ድለ

2025.10.20 ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መራሔ መግንስቲ ሪፓብሊካዊት ኣርመንያ 2025.10.20 ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መራሔ መግንስቲ ሪፓብሊካዊት ኣርመንያ  (@VATICAN MEDIA)

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ መራሔ መግንስቲ ሪፓብሊካዊት ኣርመንያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ መራሔ መግንስቲ ሪፓብሊክዊት ኣርመንያ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን መራሔ መንግስቲ ኣርመንያ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን "ኣብ ደቡብ ካውካሰስ ብዛዕባ ኣድላይነት ርጉእን ነባርን ሰላም ከም ዝዘተዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 20 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንመራሔ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ኣርመንያ ኒኮል ፓሺንያን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ መራሔ መንግስቲ ኣርመንያ ፓሺንያን ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ፡ “ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ጥንታዊት ክርስትያናዊ ትውፊት ዘለዋ ሃገረ ኣርመንያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ዘዕግብ” ምዃኑ ከም እተሰመረሉን፣ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህይወት ዚምልከቱ መዳያት እውን ከም ዝዘተዩን፡ "ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንኻልኦት ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት'ውን ኣቓልቦ ከም ዝሃቡን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡብ ካውካሰስ ኣድላይነት ርጉእን ነባሪን ሰላም” ከም እተሰመረሉ ኣፍሊጡ።

21 Oct 2025, 17:51