ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣጎስጢኖሳውያን ኣሓት: ጎይታ ብሓጎስ ይመልኣና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዕለት 15 ጥቅምቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ መክሲኮ ንዝመጻ ነጋዲያን ተስፋ ንኣባላት ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል ተቐቢሎ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን። “ኣብቲ ብጣዕሚ ብሓጐስ ዝሓቖፍናዮ ህይወት ምስ ጎይታ ክንራኸብ ከምቲ ነጋድያን ዝገብርዎ ክንጓዓዝ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ ምስ ጎይታ ናይ ምርኻብ ህሞት ንምንባር ናብ ሮማ ከም ዝመጻ ብምዝካር፣ "ንሱ ድማ ብሓጎስ ከም ዝመልኣክን ርግጸይና እየ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ናብ ጎይታ ገጾም ብሓጎስ ዝጓዓዙ ነጋድያን
ቅዱስ ቶማስ ብዓል ቪላኖቫ ከመይ ጌሩ መበገሲ ናይዚ ሓጐስ ጐይታ ባዕሉ ምዃኑ ከም ዝስተብሃለ ገሊጾም ስለዚ ድማ ‘ነጋድያን’ ናይ ምዃን መገዲ ንሕቝፍ ቢሎም፣ ሓደ ሰብ ክኽተሎ ዝኽእል መገድታት ማእለያ ዘይብሎም እኳ እንተኾኑ፡ ኩሎም ግን ናብ፡ ምሕረትን ሓቅን ዝመርሑ እያቶ "በዘን ክልተ መገድታት እዚኣተን ናብ ጎይታ ንኺድ - ከም ማርታ ብግብሪ ምሕረት ነገልግል፡ ወይ ከም ማርያም ኣብ እግሪ ኢየሱስ ኣዕሪፍና ንሓቂ ነስተንትን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዘይ ፍቕሪ ጻዕሪ ትርጉም ይጎድሎ
መሰኻኽርን ኣብነትን ፍቕሪ ብኣምላኽን ንብጻዩን ክኾናን፣ እዚ ፍቕሪ እዚ ድማ ኣብ ልቢ ብኸመይ ክንበር ከም ዘለዎ ክገልጻን ዓዲሞም፣ “ኣምላኽ ብሓቂ እንታይ ወይ ክንደይ ከም እትገብር ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ኣብ ትምኒትን ፍቕርን ንዕኡ ከም እተዓቢ እዩ ዝጥምት፤ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፎም ብግብሮም ከም ዝፍረዱ ሓቂ እቲ ሓቀይና ሚዛን ካብ ልቢ ዝምንጨው ፍቕሪ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ፍቕሪ ሓዊ እንተጎዲሉ ጻዕሪና ትርጉሙ ኣጥፊኡ “ንነፍሲ ጾር” ከም ዝኸውን ኣተሓሳሲቦም፣ “ፍቕሪ ኣብ ዘለዎ መከራ የለን” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ ናይ ፍጽምና መንገዲ ብትዕግስትን ብትብዓት መንፈስን ክንጓዓዝ፡ ኣብ መወዳእታ ንኽንበጽሕ ሓገዝ ኣዴና ሰናይ ምኽርን ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሮ ተልእኾ ኣፍቃሪ ቅዱስ ቶማስ ዘ ቪላኖቫን ኣማላድነትን ተማሕጺኖም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
