ድለ

2025.10.14 ር.ሊ.ጳ. ንርእሰ ብሔር ኢጣልያ፡ ሰላም ክቡርን ምዕቡልን ሓቢርካ ምንባር ይጠልብ 2025.10.14 ር.ሊ.ጳ. ንርእሰ ብሔር ኢጣልያ፡ ሰላም ክቡርን ምዕቡልን ሓቢርካ ምንባር ይጠልብ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንርእሰ ብሔር ኢጣልያ፡ ሰላም ክቡርን ምዕቡልን ሓቢርካ ምንባር ይጠልብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 14 ጥቅምቲ ምስ ርእሰ ብሔር ኢጣልያ ሰርጆ ማታሬላ ንምርኻብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኲሪናለ ወግዓዊ ዑደት ኣካይዶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 14 ጥቅምቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኵሪናለ ዑደት ብምክያድ ምስ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ኢጣልያ ሰርጆ ማታረላ ከም እተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ዑደት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኢጣልያን ዘሎ “ምዉቕ ክልተኣዊ ዝምድና” ኣማእኪሎም እውን ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ዑደት “ከም ጳጳስው ሮማን ናይ ኢጣሊያ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቀዳማውን ነቲ ዝውክሎ ህዝቢ ኢጣሊያ ከምኡ እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘራኽበኒ ጽኑዕ ምትእስሳር ዘሐድስ እዩ” እንክብሉ ኣብ ፍጻሜ እቲ ዑደት ፍጻሜ ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ታሪኽ ጣልያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ንብዙሕ ዘመናት ተኣሳሲሩ ከምዝጸነሐ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ኣብቶም ስነ-ጥበባውን ባህላውን ምህዞታት ኢጣልያ ዝወለደሎም ማእለያ ዘይብሎም ኣብያተ ክርስትያናትን ናይ ደወል ህንጻታትን ባህላዊ ሃብትታትን ዝርአ እውን ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ነዞም ግኡዝ ነገራት እዚኣቶም “መግለጺ ተፈጥሮኣዊ መሃዝነት ናይዚ ህዝቢ፡ ምስ ሓቀይናን ጽኑዕን እምነት ዝተዋሃሃደ፡ ንዓቢ ጽባቐ፡ ስነ-ጥበባዊ፡ ብሓቂ፡ ግን ከኣ ግብረ ገባውን ልዕሊ ኩሉ ሰብኣውነትን ዝምስክር” እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡል፣ በርገሳዊ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ነቶም ናይ ተስፋ ኢዮቤል ንምጽንባል ዝመጹ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነጋድያን ተስፋ ንምቕባልን ንነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ነቲ ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላትን ዘርኣይዎ ኣኽብሮትን ዝገበርዎ ጻዕርን ኣመስጊኖም፣ ኣብ’ዚ ፍጻመታት’ዚ ዝተገብረ ሓለዋ ጸጥታን፡ ጣልያን ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ንዝመጹ ሰባት ንምቕባል ዘለዋ ድሌት “ጽቡቕ ምስክርነት ኣቀባብላን ውደባዊ ብቕዓትን” ዝምስርክ ምዃኑ እውን ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ 1929 እተፈረመ ንመንግስቲ ከተማ ቫቲካን ካብቲ ካብ 1870 ኣትሒዙ ኢጣልያ ዝነበረ ግዝኣት ዚፈለየ ሚእቲ ዓመት ውዕሊ ላተራን ዘኪሮም፣ ኣብ መንጎ ቤተ - ክርስትያንን መንግስቲ ኢጣልያን ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ ብቐረባ ምትሕብባር ከም ዘሎ ብምግላጽ "እቲ ዘይግሃስ ክብረት ወትሩ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ማሕበራዊ ምዕባለ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍትን ጽጉማትን ኣብ ምክልኻል ኣብ ማእከል ውሳነታትን ተግባራትን ክኸውን ኣለዎ" ብምባል ንኣገልግሎት ደቂ ሰብ ዘለዎም ቈራጽነት ከም ዘጒለሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ ርክብ ስነ ስርዓት ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ርእሰ ብሔር ማታረላን ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም ነቲ “ኣብ መላእ ዓለም ንደቂ ሰባት ዘቝስል ዘሎ ህጹጽ ግን ከኣ ኣርሒቑ ዝጥምት ምላሽ ዝሓትትን ከቢድ መከራ” ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፣ ሰላም ኣገዳሲ ባእታ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ንዓለም ዘለዋ ድሌት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነዛ መሬት ዘዕንዉ ዘለዉ ብዙሓት ግጭታት ዝፈጥረሎም ሓዘን ድማ ገሊጾም፣ ዓለም ኣብ ኣፍደገ ኲናት ኣብ እትርከበሉ እዋን ንዓለምለኻዊ መራሕቲ ጻውዒት ዘቕረቡ ሓያሎ ቅድሚኦም ዝነበሩ ቃል ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኪሮም፡ ቅድሚ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 15፡ ቅድሚ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ከም ዝዘከሩ ኣመላኺቱ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋላት ዓለም ዳግማይ ሰላም ንምትካል ክንሰርሕ ልባዊ ጻውዒቶም ከምዘሐደሱን፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ፍትሕን ማዕርነትን ምትሕብባርን - መተካእታ ዘይብሉ መሰረት ዝፈጥሩ መትከላት - ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክለምዑን ክዓብዩን” ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዘሐደሱ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመንግስቲ ኢጣልያ ብሰንኪ ውግእን ድኽነትን ዘጋጥም ጸገማት ንምቅላል ዝገበሮ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ቈልዑ ኣብ ቤት ሕክምና ቫቲካን ህጻነ ኢየሱስ ሕክምና ንኽግበረሎም ዝገብሮ ጻዕሪ ኣመስጊኖም።

