ር. ሊ. ጳ.፦ ሥነ ኣከባቢያዊ ለውጢ የድሊ፣ ሰብ ሓላዊ ፍጥረት ደኣ እምበር መዕነዊ ኣይኰነን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕተና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ምክትታል!
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ክመይ ሓዲርኩም!
ኣብዛ ንተስፋ እተወፈየት ዓመተ ኢዮቤል ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ትንሳኤ ክርስቶስን ኣብ መንጎ ናይ ሎሚ ዓለምናን ዘሎ ብድሆታትን፡ ዘሎ ርክብን፣ ማለት ብዛዕባ እቲ ዘሎና ብድሆታትና ነስተንትን ኣለና። ሓድሓደ ግዜ እቲ ህያው ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ስለምንታይ ትበኽዩ? ንመን ትደልዪ ኣሎኺ?" እናበለ ይሓተና። እወ ንብድሆታት ንበይንና ክንዋጽኦ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንብዓት ከአ ነዒንትና ኼጽርየን እንከሎን ንጠመተና ነጻነት ክህቦ እንከሎን ናይ ህይወት ውህበት እዩ።
ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ካልኦት ወንጌላት ዘይንረኽቦ ዝርዝር ኩነታት ብምዝንታው ነኣቓልቦና ይስሕብ፣ ማርያም መግደላዊት ኣብ ጥቓ እቲ ጥርሑ ዝነበረ መቓብር ኮይና ክትበኪ ኸላ፣ ነቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ብኡንብኡ ኣየለለየቶን፣ የግዳስ ሰራሕተይና ኣታኽልቲ መሲልዋ ነበረ። ብሓቂ ድማ እዚ ወንጌል እዚ ኣቐዲሙ ኣብ ዕራርቦ ዓርቢ ጽቡቅ ጌሩ ብዛዕባ ሥርዓተ ቐብሪ ኢየሱስ ከዘንቱ እንከሎ "ኣብታ እተሰቕለላ ቦታ ስፍራ ኣታኽልቲ ነበረ፣ኣባኡ ከኣ ሓደ እኳ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ። እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፣ ድሮ ሰንበት ስለዝነበረ ኸአ ንኢየሱስ ኣባኡ ኣንበርዎ" ይብለና (ዮሓ 19 40-41)።
ኣብታ እተሰቕለላ ቦታ ስፍራ ኣታኽልቲ ነበረ፣ ኣባኡ ከኣ ሓደ እኳ ተቐቢሩሉ ዘፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ። 42 ድሮ ሰንበር ስለ ዝንበረ ኸአ፣ እቲ መቓብር እውን ኣብ ቀረባ ስለዝንበረ ንኢየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።
ስለዚ ኣብ ህዱእ ዕልተ ሰንበትን፣ ኣብ ጽባቐ ስፍራ ኣታኽልትን ከምኡ ውን እቲ ኣብ መንጎ ጸልማትን ብርሃንን ዝንበረ ዘስደምም ቓልሲ "ነቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ናቱ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ... "ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም" (ዮሓ 13፡1) ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ምምዕባልን ምዕቃብን እዩ እዪ ተልእኾኡ ዝንበረ (ዘፍ 2፡15)። እቲ ኣብ መስቀል እንከሎ ዝበሎ ናይ መወዳእታ ቓላቱ – "ተፈጸመ" (ዮሓ 19፡30) – ንነፍሲ ወከፍና ሓደ ዓይነት ዕማም ዕዮና እንደገና ክንፍጽም ኢዩ ዝዕድመና። በዚ ኸምዚ እምበር "ርእሱ ኣድኒኑ፡ ነፍሱ ውን ወጸት" (ዮሓ 19፡30)።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን! ማርያም መግደላዊት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ተራሕተይና ስፍራ ኣታኽልቲ ኸም ዝረኸበቶ ብምእማና፣ ምሉእ ብምሉእ ኣይተጋገየትን። እወ ብሓቂ ድማ፣ እንደገና ስማ ኽትሰምዕን፣ ኣብቲ ካልእ ክፍሊ ራኢይ ዮሓንስ ከም እንረኽቦ "እንሆ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ" (ራእ 21፡5) ዚብል ሓድሽ ሰብኣይ ዕዮኣ ክትርድእን