ድለ

2025.10.17 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ሩስያ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ህያው እምኒ ኢና! 2025.10.17 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ሩስያ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ህያው እምኒ ኢና!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ሩስያ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ህያው እምኒ ኢና!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ሩስያ ዝመጹ ጉጅለ ነጋድያን ተስፋ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዝገብርዎ ዘለዉ ንግደት ዛዚሞም ክርስቲያናዊ ጉዕዞኦም ኣደልዲሎም ክቕጽሉ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ሩሲያ ምስ ዝመጹ ነጋዲያን ተስፋ ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እቶም ነጋዲያን ኣብ ሮማ ዝገብርዎ ዘለዉ ንግደት ብትኽክል ልክዕ ምስቲ ትርጉም ህይወት ምድላይ ዝብል ንቡር ሰብኣዊ ባህርይ ዝጣመር እዩ - ቢሎም - ህላወ እቲ ጉጅለ ነጋድያን ኣካል ናይቲ “ልቢ ዝትንክፍ ናይ ክርስቲያን መንፍፈስ ትርታ ቦታታት ክበጽሑ ዝመጹ ብዙሓት ወለዶታት ዝገብርዎ ጉዕዞ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኪኖ ሓወልትታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ኣብ ኣልባብ ሰባት ዚርከብ ካልእ ምልክታት ህያው እምነት ከም ዘሎ ሓቢሮም። በዚ ኸምዚ ድማ "እታ ከተማ ንባዕላ ምልክት ህይወት ደቂ ሰባት ኰይና ኣላ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እቲ 'ዑናታት' ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታት ምስ ጭንቀትን ምጥርጣርን ህውከትን ተደሚሩ ምስቲ በብመዓልቱ እናዓበየ ዝኸይድ ብግብረ ሰናይ ቅርጺ ዝህልዎ ከምኡውን ምስ ዘየሕፍር ተስፋ እተኣሳሰረ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ሩስያ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ህያው እምኒ ኢና!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ሩስያ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ህያው እምኒ ኢና!   (@Vatican Media)

ጥንታውን ቅዱሳትን ህንጻታት ዘልኣለማዊት ከተማ ንኹሎም ዝበጽሑ ነጋድያን መዘኻኸሪ ይህቡ: ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ኩላትና “መንፈሳዊ ቤት ዝህነጹ ህያዋን ኣእማን” ኢና። ነፍሲ ወከፍ እምኒ፡ ዋላ እቲ ዝነኣሰ፡ ብጐይታ ኣብ ትኽክለይና ቦታ እንተተቐሚጡ፡ ኣብ ምርግጋእ ምሉእ መዋቕር ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ” እንክብሉ ነዚ እምነት እዚ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ነንሕድሕዶም ተሓተትቲ ዝኾኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነታ ጉጅለ ንግደት ምስተወድአ እውን ብተመሳሳሊ ውዕዉዕ ክርስትያናዊ ስምዒት ጉዕዞኣ ክትቕጽል ብምትብባዕ፡ “ናይ ሓድሕድ ጾር” ተሰኪሞም ናይ ከባቢኦም ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ከምዝስከሙ ነታ ጉጅለ ኣዘኻኺሮም፣ ስድራቤቶምን ሰበኻታቶምን ማሕበረሰቦምን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዝረኸብዎ ሰብ ኣብነት ፍቕሪ፡ ሕውነት፡ ምትሕግጋዝን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ክኾኑ ጻዋዒት ኣቕሪቦም፣ “በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሓዊ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ኪነድድ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ንዝሑልን ተሪርን ልቢ እውን ከይተረፈ ኼማሙቖ ይኽእል እዩ።”

ዳርጋ ቅድሚ ሓደ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንቕዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ባሪኾም ንቤተ ክርስቲያን ከባቢኦም “ከም ምልክት ቅዱስ ዓመት” ከም ህያብ ከም ዝለገሱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምዝኽካር ፡ እቲ ምልክት ብካቶሊካዊት ሃገረ ስብከታት ሩስያ ኣቢሉ ንግደት ኣብ ዝገብርሉ ዘሎ እዋን፡ ንኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ንሕሙማትን ዝሳቐዩን ምንጪ ምጽንናዕ ክኸውን ድሌቶም ገሊጾም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Oct 2025, 17:42