ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም ሃነጽቲ ሕውነት ንኹን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም ሃነጽቲ ሕውነት ንኹን 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ኣብዛ ብኲናት ዝተሃስየት ዓለም ሃነጽቲ ሕውነት ንኹን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት ሓደ ሕዳር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፡ ነቲ ሰብኣዊ ስድራቤት ብጎይታ ዝተመደበሉ ዕጫ “ዓቢ ጽምብል” ዘኪሮም እዚ ዕጫ እዚ ድማ ካብቲ ብሰንኪ ህሉው በደላት ዝጻወሮ መዓት ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ ኣብሪሆም ኣስዒቦም ቤተ ክርስቲያን ንቕዱስ ጆን ሄንር ኒውማን ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ቢላ ኣብ ዝኣወጀትሉ መስዋዕተ ቅድሴ ንዝተሳተፉ ንልኡኽ ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ሕዳር ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፣ ምስጢር ሕብረት ቅዱሳን ከመይ ጌሩ "ሎሚ ኣዕሚቕና እነስተንፍሶ" ህያው ዝኽሪ ምዃኑን ነቲ ወዲ ሰብ ዝተመደበሉ ዓቢ ጽምብል ኣብ ኣእምሮና ዘምጽእን ዓቢይ በዓል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ይኹን እምበር፡ ክንጽበዮ እንኮለና፡ እዚ ተስፋ እዚ በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ግርጭታትን በደልን ይወሓጥ፡ መዓልቲ ኩሎም ቅዱሳን ብዝምልከት ኣብ መንጎ እቲ ናይ መጻኢ ባህ ዘብል ክውንነትን ናይ ሕጂ ህጹጽ ጉዳያትን ብምምሳል፡ እዚ ብድብሆታት እዚ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ሃነጽቲ ሕውነት ብምዃን ክገጥሞ ይጽዋዕ። በዓለ ኩሎም ቅዱሳን ኣዒንትና ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ "ናይ መጻኢ ክውንነት" ከነተኩር ይገብር፣ እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ እንካፈሎ ሓጐስ ኣብ ኵሉ ነገር እዩ ዘሎ፣ "ነቲ እተፈላለየ ገጽ ዘለዎ ጽባቐን እተፈላለዩን ኵላቶም ንገጽ ክርስቶስ ዝመስሉን ኣፍልጦ ብምሃብ ነድንቖን” ቢሎም፡ ቅዱሰንቶም ነቲ ህልው ዘሕዝን ፍጻመታት ዓለም ክፍወስ ንኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ኵሎም ቅዱሳንን ከም ዘወከፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ንልኡኽ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ

ቅዱስነቶ ነቲ ብሊቀ ጳጳሳት ዮርክ ስቲቨን ኮትረል ዝምራሕ ልኡኽ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝ ሰላምታ ኣቕሪቦም። ኣብዚ ምራኻቦም ነቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ጥራይ ምስ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዝተኻየደ “ታሪኻዊ ጉባኤ ጸሎት” ምስታፎም ዘሕደረሎም ሓጎስ፡ ዳግማይ ከምዘበራበሮ ገሊጾም፡ እቲ ሓድሽ ሊቕ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ዝተኣወጀ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን “ንክርስትያን ናብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ከሰንዮም” ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ዝግበር ማራቶን

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ በቢ ዓመቱ ኣብ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ዝግበር ናይ ማራቶን ውድድር ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ዝካየድ ማራቶን "ምስቶም ኣዝዮም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ህጻናት" ዘራኽብ ምዃኑ እውን ብምዝኽካር ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ሕጂ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ሕታም ዝበጸሐ ብናይ ዶን ቦስኮ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ውድድር፡ ሎሚ ዓመት ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን በቢ ዓመቱ ዝካየድ ናይ ማራቶን ውድድር ኣብ ሮማ ንዝርከባ ኣርባዕተ ጳጳሳውያን ባዚሊካታት ዘራኽኽብ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

03 Nov 2025, 16:46