ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ንምእመናን ብሩንዲ፡ ተስፋ ዝሓሸት ዓለም ህያው ግበሩ! ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ንምእመናን ብሩንዲ፡ ተስፋ ዝሓሸት ዓለም ህያው ግበሩ! 

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ንምእመናን ብሩንዲ፡ ተስፋ ዝሓሸት ዓለም ህያው ግበሩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይቶም ኣብ 2003 ኣብ ብሩንዲ ዝተቐትሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኮርትኒ ዝኽሪ ንምዕቃብ ዝተወፈየ ማሕበር ሕውነት ልኡካን ዕለት 22 ጥቅምቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 22 ጥቅምቲ ነቶም ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ናብ ሮማ ዝነገዱ ኣብ 2003 ዓ.ም. ብሩንዲ ኣብ ማእከል ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ ቡጁምቡራ ኣብ ሓደ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ተሳቲፎም እናተመለሱ እንከለዎ ብደባይ ጉጅለ ዝተቐትሉ ናይ ቅድስድቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ማይክል ኣይዳን ኮርትኒ ዝኽሪ ንምዕቃብ እተወፈየ ብሩንዳዊ ማሕበር ሕውነት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፡ ነፍሰሄር ሊቀ ጳጳሳት ኮርትኒ ኣብ ብሩንዲ ድሕሪ 500 ዓመታት ብሰንኪ ዓመጽ ዝተቐትሉ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ልኡኽ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኢየሱስ ተስፋ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከል ኢዮቤል 2025 ተስፋ ንምቕማጥ ዝነበሮም ዕላማ ዘኪሮም “ተስፋና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ! ንሱ ጥራይ ድማ ተስፋ ቤተክርስትያንን ናይ መላእ ዓለምን እዩ!" ቢሎም፡ ነቶም ነጋድያን ተስፋ “ናይ እምነት ተግባር” ወትሩ ምስ ኢየሱስ ንምርኻብ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ደጊሞም ንዕኡ ኣብ ማእከል ሕይወትናን ሕይወት ዓለምን ከንብርዎ” ኣጉሊሖም፡ ኣብ መዛዘሚ ንግደቶም “ብተስፋ ተበራቲዖም፡ ብብርሃን ወንጌል ንውሁድ ምሉእ ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክትሰርሑ፡ ብዝበለጸ ተዳሊኹም ናብ መዓልታዊ መብጽዓታትኩም ክትምለሱ ኢኹም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅርበት ዘለዋ ስድራቤት

ንኽብሪ ሊቀ ጳጳሳት ኮርትኒ፣ ንዝተቓልዑ ሰባት ተወፊዮም “ንሰላም ሕይወቶም ሂቦም” ንዘሳልጥዎ ዕማም ኣመስጊኖም፡ “ንስኻትኩም ኣብ ዝኽሮም፡ ኣብ ብሩንዲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅርበት ዘለኩም ስድራቤት ኢኹም፡ ብስም ክርስቶስ ኣብ መንጎ ድኻታትን ንኣሽቱን ልኡካን ክትኮኑ እትምነዩ፡” ንኽብሪ ሊቀ ጳጳስ ኮርትኒ ማእከል ጥዕና ኣብ ምህናጽ ዝወሰድዎ ተበግሶ፣ ከምኡ’ውን “መዓልታዊ ናይ ግብረ ሰናይ ተግባራቶምን እንኮላይ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኮርትኒ ኣብ ዝተቐትለሉ ቦታ ናይ ዝኽሪ ሓወልቲ ምቛም ዝብልን ካልእ ተበግሶታቶም ኣጉሊሖም ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን እምነ መሰረት ናይቲ ማእከል ጥዕና ባሪኾም ከም ዘንበሩን፣ ንሓወልቲ ሊቀ ጳጳሳት ኮርትኒ ድማ ከም ዝባረኹን የዘኻኽር።

ተስፋ ህያው ግበሩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. “እታ ዝሓሸት ዓለም ንምርካብ ዘሎ ተስፋ ህያው ግበሩ፡ ምስ ክርስቶስ ሓቢርኩም ጻዕርኹም ፍረ ከም ዝህብን ዓስቡ ከም ዝረክብን ርግጸይና ኩኑ - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ብሩንዳውያን ነጋድያን ኣባላት ማሕበር ሕውነት ሊቀ ጳጳሳት ኮርትኒ ቡራኬኦም ሂቦም፡ ንመላእ ህዝቢ ብሩንዲ ንሓለዋ ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛርየም ከም ዝወከፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

23 Oct 2025, 16:14