ድለ

2025.10.03 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ምስ ክርስቶስ ዕርክነት ከማዕብሉ ይዕድሙ 2025.10.03 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ምስ ክርስቶስ ዕርክነት ከማዕብሉ ይዕድሙ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ምስ ክርስቶስ ዕርክነት ከማዕብሉ ይዕድሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓደስቲ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውጢ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣባላት ቃለ ማሕላ ኣብ ዝፈጸምሉ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ንር.ሊ.ጳ. ንዝገበርዎ ሓለዋ ኣመስጊኖም፡ ሕይወት ዘዳለወሎም ብዘየገድስ ምስ ጎይታ ዘለዎም ዕርክነትን እምነቶምን ከማዕብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ካብ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናይ ኣትሒዝኩም ክቡራት ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ፡ ኣብቲ ብዓቢ ተወፋይነትን ቅንኣትን እትፍጽምዎ እሙን ኣገልግሎትኩም ክተኣማመን ክኢለ እየ . . . እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ንጳጳሳዊ ሓለዋ ስዊዘርላንድ ብምኽንያት እቲ ባህላዊ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ሓደስቲ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ገሊጾም፣ ስለ ጻዕሮምን ተወፋይነቶምን ድማ ልባዊ ምስጋና ኣቕሪቦም፣ ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ንድሕንነቱ ትሕልዉ ኸም ዘለኹም ብምትእምማን ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ኣብ ምግልጋል ተልእኾኡ ኺፍጽም የኽእሎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክብርታት እምነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንወንጌልን ንመሰረታዊ ክብርታት ክርስትያናዊ እምነት እሙናት ኮይኖም ክትጸንዑ ተማሕጺኖም፣ እዚ ድማ "ኣብ ምርጫኹም ርእሰ ተኣማንነት ዘለኩም ዝተጠመቑ ኣመንቲ ይገብረኩም" ኣንክብሉ ኣስሚሮም፣ "ነፍሲ ወከፍኩም ብቓላትኩምን ብኣካይዳኹምን፡ ብናይ ግብረ ሰናይን እምነትኩምን ንኻልኦት ኣብነት፣ ንመላእ ሮማዊት ኩርያ ድማ ምልክት ሓድነት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም" እንክብሉ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውሽጣዊ ሕይወትን ዝምድና ምስ ጎይታን ምዂስኳስ

ቅዱስ ኣቦና ኸተማ ሮማ ምስ ሃብታን ስንቃን ዘይርሳዕ ጕዕዞ ኣብ ታሪኽ ብኸመይ ከም እትህቦም ኣዘኻኺሮም፣ "ናይ ስነ-ጥበብ ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ እምነት ክርስትና ካብቶም ቐዳሞት መሰኻኽር ጀሚሮም ሓድሓደ ግዜ እውን ክሳዕ ሰማእትነት ንክርስቶስ ዝሰዓቡ ታሪኽ እምነት ዘጠቓልል እዩ"

"ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቐመሉ ኣብ ማእከል ህውከት ሕብረተሰብና ውሽጣዊ ህይወትኩም ንምምዕባልን ምስ ጐይታ ዘሎኩም ርክብ ንምዕሟቝን ተጠቐመሉ - ቢሎም - ሓሳቦም ናብቶ ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣቕኒዖም፣ ሎሚ ማሕላ ብምፍጻም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ትኣትዉ ኣለኹም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "ነዚ ተልእኾ እዚ ብምትእምማን ክትመላለሱ አተባብዓኩም ንርእስኹም ኣብ ቤት ትምህርቲ ክርስቶስ ንትሕትናን ተኣዝዞን ክትነብሩ አተባብዓኩም" ከም ዝበሉ የመላኽት።

ተኣማነንት ንወንጌልን ንክርስትያናዊ እምነትን

ብዙሓት ካብኣቶም ንቅድስቲ መንበር ሰናይን እሙንን ኣገልግሎት ድሕሪ ምቕራብ ሓደ መዓልቲ ናብ ዓዶም ከም ዝምለሱን ኣብ ቅድሚኦም ብዙሕ ዕድላት ከም ዝህልዎምን ቅዱስነቶም ከም ዘዘኻኸሩን፣ ገሊኦም ትምህርቲ ክቕጽሉ፣ ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ክኣትዉ፣ ክጓዓዙ ወይ ምናልባት እውን ጸዋዕታ ክህነት ክቕበሉ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፣ ውሳኔኦም ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብ ሮማዊ ኩርያ ዝረኸብዎ ተመኩሮ "ንመጻኢ ለውጥታት ብተኣማንነትን ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብዚግባእ ኣመለኻኽታን ንኺዋጽኡሉ" ኸም ዚሕግዞም ኪዝክሩ ድማ ተላብዮም፣

ብስለትን ተስፋን

እቲ ናይ ሕጂ ወለዶ ዘጋጥሞም ብዙሕ ብድሆታት ዘርዚሮም፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ኣከባብያዊ ጕዳያት ቍጠባዊ ለውጢ ማሕበራዊ ውጥረት ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከምኡውን ካልእ "ምስትውዓልን ሓላፍነት ዚስምዖን" እተሓላለኸ ክውንነታት” ጠቒሶም "ኣብ ሮማ እትነብርዎ ግዜ፡ ኣብዞም መዳያት ማሕበራዊ ህይወት'ውን እንተኾነ ዝዓሞቐ ብስለት ከተማዕብሉ ክሕግዘኩም ይኽእል'ዩ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ተስፋ መሰኻኽርን ንወንጌል እሙናትን ብእምነት ኣብ ጎይታ ክድረኹን ተማሕጺኖም፣ "ኣብዚ ቅዱስ ዓመት ብገርሀይናን ተሑትን ምስክርነትኩም ኣቢልኩም ናይ ተስፋ ልኡካን ኩኑ፡ ሃልሃልታ ተስፋ መንገድኹም የብርህን ተባዕ ስጉምትታት ክትወስዱን ብሓባር ኣብ ስልጣነ ፍቕሪ ክትዓብዩ ትብዓት ይሃበኩም" እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 Oct 2025, 11:09