ር. ሊ. ጳ. ንሓድሽ ተሰያሚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ዒራቕ፦ “ተስፋን ሰላምን ኣደልድል”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰንበት ዕለት 26 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ ምንበር ናብ ሃገረ ዒራቕ ንክኾኑ እተመዙ፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምምራሕ ቅብኣተ ጵጵሳና ፈጸሙሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ነቶም ሓዲስ ተቐባኢ ጳጳስ ነቲ ዝቅህም ዘሎ ተስፋ ክሕልውዎ ብምምሕጻን "ብሰላም ብሓባር ምንባር ከተባብዑን" ተማሕጸንዎም፣ ዲፕሎማሲ ቫቲካን "ካብ ወንጌል ተወሊዱ፣ ብጸሎት ዝምገብን ኢዩ" ብምባል ውን ኣዘኻኸርዎም። ሃገረ ዒራቕ "ስቓይን ዳግመ ልደት ናይ ምርካብ ባህጊ" ዝመልአት ሃገር እኳ እንተ ዀነት ዓመጻ ኼጥፍኦ ዘይክኣለ ብጥንታዊ እምነት ክርስትና ሃብታም ምዃና ውን ኣመልከቱ።
ሊቀ ጳጳሳት ዋቾቭስኪ ብወገኖም ዝመረጽዎ ጭርሖ ጵጵስናኦም ውን "ግሎሪያ ዲዮ ፓክስ ኦሚኒቡስ" ማለር (ስብሐት ለግዚኣብሔር ወሰላም ለኵሉ ለስብእ) ዝብል ኮይኑ፣ "ናይ ህይወት ውጥንን" ከምኡውን ክብሪ ኣምላኽ ብሰላም ከም ዝበርህ ዝገብር መገዲ ገይሮም ገለጽዎ። ትሕትና ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ፣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዝጽሊ ዝንበረ ተቐባሊ ቐረጽ፣ ንሓጢኣቱ ዚእመን ቀዳመይቲ ገርሀይና ጳጳስ ምዃኑ ውን ኣጕልሕ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ትሕትና ሓደ ጓሳ ነፍሳት ድማ ጕይትትና ዘይኰነስ ኣገልጋሊ ምዃን ከም ምዃኑ ብምፍላጥ እዩ ዚመጽእ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንናይ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ዋቾቭስኪ መበቆል ካብ ገጠራት ፖላንድ ከም ምዃኑ ምርኩስ ብምግባር፣ ነቲ ሓደ ጳጳስ ዘለዎ ግደ ምስ ስራሕ ሓረስታይ ኣመሳሰልዎ፦ ብትዕግስቲ ምዝራእ፣ ብኣኽብሮት ምምዕባል፣ ከምኡውን ብተስፋ ምጽባይ ኢዩ ክብሉ ውን ገለጹ። ሓደ ጳጳስ "ሓላዊ ደኣ እምበር ወናኒ ኣይኰነን። ብምውናን ዘይኮነ ናይ ጸሎት ሰብ ብምኳን ድማ ኢዩ ዝፍጸም” በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ እዞም ሓዲስ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ሰኔጋል ፖላንድ ቭየትናም ከምኡውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻኢ ርክባት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ዘሕለፍዎ ዓመታት ብምዝካር፣ ብመስተውዓሊ ምዃኖምን ተኣማንነቶምን ኣድነቕዎም። ሕጂ ድማ እዚ ዲፕሎማስያዊ ውህበት እዚ ኣብታ ዝቘሰለት ሃገር "ጕስነታዊ ኣቦነት" ከምኡውን "ምስክር ተስፋ" ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ተላበውዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ክበሃል እንከሎ፣ "ንረብሓታት እትጣበቕ ዘይኰነስ፣ ንሕብረት እተገልግል ቤተ-ክርስትያን" ከም ዜመልክት ኣጕልሑ።
ኣብቲ ኣብ ሃገረ ዒራቕ ዚርከብ ሞዛይክ ቤተክርስትያን፣ ማለት ከለዳውያን፡ ሰርጻውያን፡ ኣርመንያውያን፡ ግሪኻውያንን ከምኡውን ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ልምድታት፣ እዞም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ ምንበር ኣብ ግብረ ሰናይ ሓድነት ንምድንፋዕ ኪዓዪ ኣለዎ በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ነቲ ብቅዱስ ቶማስን ብደቀ መዛሙርቱ ኣዳይን ማሪን ኣቢሉ ዝተመስረተ ሃዋርያዊ መበቈል ቤተ-ክርስትያን ብምዝካር፣ እቲ ኣብ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት እተፈጸመ ጭካነ ዝመልኦ ዓመጻ እውን ከይተረፈ "ንእምነቶም ኣየጥፍኦን" በሉ። ወሲኾም ድማ እቶም ሰማእታት "ምእንታኹምን ስለ ሃገረ ዒራቕን ምእንቲ ሰላም ዓለምን ይጽልዩ ኣለዉ" በሉ።
ኣብ መወዳእታ ነቶም ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፣ "ኣብ ዒራቕ ህዝቢ በቲ እትዛረብካዮ ዘይኰነስ፣ በቲ እተፍቅሮም መገዲ እዮም ዝፈልጡኹም" ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ዋቾቭስኪ ኣብ ፒዝ ፖላንድ ብ1970 ተወልዱ፣ ብ1996 ከአ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ፣ ብ2004 ዓ.ም. ከአ ናብ ዲፕሎማሲያዊ ኣገልግሎት ሃገረ ቫቲካን ኣተዉ፣ ኣብ 2019 ድማ ምክትል ጸሓፊ ርክባት ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ተመዙ። ብፁዕነቶም ሓሙሽተ ቋንቋታት ይዛረብ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ሃገረ ዒራቕ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ዀይኖም ከገልግሉ ተልእኾኦም ይጅምሩ ኣለዉ።
