ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጳጳሳዊ ፖርቱጋላዊ ተቕዋም፡ ንጎይታ ቀረባ ኣብ ምዃን ምዕባይ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንህይወትኩም ንልቢ ኣምላኽ ሕድሪ ሃቡ፣ ናብኡ ቅረቡ ካብኡ ድማ ምሕረት ተምሃሩ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ዝበሉ ዕለት 20 ጥቅምቲ ኣብ ሃገር ቫቲካን ነቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ፖርቱጋላዊ ተቕዋም ማሕበረሰብ ተመሃሮ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብምኽንያት መበል 125 ዓመት ዝኽሪ እቲ ኣብ 1898 እተመስረተ ጳጳጳሳዊ ፖርቱጋላዊ ተቕዋም ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኮይኑ፡ እቲ ተቕዋም ልዮን መበል 13 ጳጳሳት ፖርቱጋል ንዘቕረብዎ ሕቶ እወንታዊ ምላሽ ምስ ሃቡሉ ዝተመሰረተ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዝለዓለ ትምህርቲ ዝከታተሉ ካህናትን ንክህነት ዝሰናደዉ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን፣ “ንድሕሪት ምልስ ኢልና ብዛዕባ መሰረት እቲ ተቕዋም ክንሓስብ እንኮለና፡ ንኣዋጅ ወንጌል ብዝበለጸ ንምስፋሕ፡ ካህናትን ምእመናንን ኣብ ሓደ ጕዕዞ ተጠርኒፎም ኣብ ሓደ ዕላማ ተወፋይነት ከም ዘሎ ነስተውዕል" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ልቢ ክርስቶስ
ቅዱስ ኣቦና እቲ ዝኽሪ መበል 125 ዓመት እቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣብ ውሽጢ ዓመት ኢዮቤል ብምዃኑ ድማ "ዓመታት ኢዮቤል ብዛዕባ እቲ ካብ ልቢ ክርስቶስ ዝውሕዝ ውህበት ምሕረት ንቕሓት ዝዓበየሉ እዋን እዩ - ቢሎም - ልክዕ ቅዱስ ልቢ እዩ፡ ካብ መጀመርታ ንታሪኽ ጳጳሳዊ ፖርቱጋላዊ ተቕዋም ዘነጸረ፡ ንጎይታ ዝተወፈዩ ነቶም ቀዳሞት ተማሃሮ እቲ ተቕዋም ዘክሩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንሕያዋይ ጓሳ ምምሳል
"ንልቢ ክርስቶስ ዝተወፈየ ጳጳሳዊ ፖርቱጋላዊ ተቕዋም፡ ተማሃሮ - ነቲ ፍቑር ወደ መዝሙር ብምምሳል - 'ኣብ ኣፍልቢ ኢየሱስ ተጸጊዖም' በዚ ኸኣ ህርመት ልቢ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝሰምዑሉ ቤት ትምህርቲ መለኮታዊ ምሕረት እዩ" እንክብሉ ገሊጾም፡ "ብሓቂ ሓደ ካህን - ዝኾነ ይኹን ተልእኾ ብሓላፍነት ዝተዋህቦ፡ ኩሉ ግዜ ገዛእ ርእሱ ንሕያዋይ ጓሳ ኣብ ምምሳል ዕድል ይረክብ። ስጋዊ፡ ሰብኣውን ለባምን ልቢ ጥራይ ኣየድልን እዩ፣ እንታይ ደኣ ንናይ ኢየሱስ ልቢ ዝመስል ልቢ እዩ ዘድሊ፡ ኩሉ ግዜ ምስ ኣቦ ሓድነት ዘለዎን ቤተ ክርስትያን ዘፍቅርን ርህራሄ ዝመለአን - ቢሎም - እወ ሓደ ኻህን ብሕድሪ ዝወሃቦ ዝዀነ ይኹን ተልእኾ ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሳዕ ንገዛእ ርእሱ ናብ ሕያዋይ ጓሳ ንምቕያር ኣጋጣሚ ይረክብ እዩ። ስለዚ ወትሩ ግዜ ንጐይታ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ንቤተ ክርስቲያን ከፍቅር ዝኽእል ልቢ ክለምኑ” ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናብ ጎይታ ቀረባ ምዃን
እቶም ተመሃሮ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ንኢየሱስ፡ ናብ ጳጳሳቶምን ንማሕበረሰባት ሃገረ ስብከቶምን ቀረባ ክኾኑ ሓቲቶም፣ “ሕጂ’ውን እንተኾነ ነቶም ሓደ መዓልቲ ኣብ ሃገራትኩም ከተገልግሉዎም እትኽእሉ ምእመናን ጸልዩ። ምስ ጐይታ ኢየሱስ ቅርበት ይሃልኹም፡ ቃሉ ብምስማዕ፡ ምስጢራት ብምቕባልን ምስራዕን - ብፍላይ ድማ ቅዱስ ቁርባን - ብኣምልኾን ስግደትን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን፡ ብመንፈሳዊ መመያን ኣብ መንጎኹም ሕውነታዊ ሕያውነትን ብምንባር" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቶም ተመሃሮ ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ሮማ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንርእሶም “ገዛ” ማለት ካብ ስነ ትምህርታዊ ሓላፍነታትኩም ተመሊስኩም "ከም ስድራቤት ምዃንኩም ክስምዓኩም ዘኽእል እዩ፡ ናይ ተቕዋም ገዛ፡ ተቐባሊት እያ - ከም ቤተክርስትያን" ዝዓይነቱ ናይ ገዛ ሃዋህው ክሃንጹ ከም ዘለዎም እውን ምዒዶም፣ እቲ ተቕዋም ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ነቶም ዝሳደዱ ዝነበሩ ኣይሁድ ዘዕቆበ ከም ዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮ፡ እዚ እውን ሓላፍነትን ምስክርን ሕውነትን ምዃኑ ከም ዘጉልሑ የመላኽት።
ፍሉይ ምስጋና ነተን ኣብቲ ተቕዋም ዘገልግላ ኣሓት
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ብደገፍ ሓለቓ እቲ ተቕዋምን መንፈሳውያን ኣቦታትን፡ ከምኡ’ውን ብኽቡር ህላወ ፍራንቸስካውያን ኣሓት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰዓሪት ሓቢሮም ክሰርሑ ተላብዮም፣ "ክቡራት ኣሓት የቐንየልና፡ ስለቲ ንካህናት እተገብረኦ ተወፋይነት፡ ስለ እቲ ናብ መንግስተ ሰማይ ክብ ዝብል ጸሎትክን፡ ከምኡ'ውን ስለ’ቲ ዘለክን ኣደነታዊ ኣተሓሳስብን ተግባርን አመስግን፡ ምስ በሉ ስለይ ሓደራኹም ጸልዩ፡ ኣብዚ ወርሒ እዚ ጸሎተ መቝጸርያ ክትደግሙ እንከለኹም ንዓይን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን ምእንቲ ሰላምን በማላድነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ፡ ጸልዩ!” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
