ር. ሊ. ጳ.፦ ሰላም ክውንነት ደአ እምበር ሕልሚ ጥራይ ኣይኰነን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ሰበኽ ሳግም ሮማን ሲንቲን ዝኾኑ ምእመናን ዝሓለፈ ቀዳም ምስ ጳጳስ ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንኢዮቤልዩ ተራኺቦም።
ኣብቲ ጉባኤ ድማ ቘልዑን ህጻናትን መንእሰያትን ንዘቕረቡሎም ሕቶታት መልሲ ኣካፊሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ኲናት ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ እንክህቡ፣ ምስቶም ኣብ ሕይወትናን ኣብ ስድራቤትናን ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባትን ሰላም ክንገብር ተማሕጺኖም።
"ኵላትና ውግእ ኣብ ዘይብላ ዓለም ክንነብር ንደሊ ኢና፣ ወትሩ ድማ ሰላም ክብጻሕ ከም ዚከኣል፣ ማለት ሕልሚ ጥራይ ከም ዘይኮነሰ ብሰላም ክንነብር ከም እንኽእልን ብጽኑዕ ብምእማን ንሰላም ሃነጽቲ ድልድላት ክንከውን ክንጽዕር ኣሎና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘዳለውዎ ቃለ ምዕዳኖም ነቲ ፍረ ነገር ዓመተ ኢዪቤል ዝኾነ "ተስፋ ኣብ ዕዮ ኢያ ዘላ — ኣቦይን ኣደይን ኣብ ኣርመንያ ኰለል ይብሉ ነበሩ" ዝብል ሓሳባት ጠቒሶም (ዘዳግም 26፡5 ርአ) ።
"ሎሚ ኵላትና በቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘምጻእኩምዎ ውህበት ኣብ ጕዕዞና ሓድሽ ኩነት ኰይኑ ይስምዓና ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ድልድልቲ እምነትኩም ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ዘሎኩምን ዘይነቓነቕ ተስፋኹምን፣ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕዳጋት ሕብረተሰብ ዚነብር ሕዝቢ ዜጋጥሞ ጸገማት ዘይቅበል ጽኑዕ ምትእምማንኩም ኢዩ" ክብሉ ውን ኣሞገስዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዚ ጽንብል ኢዮቤል ደድሕሪ 60 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ብ1965 ምስ ነጋድያን ህዝብታት ኣብ ፖሜዝያ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ጉባኤ ድሕሪ 60 ዓመት ከም ዝካየድ ዘሎ ውን ዘኪሮም።
ቤተ-ክርስትያን ብጉስነታዊ ኣገልግሎታ ኣቢላ ምስ ማሕበረሰቦም ክትመላለስ ከም እትደሊ ውን ደጊሞም ኣረጋገጹሎም።
ተጕዓዚ ህዝብታት ብዛዕባ ሰለስተ ኣገደስቲ ሓቅታት ይምስክር ኢዩ፣ እዚ ኸኣ "ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ምውካል፣ ኣብ ዓለማዊ ሰናይ ዘይምግላል ብግብርኻን ብቓልኹምን ከኣ ኣብነታዊት እምነት ከተርኢ ምኽኣል ኢዩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ህዝቦም ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ተጕዓዝትን ሰበኽ ሳግምን ኰይኖም ከም እተጓዕዙን፣ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት ገዲፎም ናብ ወሰን ከተማታትን መሰላትን ትምህርትን ባህልን ከም ዝደፍእዎም ውን ገለጹ።
"ይኹን እምበር እቲ ንዓኻትኩም እተገለለኩምን ብዘይ ሰላምን ተቕባልን ኰለል ዘብለኹም ዘሎ መርኣያ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ዝዓበየ ማሕበራዊ ምጕዳል ፍትሒ ዘስዓበ ኩነት እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንህዝቢ ሮማ ሲንቲ ከምኡውን ካልኦት ነጋድያን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2019 ዘቕረብዎ ጻውዒት ከቕልቡሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ክንዳኡስ ቂም ከይህልዎም ኣብ ርእሲ እዚ ውን "ክብሪ ስድራቤት ክብሪ ስራሕ ናይ ዕለት እንጌራኹም ናይ ምርካብ ክብሪ ከምኡውን ክብሪ ሕይወት ጸሎት" ብምድልዳል ክግስግሱ ተማሕጸንዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም "ክብሪ ስራሕን ክብሪ ጸሎትን ንመንደቕ ዘይምትእምማንን ፍርህን ኣብ ምፍራስ ብርታዐኹም ይኹን" ክብሉ ተላበውዎም።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ተጕዓዝቲ ህዝብታት፣ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ናይ ወንጌላውነት ተልእኾኦም ክቕበልዎ ከም ዘለዎም ብምግላጽ ጽባቐ ባህሎም ከርእዩ ጻውዒት ብምቕራብ ክፍጸም ከም ዘለዎ ገለጹ።
"ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይቲ ሕጂ እንነብሮ ዘሎና መዋእል ለውጢ ኩኑ፣ ኣብ ዝሃለኹምዎ ቦታ ምስ ካልኦት ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ብምንባር ካብ ሓድሕዳዊ ዘይምትእምማን ሓሊፍኩም ጽባቐ ባህልኹም ኣፍልጦ ብምሃብ እምነትን ጸሎትን ካብ ቅኑዕ ስራሕ ዝመጽእ እንጌራን ምክፋል ይኹን" ክብሉ ብምምሕጻን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።
