ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ቅዱስ ዮሓንስ ሄንሪ ኒውማን ጠበቓ ናይ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ዕለት 1 ሕዳር ኣብ በዓለ ኵሎም ቅዱሳን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ሊቕ ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ንዝኣወጅዎ ቅዱስ ጆን ሀንሪ ነውማን ብኢዶም ኣብ ዝጸሓፍዎ ሰነድ ናይ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ጠበቓ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጆን ሀንሪ ነውማን ናይ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ጠበቓ ተባሂሉ ክስየም ናይቲ መንበረ ጥበብ ጳጳሳዊ ልኡኽ ፕሮፌሰር ቪንቸንዞ ቡኖሞ ዘቕረቦ ሓሳብ ናይቲ መንበረ ጥበብ ላዕለዋይ ሓለቓ ካርዲናል ታግለ ንቕዱስ ኣቦና ድሕሪ ምቕራቦም ቅዱስነቶም ብኢዶም ብዝጸፍዎ ሰነድ ቅዱስ ነውማን ጠበቓ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
በዚ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ዕለት 21 ለካቲት 1801 ኣብ ለንደን ዝተወልደ ዕለት 11 ነሓሰ 1890 ኣብ ኤድግባስቶን ዝዓረፈን፣ ዕለት 19 መስከረም ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቢርሚንግሃም ብጽእና ዝኣወጅሉ፣ ዕለት 13 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ እንክብሉ ዝኣወጅዎን፡ ዕለት 1 ሕዳር ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ዝበልዎ፡ ንኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ስነ ትምህርቲ፡ ንኽሎም እቶም ኣብቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእኾ ኣገልግሎት ዝህነጹ ብርሃናዊ ኣብነት እምነትን ንሓቂ ካብ ልቢ ንምድላይን ክኸውን ከም ዝኽእል ብምምልካት ናይቲ መንበረ ጥበብ ጠበቓ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ሕዳር ኣብ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ንቅዱስ ጆን ሀንሪ ነውማን ሊቕ ቤተ ክርስቲያን እንክብሉ ኣብ ዝኣወጅሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ "ነቲ ዘደንቕ ባህላውን መንፈሳውን ቁመና ኒውማን፡ ኣብ ልቦም ደረት ዘይብሉ ጽምኢ ንዝስምዖምን ብምርምርን ፍልጠትን ኣቢሎም ከምቲ ጥንታውያን ዝበልዎ - ኣብ ችግር ኩሉ ናብ ከዋኽብቲ ዝመርሕ ጕዕዞ ክጅምሩ ፍቓደይናታት ዝዀኑ" ንመጻኢ ወለዶታት ዘነቓቕሕ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
