ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ሓረጣ "ንልቢ ሰብ ይብክል" ንድኻታት ድማ ጊልያዎት ይገብሮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ልምዲ ሓረጣ ንህይወትን ስድራ ቤትን ሕብረተሰባትን ዘጥፍእ “ከቢድ ሓጢኣት” ብምባል ንተቓላዕቲ ዝምዝምዝን ክብሪ ደቂ ሰባት ዘዳኽምን “ብልሽውና ልቢ ደቂ ሰባት” እንክብሉ ዕለት 18 ጥቅምት ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ጸረ - ሓረጣ ኢጣልያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስተብሂሎም፡ ግዳያት ሓራ ንምውጻእን ስነ - ምግባራዊ ቁጠባዊ ኣሰራርሓ ንምድንፋዕን ንሰላሳ ዓመታት እቲ ባይቶ ጸረ ሓረጣ ተወፋይነቱ ኣመስጊኖም። ብደረጃ ውልቀ - ሰብ ይኹን ብዓለም ደረጃ “መሪርን ጥንታውን ቍስሊ ኰይኑ” ንድኻታትን ንዝተገለሉን ብቐጻሊ ዜሳቕዮም ምዃኑ የጠንቅቑ።
ሓረጣ ናይ ሒሳብ ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ “ተርእዮ ሓረጣ፡ ብልሽውና ልቢ ሰብ እዩ ዘመልክት - ቢሎም - ነቢይ ኢሳይያስ ብምጥቃስ፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምዝመዛ ከም ዝኹንን ንኣመንቲ “ሰንሰለት በደል ሰቢሮም ንውጹዓት ሓራ ከውጽኡ” ከም ዝጽውዕ ብምዝኽካር፣ “ኣተሓሳስባ ናይቶም ንሰባት ክሳብ ጊልያዎት ዝኾኑ ዝዕምጹ ሰባት ካብ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ዝረሓቐ እዩ! ሓረጣ ናይ ቝጠባ ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን - ኣባይቲ ስድራ ከጥፍእ፡ ንኣእምሮን ልብን ሰብ ከህልኽ፡ ንሰባት ናብ ተስፋ ምቑራጽ ወይ ነብሰ ቅትለት ከይተረፈ ክመርሖም ዝኽእል ከቢድ ሓጢኣት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሓረጣ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣብ ቍጠባዊ ጸገም ዚርከቡ ዝቐርብ ጌርካ ዝረአ እኳ እንተ መሰለ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን "እንታይ ምዃኑ ይገልጽ፣ እዚ ጾር እዚ ማሕነቕቲ" እዩ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ ሳዕቤኑ ብፍላይ ኣብቶም "ከም ግዳያት ወልፊ ጠላዕ ወይ ሕክምናዊ ወይ ቍጠባዊ ህጹጽ ኵነታት ዜጋጥሞም ኣባይቲ ስድራ" ዝወድቕ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።
መላእ ህዝቢ ናይዚ ጾር እዚ ጊልያዎት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መጠንቀቕታኦም ኪኖ ውልቃዊ ጕዳያት ኣስፊሖም፡ “ንብምሉኡ ህዝብታት ከንበርክኽ ዝግበሩ ሓራጣዊ ቍጠባዊ ስርዓታት” ኮኒኖም። ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ብምጥቃስ፡ እቶም “ኣብ ሓረጣን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳኢ ልምድታትን ዝዋፈሩ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ጥሜትን ሞትን የስዕቡ - ቢሎም እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት እዚ “መሓውራዊ ሓጢኣት” ዝፈጥርን “ከቢድ ሓላፍነት” ዝስከምን እዩ፣ ብኣንጻሩ "እቶም ዕድለይናታት ዘይኮኑ ደቂ ሰባት ኣይኮኑን ድዮም? ድኹማት ተመሳሳሊ ክብሪ ሰብ ኣይካፈሉን ድዮም? እቶም ውሑድ ዕድላት ሒዞም ዝተወልዱ ከም ኩሉ ክቡር ዋጋ የብሎም ማለት ድዩ፡ ንኽነብሩ ጥራይ ዝተዓደሉ ድዮም?" ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም፣ “ነዞም ሕቶታት እንህቦ መልሲ፡ ዋጋ ሕብረተሰባትናን መጻኢናን ይውስን። ወይ ግብረ ገባውን መንፈሳውን ክብረትና ንመልስ፡ ወይ ድማ ኣብ ደልሃመት ጥፍኣት ንወድቕ” (ሓዋርያዊ ምዕዳን ‘ኣነ ኣፍቀርኵከ’ ቍጽሪ 95) እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ምሕረት ዝተሰረተ ተልእኾ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጉባኤ ጸረ ሓረጣ ስለቲ ቀጻሊ ኣገልግሎቱ ብምምስጋን፡ ኣብዚ ቅዱስ ዓመት እዚ እዮም “ምልክት ተስፋ” ብምባል ምስ ምሕረት ዝብል መንፈስ ኢዮቤል ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ምዃኑ ገሊጾም፡ ብዛዕባ ኣብ ወንጌል ዝተጻሕፈ ታሪኽ ዘኬዎስ እንከስተንትኑ፡ ከምቲ ኣካቢ ቀረጽ ዝነበረ ዘኬዎስ ምልዋጥ ዝከኣል እዩ፣ ምልዋጥ ንሓደ ሰብ ምስቲ ናጻ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘራኽብ ምዃኑ ገሊጾም። "መኽሰብ ዕላማና ምስ ዝኸውን ካልኦት ውጅህታቶም ስኢኖም ከም መጋበርያ ተመዝመዝቲ ይኾኑ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንሕና እውን ገዛእ ርእስናን ነፍስናን ንኸስር - ምስ በሉ - ወሲኾም “ናይቶም ሓረጣ ዝገብሩ ምልዋጥ፡ ማዕረ ማዕረኡ ብሓረጣ ምስ ዝሳቐዩ ሰባት ክህልወና ዘለዎ ምቅርራብ ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ነቶም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ሓረጣ ዝተዋፈሩ፡ ብጓሶት ቤተ ክርስቲያን ተደጊፎምን ብወንጌል ተደሪኾምን ብትብዓትን ብሓድነትን ክጸንዑ ኣተባቢዖም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
