ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ሃይማኖት ንውግእ መመኽነይታ ኣብ ዝኾነላ ዓለም ተስፋ ዘቕርቡ ኵኑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 30 ሕዳር ቀዳመይቲ ሰንበት ዘምጽኣት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ ንልደት “ምስ ኣቦ ህልው ንዝኾነ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጠረ” ክርስቶስ ዝተወፈየ እዋን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ኣዋጅ እዚ ቅድሚ 1700 ዓመት ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብኽብሪ ዝተዋህበ እዩ - እዚ ዝኽሪ እዚ ድማ ማእከል ናይቲ ኣብ ቱርኪ ናይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምዃኑ የስተብህሉ።
ቅድስና ካብ ተኣምራት ንላዕሊ ርቱዕ ምልክት እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ነቢይ ኢሳይያስ ዝተወስደ ቀዳማይ ምንባብ ኣማእኪሎም፡ ነቲ ንኹሎም ሰባት “ናብ ከረን እግዚኣብሄር ክድይቡ” ዝብል ዕድመ እንከስተንትኑ፡ ኣገዳስነት ናይቶም ኣብቲ ምንባብ ዝተነብሩ ምስልታት፥ እቲ ቀዳማይ ምስሊ እቲ “ካብ ኣኽራን ልዕል ቢሉ ዝቖመ” እምባ፡ እዚ ድማ ፍረ ተግባር ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ንዅሉ ሰብ ንከነካፍሎ ከም ዘሎና ንምዝኽኻር ዝዓለመ እዩ።
ከተማ ጽዮን ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ርእሲ እምባ ተቐሚጣ ንኹሉ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ምድሪ ንዝመጹ ሰባት ምልክት ብርሃን ትኸውን። እዚ ድማ “ሓጐስ ተላባዒ ምዃኑ ከም መዘኻኸሪ ኮይኑ የገልግል” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ቅዱሳን ከም ሓዋርያት ጴጥሮስን እንድርያስን ዮሃንስን ነዚ የረጋግጹ። ኣብነቶም "ሓይሊ ናይ እምነት ምስክርነትና ንምሕዳስ" ጻውዒት ከም ዘቕርብ ኣብሪሆም፡ ንቃላት ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ተጠቂሞም፡ “መሳጢ ቅድስና ካብ ዝኾነ ተኣምራት ንላዕሊ ምልክት ኣንደበተ ርቱእ” ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ብሓቂ ንኻልኦት ክንሕግዝ እንተደሊና “ከምቲ ወንጌል ዝምዕዶ እምነትና ብጸሎትን ብምስጢራትን ብምዅስኳስ ንገዛእ ርእስና ክንከታተል ኣሎና።” ግና፣ “ግብሪ ጸልማት” ዘይኮነስ ናይ ብርሃን ዕጥቂ ክንለብስ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ክንክተል ይግባእ እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሎሚ ከመይ ጌርና ኢና ንሰላም ኣበርክቶ ክንገብር እንኽእል?
እቲ ካልኣይ ምስሊ ካብ ብሉይ ኪዳን ዝተወስደ እዚ ድማ ሰላም ዝነግሰላ ዓለም ዝምልከት እዩ። ነቢይ ኢሳይያስ ነዚ ድማ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” እንክብል ንዝገለጾ ኩነት ዝውክል ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ እዚ ጻውዒት እዚ ሎሚ ክሳብ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ” ብምዝኽካር፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ዓለም ሰላምን ሓድነትን ዕርቅን ንምርግጋጽ ብኸመይ ኣበርክቶ ክገብሩ ከምዝኽእል ንነብሱ ክሓትት ቅዱስነቶም ዓዲሞም፡ ነዚ ጻውዒት እዚ ብዕምቆት ኣብ ገዛእ ርእስና ንምንባር ቅዱስ ኣቦና ኣብነት ናይዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ኣርማ ተጠቒሞም ድልድል ዘርኢ ምዃን ከም ዘድልን ብተወሳኺ ነቲ ንኣህጉራት እስያን ኤውሮጳን ንመጻብቦ ቦስፖረስ ሰጊሩ ዘራኽብ ዓቢ ድልድል ንኽንሓስብ ይገብረና። ክልተ ተወሳኺ መሳገሪታት ተሃኒጾም እዮም፥ መራኸቢ መስመራትን ሰብኣዊ ርክብን . . . እዞም ሰለስተ ድልድላት ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ናይ ገዛእ ርእስና መሓውር ምትእስሳር ክንሃንጽ መዘኻኸሪ ከም ዝኾኑ ገሊጾም: “ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ፡ ምስ ኣባላት ካልኦት ክርስትያን ሃይማኖታት ኣብ እንገብሮ ኤቍመናዊ ዝምድናታት፡ ከምኡውን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ዝምደቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እንገብሮ ርክብ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ሓድነት ማእስር
እቲ ቀዳማይ ማእሰር ሓድነት ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት እዩ፣ ኣብ ቱርኪ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብኣርባዕተ ሊጡርጊያዊ ትውፊታት ዝቖመት እያ፣ እዚ ድማ ናይ ላቲን፣ ኣርመንን፣ ከለዳውን ሶርያውን ስርዓታት ዝምልከት እዩ . . . “ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ መንፈሳውን ታሪኻውን ቤተ ክርስቲያናውን ሃብቲ የበርክት” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ነቲ ፍልልያት ምስ እነድነቕ፡ ኣብ ሓደ ዝጥርንፍ ካቶሊክነት ንፈጥር። ይኹን እምበር፡ እዞም እንሃንጾም ድልድላት፡ ማለት ከምቲ ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ቦስፖረስ ዘሎ፡ ግዜን ብድሆታትን ንምጽዋር ክንክንን ኣቓልቦን ጽገናን የድልዮም እዩ።
እቲ ካልኣይ ናይ ሓድነት ማእሰር ኤቍመናዊ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብዚ ቅዳሴ ብህላወ ወከልቲ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ርኡይ እዩ . . . እቲ ኣብ መድሓኒና ኢየሱስ ዘሎና እምነት ነቶም ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለና ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሎም ኣባላት ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዝኾኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን የጠቓልል” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እቲ ዕለት 28 ሕዳር ኣብ ኢዝኒክ ዝተኻየደ ኤቍመናዊ ጸሎት ናይዚ ቀንዲ ኣብነት እዩ ነይሩ፣ “ንእተወሰነ እዋን ብሓባር እተጓዓዝናሉ” መንገዲ ድማ እዩ።
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ማእሰር ሓድነት ምስ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ዘይኮኑ ሰባት ዝምልከት እዩ። ኣብዛ “ሃይማኖት ብዙሕ ግዜ ንውግኣትን ግፍዕታትን ንምምኽናይ ዝጥቀመሉ” ዓለም፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ዘየፍቅር ንኣምላኽ ከም ዘይፈልጦ” ብምርግጋጽ የዘኻኽር። ስለዚ ኩሉ ሰብ . . . ሓቢርና ክንመላለስን ነቲ ዘራኽበና ነገራት ከድንቕን ር.ሊ.ጳ. ተማሕጺኖም፡ ምእንቲ ልኡኻት ተስፋን ገበርቲ ሰላም ክንከውን ነቲ መናድቕ “ጽልእን ዘይምትእምማንን፣ ሓድሕዳዊ ምፍላጥን ምክብባርን ብምድንፋዕ” ክነፈርሶ ኣሎና ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ናብ መንግስተ ሰማይ ንጓዓዝ ከምዘለና ብምዝኽኻር ዘመነ ምጽኣት ብምጥቃም “ነዞም ክብርታት ውሳኔታትና ንግበሮም” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