2026 መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ከም ዝኽብር ብምግላጽ፣ ንሓባራዊ ቤትና ምክንኻን ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣውሮጳ መጠን ውልደት ከም ዝነከየ ብምጥቃስ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ንስርዓታት ስድራ ቤትን ኣባይቲ ስድራን  ንምድጋፍ ጻዕሪ ኺግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "ንስድራ ቤታት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ስድራ ቤታት ንመጻኢ ብህድኣት ምእንቲ ኺጥምቱን ተሰማሚዖም ምእንቲ ኺዓብዩን ምትእምማን ንምስራጽ ዚከኣለና ዅሉ ንግበር" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ነቲ ኢጣልያ ንስደተኛታት ንምሕጋዝን ንግድ ደቂ ሰብ ንምቅላስ ንእትገብሮ ጻዕርታትን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ "እዚ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ብድሆታት እዩ። ኢጣልያ ድማ ነዚ ብድሆ እዚ ካብ ምግጣም ርሒቓ ኣይትፈልጥን እያ - ቢሎም - ናይ ግልጽነትን ሓድነትን ኣረኣእያኹም ህያው ክትገብሩ አተባብዓኩም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ንማሕበረሰብ ኢጣልያ ነቲ ኣቦሓጎታቶም ዘመሓላለፍዎ ባህላዊ ዕምቈት ኬማስዉሉ ጻውዒት ኣቕረቡ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ፋሽን ወይ ዕዳጋ ንሰባት ሓርነት ንምስራቕ ካብ ዚግበር ፈተና ኺርሕቕ ጻውዒት ኣቕረበ።

"ኢጣልያ ኣዝያ ሃብታም ሃገር እያ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ትሑትን ብጽሞና እትዓዪ እያ፣ . . . ኵሎም ኢጣልያውያን ካብኡ ተስፋ ምእንቲ ኺስሕቡን ነቲ ህሉውን መጻእን ዜጋጥሞም ብድሆታት ብምትእምማን ምእንቲ ኺዋጽኡሉ ነዚ ባህ ዜብል ቅያ እዚ ኺፍጽሙ አተባብዖም" እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ክም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ንርእሰ ብሔር ኢጣልያ፡ ሰላም ክቡርን ምዕቡልን ሓቢርካ ምንባር ይጠልብ

Photogallery

ዕደት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ሕንጻ ርእሰ ብሔር ኢጣሊያ
14 Oct 2025, 18:12