነት ዝወልኡ ሓደስቲ ቅዱሳን ድማ ኢዮም" በሉ። "ንሳቶም እውን ብርሃን ክርስቶስ ኪዝርግሑ ዚኽእሉ ቐንዴል ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ”።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም እቲ ዓብዪ "ስጋውን ባህላውን ስነ-ፍልጠታውን ስነ-ጥበባውን መዝገብ" ዓለምና ኣትሒትካ ክርአ የብሉን፣ እንተዀነ ግን ናይ ሓቂ ትርጕሙ ብዘይ እምነት ከም ዝጠፍእ ውን ኣስተንተኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም እምነት ዘይብላ ዓለም ኣቦ ብዘይብሎም ቈልዑ ክትመልእ እያ፣ ኣብ ልቦም ናይ ምድሓን ተስፋ ስለ ዘይተርፍ ባህጊ ህይወት ኣይህልዎምን እዩ።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ማእሰር ፍቕሪ ምእንቲ ኺጸንዕን ልብና ንድሕነቱ ምእንቲ ኺቕበልን ኵሉ ሳዕ ክንጽሊ ዝዕድመና በሉ።
"ከምቲ ምስትንፋስ ንህይወት ሰብነት ዚድግፍ፣ ጸሎት እውን ንህይወት ነፍሲ ይድግፎ ኢዩ" ክብሉ ውን ኣዘኻኸሩ። "እምነት ብጸሎት እያ እትግለጽ፣ ሓቀኛ ጸሎት ከኣ ብእምነት እያ እትነብር”።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም፣ ክርስትያን ምእመናን ክንጽሊ ኸለና መብዛሕትኡ ግዜ ኽልተ ፈተናታት የጋጥመና ከም ዘሎ ውን ገሊጾም ። ሓደ ኻብቲ ዜጋጥመና ፈተናታት እቲ እከይ ኪስዕረና ብምፍቃድ ኣምላኽ ንጸገምና ኸም ዘይግደሰሉ ጌርና ኸም እንሓስብ ምግባር እዩ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ንጸሎት ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ጌርና ኽንርእዮ ኢና እንፍተን፣ ከመይሲ ከምቲ ብዛዕባ ሓቂ ዘሎና ትርጕም ፍትሓዊ ስጕምቲ ኽንወስድ ክንጽዕር ኢና ዝተጸዋዕና።
ጐይታናን መድሓኒናንን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጸም ብምሕታት ኣብ መስቀል ብጸሎት ካብ ክልቲኡ ፈተናታት ሓራ ኸም ዜውጽኣና ይገልጹ።
ኣምላኽ ኣብ መንጎ ፈተናታት ኣበይ ይዓዪ ኸም ዘሎ ኽንሓስብ ከለና፣ ሰባት ኣብ ዚሳቐዩሉ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣፍልጦ ብምሃብ ነዚ ምጥርጣር እዚ ናብ ጸሎት ንቕይሮ ክብሉ ውን ተላበው።
"ብስቓይን ዓመጽን ብጽልእን ውግእን 'ክንሳቐ' ከሎና ክርስቶስ ድሮ ኣብኡ ኣብ መስቀል ምእንታናን ምሳናን ኣሎ" በሉ። "ኣምላኽ ዘየጸናንዖ ኣውያት የለን፤ ካብ ልቡ ዝረሓቐ ንብዓት ውን የልቦን”።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ናብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ እምነት ክረክብ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ዘቕረቦ ሕቶ ምልስ ብምባል ድማ፣ ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት እምነት ክቕበሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ ከመይሲ እምነት ንፍትሒ ዘሎና ቘራጽነትን ንዓለም ንምድሓን ንፍቕሪ ኣምላኽ ዘሎና ባህግን እትድግፍ እያ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዞም ሸውዓተ ሓደስቲ ቅዱሳን ኣብቲ ናብ ቅድስና እንገብሮ ጻውዒት ክሕግዙና ጸልዮም። ከምዚ ድማ በሉ፦ "ኣብ ምድሪ ዘላ እምነት ንተስፋ ሰማይ ትድግፎ እያ!" በሉ።
