ድለ

2025.10.02 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንደናግል ደቂ ቅ. ጳውሎስ፡ ናብ ቅንኣት ቅዱስ ጳውሎስ ጠምታ! 2025.10.02 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንደናግል ደቂ ቅ. ጳውሎስ፡ ናብ ቅንኣት ቅዱስ ጳውሎስ ጠምታ!  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንደናግል ደቂ ቅ. ጳውሎስ፡ ናብ ቅንኣት ቅዱስ ጳውሎስ ጠምታ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ማሕበር ደናግል ደቂ ቅዱስ ጳውሎስ ስርሐን ንቤተክርስትያንን ንዓለምን ክቡር ምዃኑ ብምዝኽካር፣ ናብ ቅንኣት ቅዱስ ጳውሎስ "ናብቲ ንክርስቶስ ኣብ ምእዋጅ ዘለዎ ዘይሕለል ሓጎስ" ክጥምታ ዕለት 2 ጥቅምቲ ነተን ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ሓፈሻዉ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቦልም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ቃል ምእዋጅን ምዝርጋሕን፡ ኣሰር ኢየሱስ መምህር ንጉዳይ ወንጌል ሕይወትካ ምውፋይን ኩሎም ንጐይታ ምእንቲ ክፈልጥዎን ክስዕብዎን መገድታትን መሳርሒታትን ቋንቋታትን ምድላይ - እዚ ሕመረት ሓዋርያዊ ተልእኾኽን እዩ” እንክብሉ ነተ ኣካል ናይቲ ብብጹዕ ያዕቆብ ኣልቤሪዮን ዝተመስረተን ብመፈሳውነት ቅዱስ ጳውሎስ ዝተደፋፍአን ማሕበር ደናግል ደቂ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ንኽሳተፋ ካብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝመጻ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዝፍጸምኦ ተልእኾን ኣገልግሎትን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ኵነታት ዓለም ዝህብዎ ምስክርነትን፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ምምስራት እቲ ማሕበር ኣትሒዙ እንታይ ይፍጽም ከም ዘሎ ዝምስክር እውን ምዃኑ ቅዱስነትን ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣሰር ጎይታ

ቅዱስነቶም ንሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ማሕበረን፣ “ብሓደ መንፈስ ተደሪኽና ንእዋናዊ ሰብኣውነት እናሰማዕና፡ ናይ ወንጌል ተስፋ ነመሓላልፍ" ዝብል ዝሓረየኦ ቃል ብምዝካር ብሰመረት ናይ ዘመንና ብድሆታት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንምሕዳስ ክተግሃን ተላብዮም፣ ብርግጽ ምእዋጅ ወንጌል ኣብ ማእከል እቲ ተልእኾ ኮይኑ ክቕጽል እንከሎ፡ "እዚ ንሓፈሻዊ ሓበሬታ ወይ ረቐቕቲ ሓቅታት ምትሕልላፍ ማለት ዘይኮነስ ናብ ጭቡጥ ታሪኽ ምእታው፡ ሓቀይና ህይወት ዝለዓዓሉ ሕቶታትን ጭንቀትን ምሕቋፍን፡ ቋንቋታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘመንና ምዝራብ ማለት ምዃኑ ማዕረ ማዕሪኡ ሓቂ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ክልተ ኣተሓሳስባ

ስለዚ፡ ክልተ ኣገደስቲ ኣተሓሳስባታት ብዝተሓደሰ ኒሕ ክነብሩ፡ ማለት ንላዕሊ ምጥማትን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ውሽጢ ምታውን ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም፣ ንላዕሊ ንምጥማት ብመጀመርያ ብመንፈስ ቅዱስ ክድረኹ ክእለተንን ፍቓደንን ከም ዝሓትት ኣብሪሆም፣ "ጸዋዕታኽን ተልእኾኽን ካብ ጐይታ እዩ ዝመጽእ - እዚ ኣይንረስዕ . . . ስለዚ ውልቃዊ ተወፋይነት፡ ናብ ባይታ እነምጽኦ መንፈሳዊ ድራኸ፡ ሓዋርያዊ ቅንኣትን እንጥቀመሉ መሳርሒታትን ፈጺሙ ናብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ብቕዓትን ወይ ትዕቢትን ክመርሓና የብሉን እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መንፈስ ቅዱስ ንልብና ዳግማይ የነቓቕሖ

