ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዘውዲ ንግስነት ንዝተረከቡ ዓቢይ ልዑል ሉክሰምበርግ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ዘውዲ ንግስነት ንዝተረከቡ ዓቢይ ልዑል ሉክሰምበርግ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ 

ር.ሊ.ጳ. ዘውዲ ንግስነት ንዝተረከቡ ዓቢይ ልዑል ሉክሰምበርግ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን በመል 14 ነቶም ንኣቡኦም ዓቢይ ልኡል ሄንሪ ተኪዕም ኣብ ዝፋን ንግስነት ንዝተቐመጡ ሓድሽ ዓቢይ ልኡል ሉክሰምበርግ ጊላም ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዓቢ ልኡል ጊላም ሓምሻይ ናብ ዙፋን ንግስነት ሉክሰምበርግ ክብ ምባሎም ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ “ልባዊ ሰናይ ትምኒቶም” ከም ዝገለጹሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣  ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ተለገራም “ኣብ ታሪኽ ብዕምቆት ሱር ዝሰደደ ጥንታውን ብፍሉጣት ትውፊታት ሃብተመ ዝኾነ ምሉእ ህዝቢ ኣብ ዝነብሮ ዘሎ ሓጎስ እሓብር” ከምዝ በሉን፣ እቶም ሓድሽ ዓቢይ መስፍን ብግዲኦም “በቲ መንነት ሉክሰምበርግ ዝፈጠረ ክርስትያናዊ ክብርታት ዝተደረኸ ኣነባብራ ኣብ ምስፋሕ ክቕጽሉን፡ በዚ ኸኣ ነቲ ዘይሕለል ምድላይ ናይ ሓባር ረብሓ ከዕብዩን” ከም ዝኾኑ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓቢይ መስፍን ጊላም ልባዊ ሰላምታኦምን መጻኢ እታ ሃገር ሰላም ዝዓሰሎ ክኸውን ድማ ልባዊ ትምኒቶም ምዃኑ ገሊጾም፣ "ሰማያዊ ዕቝባ ኣደ ኣምላኽ" ንዓቢይ መስፍን ዘሉሰምበርግን ንዅሎም ህዝቢ ሉክሰምበርግን ተማሕጺኖም ሃዋርያዊ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዓቢይ መስፍን ሰንበት ኣብ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ክሳተፉ ኣዮም

ወዲ 43 ዓመት ዓቢይ መስፍን ሉክሰምበርግ ጊላም፡ ነቶም ን 25 ዓመታት ኣብ ዙፋን ንዝነበሩ ኣቦኦም ዓቢ መስፍን ሄንሪ ክትክዩ ኣዮም፣ ኣብ ቅድሚ እቶም 60 ኣባላት ባይቶ ምክትላት፡ ካብ ሆላንድን ቤልጅየምን ዝመጹ ንጉሳውያን ወከልቲ ኣብ ዝሳተፍዎ ስነ - ስርዓት ቅዳሴ፡ ዘውዲ ክደፍኡን ቃለ ማሕላ ክፍጹምን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዓቢይ ልኡል ኣብታ ሃገር ባህላዊ ዑደቶም ከካይዱ እዮም፣ እዚ ዑደት ድማ ብካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪክ ሊቀ ጳጳስ ሉክሰምበርግ ኣብ ካቴድራል ኖትረዳም ዘሉክሰምበርግ ዕለት 5 ጥቅምቲ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም እዩ።

ዳርጋ 700 ሽሕ ህዝቢ ዝቕመጣ ሉክሰምበርግ፡ ባይቶኣዊት ዲሞክራስያዊት ሃገር ኮይና፡ ብዓቢይ መስፍን እትምራሕ ከም ዝኾነትን፣ ጊላም ድሕሪ 1890 ዓመት ሻብዓይ ዓቢ ልኡል ከም ዝኸውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

05 Oct 2025, 11:05