ር. ሊ. ጳ.፦ ዝኽሪ ሙታን ንመጻኢ ተስፋ ይህብ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝሓለፈ ሰንበት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት መልኣከ እግዚብሔር እተረኽቡ ምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ትርጕም እተን ናይ መጀመርታ ዕለታት ወርሒ ሕዳር ኣስተንቲኖም፣ ኣብኣተን ድማ ቤተ-ክርስትያን ክብረ በዓል ኵሎም ቅዱሳንን፣ ዕለተ ዝኽሪ ኵሎም ሙታንን ከም እተኽብር ኣስተንቲኖም። ቅዱስነቶም ኣብዘን መዓልትታት እዚኣተን "ትንሳኤ ናይቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ካብ ምዉታት፣ ንመጻኢ ነፍሲ ወከፍና ዘብርህ እዩ" በሉ።
እንካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ዮሓንስ ብምጥቃስ ድማ፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስእ እምበር ገለ እኳ ኸየጥፍእ፣ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ" ብምባል እተዛረቦ ቓላት ዘከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዘን ቃላት እዚኣተን ብምስትንታን፣ "ኣትኵሮ ፍቓድ ኣምላኽ ንጹር እዩ" ማለት ከኣ "ሓደ እኳ ንዘለኣለም ከይጠፍእ፣ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ኺህልዎን፣ ፍሉይ ጽባቐኡ ኼንጸባርቕን ኣለዎ" ብምባል ኣጕልሑ።
ንፍልልያት ዘሕብር ሓድነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ዝነበረ ክብረ በዓል ኵሎም ቅዱሳን ብምዝካር ውን "ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ህይወት ኣምላኽ ናብቶም ኣብኡ ክካፈሉ ዝደልዩ ደቁ ዘስፍሕ፣ ፍልልያትና ዘሕብት ሓድነት ኢዩ" ክብሉ ውን ገለጽዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ "ተፈላጥነትን ቈላሕታን ሓጐስን" ከም ዘለዎ ኣመልከቱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዝጸሓፍዎ “ብተስፋ ኢና ዝደሓና” ዝብል ሓዋርያዊ ዓዋዲት መልእኽቶም ብምጥቃስ፣ እታ "ዘለኣለማዊ ህይወት" እትብል ቃል፣ ነዚ ናፍቖት እዚ ስም ከም እትህቦ ውን ገለጹ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "መወዳእታ ዘይብሉ ተኸታታሊ ግዜ ኣይኰነን፣ የግዳስ ቅድምን ድሕሪኡን ኣብ ዘይብሉ ማእለያ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ፣ ኣብ ውቅያኖስ ምጥሓል ማለት እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም "እዚ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ምልኣት ህይወትን ሓጐስን እዚ፣ ብምሉእ ሰብነትና እንጽበዮን ሃረር እንብሎን እዩ" በሉ።
ነቶም ቅድሜና ዝሓለፈኡ ምዝካር
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ናብቲ ኣብቲ ኣብታ ዕለት እቲኣ ኽበር ዘሎ ዝኽሪ ዅሎም ሙታን ብምጥቃስ ድማ "እቲ ሞት ንድምጺ ንገጽ ወይ ንምላእ ዓለም ዝወስድ ኣብ ዚመስለሉ ዘሎ፣ ነፍሲ ወከፍ እዋን ብውሽጥና ኣምላኽ ዋላ ሓደ ኸይጠፍእ ዘለዎ ተገዳስነት ንርድእ ኢና። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሉእ ዓለም እዩ" በሉ።
ብዛዕባ ኣገዳስነት እዚ ዝኽሪ እዚ "ኣዝዩ ኽቡርን ግን ከኣ ኣዝዩ ተነቃፊን" ኢዩ ክብሉ ጸውዕዎ። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ "ብዛዕባ ህይወቱን ሞቱን ትንሳኤኡን" እንተ ዘይዘከርናዮ "እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዚርከብ ማእለያ ዘይብሉ መዝገብ ኪርሳዕ ይኽእል እዩ" በሉ። ይኹን እምበር ኣስዕብ ኣቢሉ ቅዱስ ኣቦና "እቶም ሓደ እኳ ዘይዝክሮም ወይ ታሪኽ ዝደምሰሶም ዝመስሉ እኳ እንተ ዀኑ፣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ደረት ዘይብሉ ኽብሪ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ" በሉ።
እቲ ንቕድሚት ዝጥምት ተስፋ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ክርስትያን፣ ወትሩ ነቲ ዝሞተ ሰቦም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዝክርዎ ኣዘኻኺሮም "ነቶም ፍቑራቶም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ምዝካር ከይዝንግዑ ውን ተማሕጸንዎም።" በዚ ከምዚ ድማ "ሓደ እኳ ኸይጠፍእ ተስፋ ይህበና" በሉ።
ነቶም ምእመናን ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና እቲ፣ ናብ መቓብር ዚግበር ምብጻሕ ክቕጽሉን ነቲ "ንህውከትን ጉያን ህይወት ዜቋርጸ ስቕታ" ኪዝክሩን ብተስፋ ኺጽበዩን ድማ ተማሕጸንዎም። "ከምቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት እንብሎ ትንሳኤ ምዉታትንን እትመጽእ ናይ ዘልዓለም ህይወትም ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ ዘሎና።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ "እምበኣር ንመጻኢና ንዘክር፣ ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ወይ ብስምዒታዊ ንብዓት ናፍቖት ኣይኰንናን። ከምቲ ኣብ መቓብር ዘሎ ኣብ ውሽጢ ህሉው ግዜ እውን ኣይርሳዕን ኢዩ" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።
