ድለ

2025.10.20 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ብመንፈስ ተደሪኽካ ነቶም ሓደስቲ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ምምሳል 2025.10.20 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ብመንፈስ ተደሪኽካ ነቶም ሓደስቲ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ምምሳል  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ብመንፈስ ተደሪኽካ ነቶም ሓደስቲ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ምምሳል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ዕለት 19 ጥቅምቲ ኣብ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ኣዋጅ ሓደስቲ 7 ቅዱሳን ናብ ሮማ ዝነገዱ ዕለት 20 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቀቢሎም ኣብ ዘስዕዎ መደረ፡ ንኹሎም ምእመናን ምልክታት ተስፋን ኣብነትን ክኾን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ናይ ዕለት 19 ጥቅምቲ ሊጡርጊያ “ሕብረት ቤተ ክርስቲያን ንዅሎም ምእመናን ስግር ቦታን ግዜን፡ ቋንቋን ባህልን፡ ከም ህዝቢ ኣምላኽ፡ ከም ኣካል ክርስቶስን ህያው ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስን ዝጥርንፈና ምዃኑ ዘዘኻኽረና እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፡ ነቶም ሓደስቲ ቅዱሳን፡ ሕይወቶም ምሉእ ብምሉእ ብፍቕሪ ክርስቶስን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝተወፈየ ብምዃኑ “ብርሃናዊ ምልክታት ተስፋ እያቶም እንክብሉ ኣስሚሮምሉ። ቅድስና ድማ ኩሉ ዝካፈሎ ጸዋዕታ ምዃኑ ወሲኾም ከም ዘዘኻኸረሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኢግናቴዎስ ማሎያን

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሓደስቲ ቅዱሳን ከስተንትኑ እንከለዉ፡ መጀመርያ ነቲ ኣብ ኣርመንያ ሰማእት ዝኾነ ጳጳስ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ማሎያን “ጓሳ ከም ልቢ ክርስቶስ” እንክብሉ ገሊጾም። ኣብ ግዜ ስደት መጓሰኦም ዘይጠንጠኑ ናጻ ክልቀቕ እምነት ክኽሕድ ምስ ተሓተተ ክሳብ ናይ ደም መስዋዕቲ ንኣምላኽ ዝመረጸ - ቢሎም - ነቲ መስቀል ከም ምልክት ጽኑዕን ነባርን እምነቶም ኣብ እምኒ ዝቐርጽዎ ህዝቢ ኣርመንያውያን" ብምስትንታን ኣማልድነት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ንውዕዉዕ ስምዒት ኣመንቲ ከሐድሶን ዕርቅን ሰላምን ከምጽእን ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ፒተር ቶ ሮት

ቅዱስነቶም ሓሳቦም ናብቲ ሓድሽ ቅዱስ ተወላዲ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ብምቕናዕ ቅዱስ ፒተር ቱ ሮት ከም ኣብነት ጽንዓት እንከስተንትኑ፣ ተራ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ብምንባሩ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ብሕቡእ ጉስነታዊ ኣገልግሎቱ ንምቕጻል ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእተወን፡ ንቕድስና ተኽሊል ብምክልኻል ኣንጻር ብዝሓ መውስቦ ከም እተጣበቐን፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ምስ ሓያላት ሰበስልጣን ይገጥም ከም ዝነበረን ዘኪሮም - “እዚ እዋን እዚ ኣዝዩ ሕማቕ ግዜ እዩ ኩላትና ኣብ ራዕዲ ንርከብ። ግናኸ እግዚኣብሔር ኣቦና ምሳና እዩ” እንክብል ዝተዝረቦ ቃል ብምዝካር ምእመናን ንሓቅታት እምነት ክጣበቑን ኣብ ኩሉ ፈተናታት ኣብ እግዚኣብሔር ክምርኮሱን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅዱሳን ቬንዙዌላ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ኾሰ ግረጎርዮ ሄርናንደዝን ቅድስቲ ካርሜን ረንዲለስን ብምዝካር ነቶም ኣብቲ ንኣዋጅ ቅድስና ዝዓረገ መስዋእተ ቅዳሴ ንኽሓብሩ ካብ ቨንፈዝወላ ዝመጹ ነጋድያን ነቲ ናይቶም ቅዱሳን ገድላዊ ናይ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ክቡር ባህርያቶም ኣስሚሮም ምእመናን ነዚ ከም መምርሒ ክጥቀሙሉ ዓዲሞም። እምነት ንኻልኦት ተራ ህይወት ናብ ብርሃን ይቕይር፤ ተስፋ ቃልስታት ንሓላፊ ዕላማ ከምዘይኮነ የዘኻኽረና፤ ውህበት ኣምላኽ ካብ ምቕባል ዝተወልደ ሓላይ ፍቕሪ ድማ ንሕሙማትን ድኻታትን ንኣሽቱን ከነገልግል ይጽውዓና - ቢሎም - ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ “ናብ ሓደ ቅድስና ዝተጸውዑ ኣሕዋትን ኣሓትን” መንግስቲ ኣምላኽ ብሓጐስ ኣብ ምህናጽ ብሓባር ክመላለሱ” ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅድስቲ ማርያ ትሮንካቲን ቅድስቲ ቪንቸንዛ ማርያ ፖሎኒን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ቅድስቲ ማርያ ትሮንካቲ ዝተባህለት ኣብ ኢኳዶር ኣባል ማሕበር ደናግል ሳሊዚያን ልእኽቲ ወንጌል ኣማእኪሎም ድማ፣ ካብ እምነትን ጸሎትን ብዝተረኽበ ፍቕሪ ኣካላትን ልብን ከም ዘሕወየት ኣስሚሮም፡ መስራቲት ኣሓት ዘምሕረት ዝኾነት ቅድስቲ ቪንቸንዛ ማርያ ፖሎኒ ነቲ ክርስቶስ ንሕሙማትን ንዝተገለሉን ዝነበሮ ርህራሄ ዘንጸባርቐት እያ ነይራ፡ ክልቲአን ቅድስና ኣብ ኣገልግሎት ንተቓላዕትን ዝተገለሉን ድኻታትን ሰባት ከም ዝዕምብብ ዘረጋገጻ እያተን እንክብሉ ከም ዝገለጽወን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ንዘኽታማትን ንድኻታትን ተስፋ ዝቘረጹ ምሕረትን ቅድሚ ምውፋዩ ካብ እምነት ዝረሓቐ ቅዱስ ባርቶሎ ሎንጎ እንክዛረቡ፡ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ኣብነት እዚ ተጠቒሞም ሕማማት ክርስቶስ ብዓይኒ ማርያም ኬስተንትኑ ኣተባብዕዎም፡ ኩሎም ምእመናን "ብሞሳ ዝመልአ ልብን ነቶም ሓደስቲ ቅዱሳን ናይ ምምሳል ባህጊ ሰኒቖም" ናብ ዓዶም ክምለሱ ተላብዮም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 Oct 2025, 17:48