ር. ሊ. ጳ. ልዮን ንዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ብምምልካት ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣዊጆም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቁድስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ቀቅድሚ እቲ ናብ ሃገረ ቱርኪ ዝገበርዎ ሃዋርያዊ ጕዕዞን፣ ትማሊ ሰንበት ዕለት 23 ሕዳር ንዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቕያ ኣመልኪቶም “ህቡራን በእምነት” ('In unitate fidei') ዘርእስቱ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ "መላእ ቤተ-ክርስትያን ንምስክርነት እምነት ዘለዋ ውዕዉዕ ስምዒት ከተሐድሶ" ተስፋ እተለዓዕል ኮይና፣ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ነጥብታት ዝተኮረት መልእኽቲ ኢያ።
ኣብ 2025 ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን መበል 1,700 ዓመት ናይቲ ብሮማዊ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ቀዳማይ፣ ኣብ ከተማ ኒቅያ እተጸውዓ ኢቁመናዊ ጉባኤ ትዝክር ኣላ።
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ እቲ ናብ ሃገረ ቱርኪ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ፋልማይ ኢቁመናዊ ጉባኤ ንምምልካት ናብ ኣንካራ ኢስታንቡል ከምኡውን ኢዝኒክ ብምኻድ ሓዋርያዊ ዑደት ከካየዱ ኢዮም።
እዚ ኢቁመናዊ ጉባኤ ንስነ-መለኮታዊ ግጭታት ንምፍታሕ ከምኡውን ሓድነት ዘለዎ ሰረተ-እምነት ክርስትና ንምቛም ዝዓለመ እዩ ዝበረ፣ ውጽኢቱ ድማ ኣምላኽነት ክርስቶስ ብምርግጋጽን ናይ ኒቅያ ሰረት-እምነት ምቕራጽን ዜጠቓልል ነበረ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ሓድሽ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብቐዳምነት ናብ ሓድነት ዝጽውዕ መልእኽቲ ኮይኑ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ "ኣብቲ ኻብ መጀመርታ ቤተ-ክርስትያን ኣትሒዙ እተኣወጀ ሓድነት እምነት ክርስትና፣ ነቲ እተቐበልዎ ውህበት ብፍቕርን ብሓጐስን እናሓለዉን ብምትሕልላፍን ብስኒትን ኪመላለሱ ተጸዊዖም እዮም" ቢሎም ድሕሪ ምግላጽ፣ "ብሓደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ በቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ እኣምን. . . ንሱ ምእንቲ ድሕነትና ኻብ ሰማይ ወሪዱ" ክብሉ ውን መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ሓቂ እዚ፣ ቅድሚ 1700 ዓመት በቲ ኣብ ታሪኽ ክርስትና ናይ መጀመርታ ኢቁመናዊ ኣኼባ ዝዀነ ጉባኤ ኒቅያ ብኸመይ ብውጽኢታዊ መገዲ ኸም እተኻየደ ዘኪሮም።
'መሎተ ሃይማኖት ተስፋ ይህብ'
ቅዱስነቶም ቀቅድሚ እቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ፣ ኣቓልቦ ቤተ-ክርስትያን ናብ ምስክርነት እምነት ኪስሕቡ ከም ዝደልዩ የጕልሑ።
"እዚ ነባሪ እምነት እዚ ንዘመናት ሓባራዊ ውርሻ ክርስትና ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ፣ ብሓድሽን ኣገዳስን መገድታት ክንኣምኖን ክርድኦን ድማ ይግባእ" እውን በሉ።
ኣብዚ ንርእሰ ነገር ክርስቶስ እቲ ተስፋና ዝኾነት እተወፈየ ቅዱስ ዓመት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኽሪ ኢዮቤል መበል 1700 ዓመት ናይቲ ፋልማይ ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ንምጽንባል ዝገብረዎ ሓዋርያዊ ዑደት "ናይ ሓልዮት ኣምላኽ ኣጋጣሚ" ኢዩ ክብሉ ገለጽዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ እቲ ብ325 ዓ.ም. እተካየደ ጉባኤ፣ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ከም ዝኣወጀ ኣዋጅ መጠን "ማእከል እምነት ክርስትና እዩ" በሉ። "ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ኣብ እነዕርጐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ሓድነት ዜምጽእ ናይ ኒቅያን ቆስጣንጢኖፖሊስን እምነት ንደግም ኢና" ክብሉ ውን የዘኻኽሩ።
ብተወሳኺውን "ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ኣብ መንጎ ብዙሕ ሻቕሎትን ፍርህን፣ ስግኣትን ውግእንን፣ ዓመጻን ባህርያዊ ሓደጋታት፣ ከቢድ ዘይፍትሓውነትን ዘይሚዛናውነትን፣ ከምኡውን ንብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜጋጥሞም ዘሎ ጥሜትን ጸበባን ኢና እንነብሮ ዘለና" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ "እዚ እምነት እዚ ተስፋ ይህበና እዩ" ክብሉ ይምስክሩ።
እቲ ሓደ ዝገብረና ካብቲ ዚኸፋፍለና ይበልጽ እዩ!
ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ኒቅያ ብሉጽ ኢቁመናዊ ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ፣ ሎሚ ውን እተኾነ ኣገዳስነቱ ጐሉሑ ርትኣ ኣሎ። ኣብ መንጎ ዅሎም ክርስትያን ማሕበራት ሓድነት ምርካብ፣ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ሸቶታት ናይቲ ናይ መወዳእታ ጉባኤ ማለት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዩ ዝንበረ። ልክዕ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ይገብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ኣብታ “ከመ ይኩኑ ኣሓደ” (Ut Unum Sint) (25 ግንቦት 1995) ዓዋዲት መልእኽቶም ነዚ ናይ ጉባኤ መልእኽቲ ብዝያዳ ኣጉሉሖሞ ኢዮም።
ኣምላኽ ይመስገን ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት፣ እዚ ኢቁመናዊ ምንቅስቓስ ብዙሕ ዓሚሙ እዩ።
"ምስ ኦርቶዶክሳውያንን ጸብሓውያን ኦርቶዶክሳውያን ቤተ-ክርስትያናትን ምስተን ካብ ዘመነ ተሓድሶ እተወልዳ ማሕበራት ክርስትናንን ውን ምሉእ ብምሉእ ዝርአ ሓድነት ገና ኣይተረኽበን ዘሎ" ክብሉ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስዒቦም፣ "ይኹን እምበር ኣብ ሓደ ጥምቀትን፣ ኣብ ናይ ኒቅያ-ቆስጣንጢኖፖሊስ እምነት እተመስረተ ኢቁመናዊ ዝርርብ ንኣባላት ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ክርስቲያን ማሕበራትን ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣፍልጦ ንኽንህብን፣ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሓደ ኣድማሳዊ ማሕበረሰብ ክርስቶስ ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መጠን፣ ከም ብሓድሽ ንኽንራኸብ ሓጊዙና እዩ" በሉ።
ክርስትያን ምእመናን "ኣብቲ ሓደ ኣምላኽ፣ ኣቦ ዅሎም ደቂ ሰባት ሓደ እምነት ከም ዘለዎም ውን ይዝክሩ። ነቲ ሓደ ጐይታን ኣማናዊ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ነቲ መንፈስ ቅዱስን ብሓባር ንኣምን ኢና፣ ንሱ ድማ ማለት መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ናብ ምሉእ ሓድነትን ሓባራዊ ምስክርነት ወንጌልን ይድርኸና ኣሎና" ክብሉ ውን ኣጕልሑ።
ቅዱስነቶም ልዮን ወሲኾም፣ "ኣብዛ ብብዙሕ ግጭታት እተኸፋፈለትን እተበታተነትን ዓለም ሓደ ኣድማሳዊ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ምልክት ሰላምን መሳርሒ ዕርቅን ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ ቘራጽነት ንሰላም ወሳኒ ግደ ኺጻወት ይኽእል እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብተወሳኺ፣ ነቶም ቕድሚኦም ዝንበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምዝካር፣ "ብፍላይ ምስክርነት ናይቶም ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስትያንን ክርስቲያናዊ ማሕበራትን ዝተረኽቡ ብዙሓት ክርስትያን ሰማእታት ዘክሩ" ብምባል "ዝኽሮም ሓድነት ከም ዝህበናን ኣብ ዓለም መሰኻኽርን ገበርቲ ሰላምን ንኽንከውን ከም ዝድርኸናን" ደጊሞም ገሊጾም።
ጸሎተ ሃየማኖት ዘኒቅያ ኣብ ጕዕዞና መወከሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ብተኣማንነት ምፍጻም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑን እዚ ድማ "ኣብ መንጎ ዅሎም ክርስትያን ምእመናን ኣብ ሓድነትን ዕርቅን ንምብጻሕ ብሓባር ምምልላስ" ከም ዘድሊ ኣጕሊሖም።
"ናይ ጉባኤ ኒቅያ መግለጺ እምነት ነዚ ጕዕዞ እዚ መሰረትን መወከሲን ክኸውን ይኽእል ኢዩ" ብምባል እዚ ድማ "ሕጋዊ ፍሉይነት እኳ እንተ ሃለወና ናይ ሓቀይና ሓድነት ኣርኣያ ዝህበና ኢዩ" በሉ።
"ስለዚ ንዅላትና ብሓንቲ እምነትን፡ ብሓንቲ ፍቕርን ምእንቲ ክኣኻኽበና ሓባራዊ ምርዳእ ንምምዕባል ዝያዳ ድማ ናብ መንፈስ ቅዱስ ብሓባራዊ ጸሎት ምእንቲ ክንልምን፣ ነቲ ምኽንያት ህላወኡ ዝጠፍአ ስነ-መለኮታዊ ክርክር ክንሓድጎ ኣሎና" በሉ።
ይኹን እምበር "እዚ ማለት ናብቲ ቅድሚ ምክፍፋል ዝነብረ ኩነት ንምምላስ ዝጽዕር ሕብረት ዘመልክት ኣይኮነን፣ ወይ ከኣ ነቲ ህሉው ኵነታት ናይተን በበይነን ዝዓይነተን ኣብያተ ክርስትያናትንን ክርስቲያናዊ ማሕበራትን ሓባራዊ ኣፍልጦ ምሃብ ውን ኣይኰነን" ብምባል ኣስዒቦም "ኣብ ክንዳኡስ ንመጻኢ ዝጥምት ሕብረት ክርስትና ኢዩ፣ ህያባትናን መንፈሳዊ ውርሻናን ክንካፈል እንከሎና ብዝርርብ ዕርቂ ዝደሊ ሕብረት ማለት ኢዩ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጎ ክርስትያን ብሓድነት ምምላስ "ድኻ ኣይገብረናን እዩ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ዘሀብትመናኢዩ" በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 "መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኼሰንየናን ክመርሓናን ጸለዩ”።
