ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ መምህራንን ተመሃሮን መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ዕለት 10 ጥቅምቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብታ ንሶም ኣብ 1977 ዓ.ም. ብስነ ሕሳብ ቀዳማይ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ካብ ዝተቐብሉላ መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ዝመጹ 19 መምሃራንን ተመሃሮን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡን እታ ጉጅለ መምህር ዳንኤል ጆይስ ኣቦ መንበር ክፍሊ ስነ ምርምር ኮምፒዩተር ምስ መሳርሕቱ ዶክተር ፍራንክ ክላስነር ካብ ተመሳሳሊ ክፍሊን ዶክተር ቶም ክስያዘክ ኣቦ መንበር ክፍሊ ርክብን ካልኦት ተመሃሮን ዝሓቖፈት ኮይና፣ ድሕሪ እቲ ርክብ ፕሮፈሰር ክላስነር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘለዎም ናይ ስነ ሒሳብ ድሕረ ባይታ "ኣብዚ ግዜ'ዚ እደ ጥበብ ዘቕርቦ ዘሎ ብድሆታት ኣብ ምግጣም ብልጫ ይህቦም" ምኽንያቱ ንሶም ንመብዛሕትኡ ናይቲ እንጥቀመሉ ዘለና እደ ጥበብ፡ ከም ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ስርዓታት ድሕነት ኮምፒዩተርን መሰረት ስለዝኾነ። እዚ ፍልጠት እዚ ድማ ኣብዞም መዳያት እዚኣቶም ንዘሎ ስነ - ምግባራዊ ጸገማት ብዝበለጸ ኣብ ምትንታን ክሕግዞም ይኽእል እዩ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ካብ ካልኦት ስነ - ፍልጠታት ከም ስነ ስገር - ኣካላዊ፣ ስነ - ምግባር፣ ፍልስፍና፣ ከምኡ’ውን ቲዮሎጊያ ዝመጹ ሕቶታት ቀሪቡ ብዛዕባ ዝተሓላለኹ ክውንነታትን ክብሪ ሰብኣዊ ሰብ ዘኽብር ዝድለ ውጽኢትን ሰፊሕ ርድኢት ክረኽቡ የኽእሎም ይብሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዝኽሪ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ምስ ዘይተኣደነ ብድሆታት ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ዝተቓለሱ "ልዮን" ዝብል ስም ምሕራዮም ኣድኒቖም፣ ሎሚ ድማ ምስ ምልዓልን ምትግባርን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ (AI) ተመሳሳሊ ዘመናዊ ለውጢ የጋጥመና ኣሎ። ዶክተር ጆይስ ኣስዒቡ "ንጎናዊ ሳዕቤናት ሓድሽ እደ ጥበብን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ቁጠባን ዘንብሮ ሳዕቤናት ከመይ ጌርና ከም እንገጥሞ ክንመሃር ኣለና" ከምኡ'ውን ነዞም መዳያት ከይሓሰብና ቀልጢፍና እንተተሰጋጊርና ደሓር ክንጣዓስ ከም እንኽእል ከነስተውዕል ይግባእ።
ፕሮፌሰር ክስያዘክ እውን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግዜ ወሲዶም ስለ ዝተራኸቡና ምስጋናይ እገልጽ፣ ኣብዛ ዝተሰብረት ዓለምና ድልድላትንሓቅን ሓድነትን ፍቕርን ብዝብል ኣጎስጢኖሳዊ ተወፋይንት ምህናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉ ይሕብሩ።
መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ብማሕበር ካህናት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝተመረተን ዝምወልን ኮይኑ፥ “ብህይወትን ትምህርትን ኢየሱስ ክርስቶስ ተደሪኹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝምልከቶም ብስርዓት ቅዱስ ኣውጉስቲን ዝተመስረተን ዝምወልን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝከታተል ኣውጉስቲንያዊ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እዩ። እቲ መንበረ ጥበብ "ብህይወትን ትምህርትን ኢየሱስ ክርስቶስ ተደሪኹ፡ ኣብ መንጎ እምነትን ኣመኽንዮን ዘሎ ርክብ ዝዓሞቐ ርድኢት ንምስጓም ይጽዕር - ተማሃሮ ብነቐፌታዊ ኣገባብ ክሓስቡ፡ ብርህራሄ ክዋስኡን ንኻልኦት እናኣገልገሉ ክዕወቱን የዳልዎም" ኢሉ።
