ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኣባ ጆሴፍ ግሩንዊድል ሓድሽ ሊቀ ጳጳስ ቪየና እንክብሉ ሰምዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ እተሰመዩ ወዲ 62 ዓመት ዝዕድመኦም ኣባ ግሩንዊድል ንዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ 80 ዓመት ዕድመኦም ምስ በጽሑ ብሕገ ቀኖና መሰረት ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክሰናበቱ ዘቕረብዎ ሕቶ ይኹንታ ምስ ተዋህቦ፣ ሓዋርያዊ መስተናብር ኮይኖም ዘገልገሉ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ዝጸንሑ ከም ዝኾኑን ናይ ቪየና መበል ዓሰርተ ክልተ ሊቀ ጳጳሳት ክኾኑ እዮም።
“እግዚኣብሔር ካባይ ዝደልዮ ፍጽምና ዘይኮነስ ድልውነተይ እዩ!”
መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቪየና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሊቀ ጳጳሳት እተሰምዩ ግሩንዊድል፡ ነቲ ሹመት ከም እተመዙ ምስ ተሓበሮም “ድሕሪ ገለ ምጥርጣር” ከም ፍቓድካ እንክብሉ ከም እተቐበልዎን ኣመላኺቱ፡ እግዚኣብሔር ካብይ ዝደልይ ፍጽምና ዘይኮነስ ድልውነተይ እዩ! ኣብቲ ንሱ ዝደልየኒ ቦታ ክርከብ እዩ ዝደልየኒ! ግን ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ፡ ኣብቶም ብጸሎት ዝድግፉኒ፡ ዝመርሑኒ፡ ዘበርትዑኒ ብምትእምማን፡ ነዚ ዕማም ብሓጎስ እቕበሎ። ምስ ኵሎም ሰባት፡ ምስቶም ድሮ ናይ ቤተክርስትያን ዝኾኑን ክሳብ ናታ ክኾኑ ዝደልዩ ዘለዉን፡ ምናልባት ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ሓገዝ ክኸውን ብሃንቀውታ እጽጽበ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ርእሰ ሰበኻታት ቪየና ዝመጹ ጓሳ
ብርእሰ ሃገረ ሰብከታት ቪየና ዝጠቓለል ሆላብሩን ኣብ ዝስሙ ታሕተዋይ ዞባ ኣስትሪያ ዝተወልዱ ኣባ ጆሴፍ ግሩንዊድል ኣብ ርእሰ ከተማ ኦስትሪያ ብቲዮሎጊያን ኦርጋንን ብቀዳማይ ማዕርግ ዝተመረቑን ኣብ 1988 ብካርዲናል ፍራንዝ ኵይኒሽ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ እስጢፋኖስ ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ኣብ ትሕቲ ካርዲናል ሾንቦርን ከም ጸሓፍን ድሒሮም ድማ ኤጲስቆጶሳዊ ምኽትልን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ናይ ጉስነትን ምምሕዳራውን ጽፍሕታት ንስርእሰ ሰበኻ ቪየና ኣገልጊሎም እዮም። ካርዲናል ሾንቦርን ናብ ልሂቕነት ምስ መጹ ድማ ዓቃቤ መንበር ኮይኖም ከም ዝጸንሑን ክሕበር እንከሎ ኪኖ ዓንኬላት ሃገረ ስብከት ብሰፊሑ እኳ ዝፍለጡ ኣይኹኑ ኣባ ግሩንዊድል ኣብ መንፈሳዊ ተሓድሶ ጽኑዕ ትኹረት ዝገበሩ ውፉይ ጓሳ ብምዃኖም ተፈላጥነት ኣለዎም፡ ኣስታት 1 ሚልዮን ካቶሊካውያን ዝነብሩሉ ርእሰ ሰበኻታት ቪየና ኣብ ኣውስትርያ እቲ ዝዓበየ እዩ።
ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ቪየና ካርዲናል ሾንቦርን : “ርእሰ ሰበኻታት ቪየና ኣብ ጽቡቕ ኢድ”
ነቲ ኣዋጅ ግብረ መልሲ ዝሃቡ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ቪየና ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ንሽመት ተካኢኦም ሓጎሶምን ምስጋናን ገሊጾም፡ “ንዓይ ኣዚያ ልቢ እትትንክፍን እተሐጉስን መዓልቲ እያ፣ ሃገረ ስብከትና ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘላ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ካልእ እንታይ ጽብቕ ኣሎ! ብፍላይ ኣብ መላእ ሃገረ ስብከት ብሰንኪ እቲ ዝተሃበ ሽመት ዝረአ ዘሎ ዝጭበጥ ሓጎስ ልበይ ተተንኪፈ። ኣብ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ምእመናን ኣብ ቅብኣተ ጳጳሶም ይጽውዑ: '‘Axios - ንሱ ብቑዕ እዩ!' እንክብሉ ድምጾም ብዓውታ የስምዑ፣ ቅድሚ እቲ ሽመት ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘለዉ ምእመናን ማለት ኣብ ቪየና ንብዙሕ ሰሙናትን ኣዋርሕን ከምኡ ክብሉ ዝጸንሑ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ሕጂ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ብምርግጋጾም ክደይ ደስ የብል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
