ር.ሊ.ጳ. ንስራሕተይናታት ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን፡ 'ጸሎትና ለውጢ የምጽእ!'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"በብቝሩብ ክፈልጠኩም እጅምር ኣለኹ! . . . ቃላትን ተግባራትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኵሉ ቦታ ንምዝርጋሕ ብውዕዉዕ ስምዒት ከም እትዓዪ እፈልጥ እየ። ነዚ በብመዓልቱ ብምስትውዓልን ብትሑትን ረኣየለይን ስምዓለይን ብዘይብል መገዲ ኢኻትኩም እትገብርዎ። ሎሚ ምስኻትኩምን ኣባይቲ ስድራኹምን ክራኸብን ምሳኹም ቁሩብ ጊዜ ከሕልፍ ምኽኣለይ ሓጎስ ይፈጥረለይ . . . ኢሎም።
ከም ቤተ ክርስቲያን ብመልክዕ ስድራ ቤት ዝተሰነየ ርክብ
እቲ ርክብ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ውሩይ ናይ መጀመርታ መደበር ረድዮ ማርኮኒ ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ሕንጻ ሊዮን መበል 13 ብምክያዱ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም እዚ ህንጻ እዚ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 13 ምውፋዩ ትርጉም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዎ ኣገዳስነት ዘዘኻኽር እዩ” ዝበሉ ቅዱስነቶ ሰራሕተይናትት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝክታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት "ኣገልግሎትና ብጸሎት ዝተሰነየ ክኸውን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ!" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
ጸሎትና እዩ እቲ ፍሉይ መለለይና
ብጸሎት ዝተሰነየ ኣገልግሎትና "ዓለም ዘይፈልጦን ዘይርድኦን ይኸውን - ንሕና ግን ንፈልጦ ኢና፡ ኩሉ ግዜ ድማ ክንገብሮ ክንጽዕር ኣሎና: መዓልታዊ ናይ ምርኻብ ስራሕና ብጸሎት ከነሰንዮ ኣለና"መዓልታዊ ናይ ርክብ ስራሕና ብጸሎት ከነሰንዮ ኣለና።"
ሰብ ሞያ መራኸቢ ቡዝሓን ቫቲካን ካብ ብዙሓት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ምዃኖም እውን ኣስተብሂሎም፣ ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ዓይነት ስራሕን ዘለዎም እውን እንተኾንና፣ "እዚ ኩሉ ብዙሕነት ግን ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ዕላማ እዩ ዝቐርብ: ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ብስራት ቃል ኣምላኽ ናብ መላእ ዓለም ንኸመሓላልፉ ምሕጋዝ ዝብል እዩ . . . "ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ከም ዝጸሓፎ ዝተፈላለየ ውህበት ኣሎ፡ እቲ መንፈስ ግን ሓደ እዩ፤ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት፡ ግን ሓደ ጎይታ፤ ዝተፈላለየ ንጥፈታት፡ ግን ከኣ ሓደ ኣምላኽ እዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩሉ ዝሰርሕ" እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ የመላኽት።
ጥዑይ ቀዳምነታት ዘለዎ ዝተፈላለየ መርበብ
ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክሃንጽዎ ዝጸንሑ ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ መርበባት ጠቒሶም እንቛዕ ሓጎሰኩም፤ ከምኡ ምግባር ድማ "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝብልዎ 'ካብ ገዛእ ርእስኻ ብምውጻእ' ማለት ነዚ መርበብ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ዓለምን ብምዝርጋሕ፡ 'ናብ መዓሙቕ ብምውጻእ' ክሳብ ጫፋት ምድሪ" ዝኸይድ እዩ፣
"ልዕሊ ኩሉ መርበብ ሰባት እዩ፣ ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ክእለት ዘለዎም፣ ንቤተክርስትያን ዝቐርቡ ... ሓቂ ንምክፋል፣ ሰባት ንኽርእዩን ንኽርድኡን ንምሕጋዝ ንዓለም ዝቐርቡ - ኩሉ ግዜ ብፍቕሪ" ከምኡ'ውን "ተራታት ዝተፈላለየ ዝኾነሉ፣ ግን ከኣ ሓደ ሰብ ካብቲ ካልእ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዘይኮነሉ - ምስ በሉ - ከም ስድራ ቤት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን እተካይድዎ ናም መዘናግዒ ርክባት ብሓቂ ሰናይ እዩ . . .
ብፍቕሪ ምብራኽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ "ንኹልኹም ብፍቕሪ እባርኽኩም፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ዝሓመሙ ህጻናትን እትፈትውዎም ኣባላት ኣባይቲ ስድራኹምን" ብምባል፡ "ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትሓግዘኩምን ስድራኹም ትሓልወልኩምን። ንኹልኹም የቐንየለይ! - ምስ በሉ - ንኣሽቱን ዓበይትን ኩላትና እግዚኣብሄር ኣቦ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና: ስለዚ ከምቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ንጸሊ" ቢሎም በዚ ጸሎት እዚ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