"መንፈስ እዩ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ተልእኾ፤ ንሱ እዩ ንቕድሚት ዝድርኸና፣ ክእለትና ዘብዝሕ፣ ኣብ ጻዕርና ዘሐድሰና፣ ሓጎስ ወንጌል ምስ ዝዘሓለ ልብና ዳግማይ ዘወዓውዕ፣ ስጉምትና ዘብርህ . . . ምስ በሉ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ኣብ ክውንነት ምጥሓል ዝብል ካልኣይ ኣተሓሳስባ እንከቕርቡ፣ "ምኽንያቱ ንላዕሊ ምጥማት ምህዳም ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ትሕትና ክንሕዝ ክሕግዘና ይግባእ፣“ ንሱ ንርእሱ ባዶ ዝገበረ፣ መልክዕ ኣገልጋሊ ዝሓዘ . . . እዚ ማለት ድማ ናብ ስጋና ወሪዱ ኣብ መዓሙቕ ውጉእ ሰብኣውነት ኣትዩ ፍቕሪ ኣቦ ንምምጻእ ትሕት ምባሉ እዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ብመንፈስ ተደሪኽክን ንስኻትክን እውን ኣብ ታሪኽ ክትጥሕላ ትጽውዓ፣ ንናይ ሎሚ ሰብኣውነት ብልክዕ ንምስማዕ። እዚ ማለት እውን ነቲ ህሉው ባህሊ ምንባርን ኣብ ሓቀይና ህይወት ናይቶም ኣብ ህይወት ዘጋጥሙና ሰባት ስጋ ምልባስን ማለት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ክቡር ኣገልግሎት

"ክቡራት ኣሓት ናትክን ኣብ ሕትመት፡ ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ መጋብርያ ዓለም፡ ኣብ ምሕደራ ኣባይቲ መሸውጣ መጻሕፍቲ፡ ኣብ ውጥናት ሬድዮን ተለቪዥንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተግባራትን ስራሕክንን ክቡር ኣገልግሎት ንቤተክርስትያንን ዓለምን እዩ" . . . ንብዙሕ ንጥፈታት ዝገብር ጻዕርታት "ሓድሓደ ግዜ ጾር ከም ዝኾነ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝተሓላለኸ ኩነታት ልዑል ጽፈት ዘለዎ ሞያዊ ምቛም ስለ ዝጠልብ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ምስቲ ውልቃውን ንዋታውን ጸጋታት ድሩት ብምዃኑ ዝጋጮ እንተኾነ  "ተስፋ ኣይንቝረጽ!" . . .  ቅዱሰንቶም ኣስዒቦም ነተን ደናግል ኣሓት ነቲ ናይቲ ማሕበር መሰረት ዝኾነ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከመይ ጌይረን ህያው ከም ዝገብርኦ ከስተንትነኦ ዓዲሞም፣ ዋላ’ውን እዚ ትብዓትን ጠለብ ዘለዎን ምርጫታት ክሓትት ይኽእል እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ምስ ሓዋርያውነት ዝተኣሳሰሩ ስራሓት - ብኸመይ ከም ዝፍጸምኦን ብሚዛናዊ ራእይ ምሕዳስ ከምዘድልየን” ኣመላኺቶም፣

ተኣማንነት የድሊ

"ሓደ ሰብ ንቑሕ ክኸውን ኣለዎ፣ ኣብ መንጎ እቲ እንሰብኮን መዓልታዊ ከመይ ከም እንነብርን ምፍልላይ ከይህሉ" እንክብሉ ኣጠንቂቖም , , , "በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ኢኽን ነቲ መስራቲኽን ንመላእ ጳውሎሳዊ ስድራቤት ዝደልዮ ዘይነጻጸል ኣገባብ: መንገድን ሓቅን ህይወትን - ኣእምሮን ድሌትን ልብን" እሙናት እትኾና፣ በዚ ድማ ኣብ እተኸፋፈለት ዓለም ትንቢታዊ ዝመስል ሓድነታዊ ኣቀራርባኽን ስሙርን እሙንን እሙንን ክኸውን ኢዩ . . . ምስ በሉ -

"ናብ ቅንኣት ቅዱስ ጳውሎስ፡ ናብቲ ኣብ መንጎ ጸገማትን ስደትን ከይተረፈ ንክርስቶስ ኣብ ምእዋጅ ዘለዎ ዘይሕለል ሓጎስ ምጥማትን፣ “ብመንፈስ ተመሪሐን ንደቂ ሰባት ክሰምዓን፡ ንኹሎም - ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ - ካብ ላዕሊ ዝመጽእ ተስፋ ከቕርባን" ተማሕጺኖም፣ ኣብዛ ዕለት 2 ጥቅምት ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ሓለውቲ መላእኽት ኣብ እተብዕለሉ ዕለት በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስቲ ሓዋርያት ኣወኪፎም፣ ጸሎቶም ድማ ከም ዘረጋገጹለን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

03 Oct 2025, 17:40