ር. ሊ. ጳ. ነቶም ብሞት ዝሓለፉ ካርዲናል "ፍቑር ሓው" ክብሉ ይክርዎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ሞት ብፁዕ ካርዲናል ኤዶርዶ ሜኒቸሊ ምስ ሰምዑ፣ ናብ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣንኮሎ ስፒና ናብ ኣንኮና-ኦሲሞ ኢጣልያ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ በቲ "ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያንን ንሰበኻ ቺቲ-ቫስቶን፣ ነቶም ቀናእ ጓሳኦም ኰይኖም ዘገልገለሉ ከምኡውን ነቶም ውፉይ ካህን ኰይኖም ዘገልገለሉ ሊቀ ጳጳሳት ካሜሪኖ-ሳን ሰቬሪኖ ማርቼ" ዝጸለወ ሞት ኣመልኪቶም ልባዊ ሓዘኖም ገለጹሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ንካርዲናል ሜኒቸሊ ብምዝካር "ንቤተ-ክርስትያንን ንቅድስቲ መንበርን ብተወፋይነት ዘገልገሉ ፍቑር ሓው" ክብሉ ውን ገለጽዎም። ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቢሉ ድማ ነዞም በዓል ጥኡም ዝኽሪ ዝኾኑ ካርዲናል "ኣብ ሰማያዊት የሩሳሌም" ከዕርፉ ናብ ኣምላኽ ምሕረት ጸልዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኾትም ኣብ ምዝዛም፣ ንስድራቤት ነፍስ-ሔር ብፁዕ ካርዲናል ሜኒቸሊን፣ ነቶም ዝከናኸንዎም ዝነበሩን ከምኡውን ንዅሎም እቶም ኣብቲ ስነ-ስርዓተ ቀብሪ እተሳተፉ ምእመናንን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣመሓላለፉሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ሜኒቸሊ መን ኢዮም ዝነበሩ?
ብ1939 ኣብ ሳን ሰቨሪኖ ማርቸ ኢጣልያ ተወሊዱ፣ ብዕለት 3 ሓምለ 1965 ከአ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። ብ1968 ዓ.ም. ናብ ሮማ ተጸዊዑ ክሳዕ 1991 ድማ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅድስቲ መንበር ከም ብዓል ስልጣን ኰይኖም ኣገልገሉ። ካብ 1992 ክሳብ 1994 ኣብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣገልገሉ።
ብ1994 ቅብኣተ ጵጵስና ተቐቢሎም ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ቺቲ-ቫስቶ ኮይኖም ተሾሙ። ብድሕርዚ ኣብ ብ2004 ዓ.ም. ኣብ ሰበኻ ኣንኮና-ኦሲሞ ተመደዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዕለት 15 ለካቲት 2015 ኣብ ቶር ፊዮረንዛ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ልቢ የሱስን ማርያምን ካርዲናል ክኾኑ መዘዝዎም።
ካብ ዕልት 14 ሓምለ 2017 ኣትሒዞም ብፁዕ ካርዲናል መኒቸሊ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ኣንኮና-ኦሲሞ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኢዮም።
