ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል፡ 'ተስፋ ምግባር ምርጫ እዩ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል፣ ብዛዕባ ትርጉም ክርስትያናዊ ተስፋ ከም ዘስተንተኑን ምእመናን ኣብ ወንጌል ሱር ዝሰደደ ተባዕ ምርጫታት ክገብሩ ከም ዝዓደሙን፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል (ሉቃ 16፡13–14) ኣማእኪሎም ብዛዕባ ሃብቲ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ምግልጋል ዘጋጥም ብድሆ እንከመላኽቱ፡ ቅድስቲ ኪያራ ዘኣሲዚ ከም ድሙቕ ኣብነት ናይ መንእሰያት እምነትን ሱር በተኻዊ ደቀ መዛሙርቲነትን እንክብሉ ከም ዝገለጽዋ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ተስፋ ምግባር ምምራጽ እዩ”
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ሰማዕቲ ነቲ ኢየሱስ ብዛዕባ ድኽነት ዝሃቦ ትምህርቲ ዘላግጹሉ ክፍሊ ርእይቶኦም ክህቡ ከለዉ፡ “እቲ ብዛዕባ ድኽነት ዝተዛረቦ ዕሽነት ከም ዝመስሎምን። ብዝያዳ ብልክዕ ክዛረብ እንተኾይነ፡ ብሰንኪ ምስ ገንዘብ ዝነበሮም ምትእስሳር ብውልቆም ዝተተንከፉ ኮይኑ ተሰሚዕዎም እዩ።”
ኢዮቤል “ጭቡጥ ናይ ተስፋ ግዜ” ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ምእንቲ ኩሉ ከም ብሓድሽ ንምጅማር ልብታት ይቕሬታን ምሕረትን ዝረኽበሉ ህሞት” ምዃኑ ኣመላኺቶም “ኣብዛ ዓመት እዚኣ ንመን ከም እነገልግል ክንመርጽ ኣሎና: ፍትሒ ወይ ኢፍትሓውነት: ንኣምላኽ ወይ ገንዘብ - ቢሎም - ሓቀይና ተስፋ ካብ ውልቃዊ ውሳኔ ዘይፍለ ምዃኑ ኣብሪሆም። ናይ ሓቂ ተስፋ ካብ ውልቃዊ ውሳነ ዘይፍለ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ "ተስፋ ምግባር ምምራጽ እዩ - ምስ በሉ - ክልተ ቐንዲ መዳያት፣ ቀዳማይ "እንተ ተቐይርና ዓለም ትቕየር" ካልኣይ ከኣ እቶም ምምራጽ ዝስኣኖም ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኣብ ቅድሚኦም ኣሎ ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም። "ሓደ ኻብቲ ልሙድ ሳዕቤን መንፈሳዊ ጓሂ ማለት ትህኪት፣ ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይምምራጽ እዩ" እንክብሉ ኣጠንቂቖም፣ "እቶም ነዚ ዜጋጥሞም ካብ ሞት ዝገደደ ውሽጣዊ ትህኪት እዮም ዝሕዙ። ብኣንጻሩ ግን ተስፋ ምግባር ክምረጽ ኣለዎ . . .” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅድስቲ ኪያራ ዘኣሲሲ፡ ኣብነት ናይ ተባዕ ምርጫ
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኣብነት ቅድስቲ ክላራ ዘኣሲዚ ብምቕናዕ ናይ “ትብዓትን ጸረ ወሓዚ ባህላውነትን መንእሰይ” እንክብሉ ብምግላጽ፣ ብጸጋ እግዚኣብሔር ንወንጌል ወሳኒ ምርጫ ዝገበረት እንክብሉ ከም ዝገለጽዋ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ምስ ስድርኡ ንምብታኽ ዋጋ ካብ ምኽፋል ሓሊፉ ንወንጌላዊ ድኽነት ብኸመይ ከም ዝሓቖፈ ብምዝካር፡ ኣብ ውሳነ ቅድስቲ ኪያራ ዘኣሲዚ “ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ: ከም ፍራንቸስኮ ክትከውን እትደሊ መንእሰይ፡ ከም ጓል ኣንስተይቲ፡ ከምቶም ኣሕዋት ብናጽነት ክትነብር ዝደለየት” ምዃኑ ኣስተብሂሎም። ኣብታ ንገዛእ ርእሳ ክርስትያን ገይራ እትቖጽር ከተማ እውን ከይተረፈ፡ ክያራ ንወንጌል ብሱር በተኻዊ መንገዲ ምሕቋፋ ሰውራዊ ኮይኑ ከም ዝረአ ኣስተውዒሎም፣ "ሽዑ ከም ሎሚ ሓደ ሰብ ክመርጽ ኣለዎ! ክያራ መሪጻ፡ እዚ ድማ ዓቢ ተስፋ ይህበና . . . ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክልተ ነባሪ ፍረታት ውሳኔኣ እንክመለክቱ ድማ፡ እቲ ቀዳማይ ንብዙሓት ካልኦት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ድኽነት ንክርስቶስ ክስዕባ ዝሃበቶ ምትብባዕ ዝምልከት ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን እቲ ካልኣይ ድማ “ከም ብልጭታ ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዜ ዝጸንሐ፡ ናባና ዝወረደ” ነባሪ ምስክር ናይ ምርጫኣ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብሓቀይና ምርጫታት ዝተሳሕቡ መንእሰያት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ንኽልተ ጎይቶት ከተገልግል ብፍጹም ኣይከኣልን” ዝብል ቃል ኢየሱስ ብምጥቃስ፣ ቤተ ክርስቲያን ንወንጌል ብሓቅነት ክትነብሮ እንኮላ መንእሰይን ህያውን ኮይና ከም እትቕጽል ኣስተብሂሎም። “ኪያራ ዘኣሲዚ ወንጌል ንመንእሰያት ከም ዝምስጥ ተዘኻኽረና። መንእሰያት ነቶም ምርጫ ዝገበሩ ሳዕቤን ምርጫታቶም ዝነብሩን የፍቅሩ። እዚ ድማ ካልኦት ምርጫ ክገብሩ ድሌት ክህልዎም ዝድርኽ እዩ፣ ቅዱስ ምምሳል እዩ: ሓደ ሰብ 'ቅዳሕ ኣይከውንን: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግን — ወንጌል ክመርጽ ከሎ — ገዛእ ርእስነቱ ይመርጽ። ሓደ ንርእሱ ክስእን እንከሎ ንርእሱ ይረክብ!" እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንመንግስቲ ኣምላኽ እተገልግል ቤተ ክርስቲያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መወዳእታ ንመንእሰያትን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እናሓሰቡ ድማ፣ "ንመንግስቲ ኣምላኽን ፍትሑን እምበር ንገንዘብ ወይ ንገዛእ ርእሳ እተገልግል ቤተ ክርስትያን ከይንኸውን ንጸሊ። ከም ቅድስት ኪያራ ንመንግስቲ ኣምላኽን ፍትሑን ብእተፈልየ መገዲ ኽትነብሮ ትብዓት ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን ምዃን። እዚ ተስፋ ይህብ! እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
