'ኣብ መንገድታት ሓድነትን ሰላምን:' ቀዳማይ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ከምቲ ኣብ 2005 ኣብ ኮሎን ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት በነዲክት መበል 16 ከምኡውን ከምቲ ኣብ 2013 ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝገበርዎን ናይ ፈለማ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን እቲ ዕለት 27 ታሕሳስ ዝጀመረ ፈለማ ናብ ኣንካራ ኢስጣንቡል ኢዝኒክ ደሓር ከኣ ናብ በይሩት ዝወስድ ጕዕዞ ዳርጋ ኣብተን ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ ር.ሊ.ጳጳስናኦም ዘድመጽወን ኽልተ ቐንዲ ኣርእስትታት ማለት ሓድነትን ሰላምን ዘመልክት ኢዩ።
ሓድነት ሕመረት ናይቲ እቲ ቀዳማይ ኣብ ቱርክ ዝገብርዎ ዑደት ኮይኑ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እምነት ብምእዋጅ ንታሪኽ ቤተ - ክርስትያን ዘይርሳዕ ምልክት ዝገበረ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ መበል 1700 ዓመት ንምዝካር እዩ።
ምሕባእ ትርጉም የብሉን: ንርክብ ኒቅያ ብመንጽር ቁስሊ ናይታ ዝተገማመዐት ቤተ ክርስቲያን ክንሓስበሉ ይግባእ፡ እዚ ቁስሊ ደም ምፍሳስ ዘየቋረጸን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓደስቲ ምፍንጫላት ዝረኣየሉን እዩ።
ህያው ዝኽሪ ሒዝካ ናብቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተጠርነፋሉ እዋን፡ ናብቲ ዕለት ፋሲካ ንምጥርናፍ እውን ዝተገብረ ጉባኤ ናይ ምምላስ፡ ምልክት ተስፋ እዩ።
ብዛዕባ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ዘሎ ሓድነት፡ ኤቍመናዊ ዘተ፡ ናብ ሱር ወንጌል፡ ናይ ኣበው ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ቀዳሞት ጉባኤታት ምምላስ፡ “ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ” ብዝብል ቃል ኢየሱስ ክንትንከፍ ገዛእ ርእስና እነኹልካ እንብለሉ መንገዲ እዩ።
ሓድነት ኣመንቲ ክርስቶስ፡ ንኣዋጅ ወንጌል ጥራሕ ዘይኮነ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዋጋ ኣለዎ። ኣብ ዓለም ንሰላም እውን ዋጋ ኣለዎ። እዚ ሰላም እዚ ክሳብ ሕጂ ብልክዕ ኣብታ ኢየሱስ ምድራዊ ህይወቱ ዝነብረላ መሬት ብፍላይ ኣብ ግዝኣታት እስራኤልን ፍልስጤምን ከምኡ’ውን ኣብታ ንዕጡቓት ሂዝቦላህ ንምውቃዕ ብሰራዊት እስራኤል ቦምባታት ዝተደብደበት ሊባኖስ ይጎድል ኣሎ።
ካልኣይ መድረኽ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ብዙሕ ህይወት ሰባት ብፍላይ ከኣ ንቘልዑ ዘጥፍአ ግጭታት ዝመልኦ ዞባ የብጽሖም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤ "ሰላም ምስ ኩልኻትኩም ይኹን" ብምባል እተዛረበን ቃላት ናይ መጀመርታ ንዓለም ዘስምዕወን ቃላት እያተን። ሕጂ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሰላም ናይ ዝተሓረሞ ህዝቢ ቁስሊ ክትንክፉ ይኸዱ። ነቲ ዘይተርፍ ኲናትን ጽልእን ዓመጽን ‘ኣይፋል’ ንምባል ኣጽዋር ዘይተዓጠቐ ምስክርነት ሒዞም ኣብኡ ምብጻሕ የካይዱ።
ነቶም ኣብታ ሃገርን ኣብ ጐረባብትን ዚነብሩን ሃገሮም ኪሓድጉ ዚፍተኑ ዘለዉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከጸናንዑ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ህላወኦም ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑን ምስክርነት ሕውነትን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ሓባራውነት ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ንኸዘኻኽርዎም ናብኦም ይገሹ እንክብል ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።
(Andrea Tornielli)