ነበራ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ በታ ስቡህ ኣንተ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቢሎም ናይ ኣስተንትኖ ኣድላዪነት ኣርእዩና፣ ንሱ ሓላዊ ስፍራ ኣታኽልቲ እንተ ዘይከውን ነይሩ፣ ወድሰብ መዕነዊኡ ምኾነ ነይሩ። ስለዚ ክርስትያናዊ ተስፋ፣ ነቲ ሎሚ ንዅሎም ደቅሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ምላሽ ክህበሉ ዝኽእል፣ ኣብቲ እቲ እተሰቕለ ክርስቶስ ከም ዝርኢ እተቐብረላን ዳግም ክትንስእን ብዙሕ ፍረ ከፍርየላን ዝኸኣለ ስፍራ ኣታኽልቲ ብምንባር ኢዩ።
ገነት ኣይጠፍአትን እኳ ደአ ዳግም ተረኺባ እዩ። በዚ መገዲ እዚ ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ፣ መሰረት መንፈሳውነት ናይቲ ምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ ዕቃበ ኢዩ፣ ካብኡ ወጻኢ ምስ ዝኸውን ቃላት እምነት ኣብ ክውንነት ዘየሎ ይኸውን፣ ቃላት ስነ ፍልጠት ከኣ ካብ ልቢ ወጻኢ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። "ሥነ ኣከባቢያዊ ባህሊ ንህጹጽ ጸገማት ኣከባቢያዊ ብከላን ዕንወትን ከምኡውን ምዝመዛ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ተኸቲሉ ህጹጽን ከፊላውን ምላሽ ክህብ ኣይክእልን ኢዩ። ንነገራት ፍልይ ዝበለ ኣመለኻኽታ፡ ኣተሓሳስባ፡ መምርሒታት ትምህርታዊ ውጥናት፡ ኣነባብራን ከምኡ ውን መንፈሳውነትን ብሓባር ምጽራር ለውቲ ክገብር ኣለዎ" (ስቡህ ኣንተ 111)።
በዚ ምኽንያት እዚ ክርስትያን ምእመናን ካብቲ ኢየሱስ ዝሓቶ ምስርሕ ተሓድሶ ክፍለዩ ዘይክእሉ ብምዃኖም ኢና ብዛዕባ ሥነ ኣከባቢያዊ ለውጢ እንዛረብ ዘለና። ሓደ ምልክት ናይዚ ድማ፣ ማርያም [መግለደላዊት] ኣብታ ንግሆ ዕለተ ትንሳኤ፣ ንድሕሪት ክትምለስ ከላ ድሕሪ ምልዋጣ ኢዩ፣ ንሕናውን ድሕሪ ውልዋጥ ጥራይ ኢና በቲ ስንጭሮ ንብዓት ኣቢልና፣ ናብታ ሓዳስ የሩሳሌም ክንሓልፍ እንኽእል። እዚ ድማ ኣብ ልቢ ዝጅምርን መንፈሳውን ጥቕሲ፣ ንታሪኽ ይቕይሮ፣ ብግህዶ ከም እንሳትፍ እውን ይገብረና ከምኡውን ኣብዚ ግዜ እዚ ንሰባትን ንተፈጥሮን ካብ ድሌታት እቶም ተዃሉ ብስምን ሓይልን እቲ ገንሸልን ጓሳናን ዘዕቍብ ሓድነት የነቓቕሓልና።
በዚ ኸምዚ ደቂ ቤተ-ክርስትያን፣ ሕጂ ውን ኣውያት ድኻታትን ምድርን ሰሚዖም ልቦም ከም ዝትንከፉ ዝገበር፣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መንእሰያትን ካልኦት ሰብ ሰናይ ድሌት ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ክራኸቡ ይኽእሉ ኢዮም። ምስ ተፈጥሮ ቀጥታዊ ርክብ ብምምስራት፣ ካብ ብዙሕ ምክፍፋላት ሓሊፎም ዝመርሑ ሓድሽ ስኒት ዘድልዮም ብዙሓት ሰባት እውን ኣለዉ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን "ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘትዉ፣ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይነግር። መዓልቲ ነታ እትመጽእ መዓልቲ ተዘንትወላ፣ ለይቲ ድማ ነታ እትመጽእ ለይቲ ትነግራ፣ ቃላት ወይ ዘረባ የብሎምን፣ ድምጾም እውን ኣይስማዕን ኢዩ። ድምጾም ግን ናብ ኩላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳብ ኵላ ምድሪ በጽሐ።" (መዝ 18፡1-4)።
መንፈስ ቅዱስ ንድምጺ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ክንሰምዕ ሓይሊ ይህበና። በዚ ኸምዚ ነቲ ኣዒንቲ ዘይርእያኦ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይ ገነር ክንርኢ ኢና፣ እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ገዛእ ርእስና ተልእኾ ብምቕባልን ብምፍጻምን ጥራይ ኢና እንበጽሖ እንኽእል።
