ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ 'ንሓቂ ክስዕብ' ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ካብ 1980 ካብ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣትሒዙ “ናይ ር.ሊ.ጳ. መንበረ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሮማ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ፡ ሎሚ መበል 253 ናይ ትምህርቲ ዓመት የመረቕ።
ዕለት 14 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብናይቲ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዓቢይ ሓለቓ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ባልዳሳሬ ሬይና ናይቲ መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ሊቀ ጳጳሳት ኣልፎንሶ ኣማራንቴ ኣባላት ኣተሓባባሪ ቤት ምኽሪ መምሃራን ተመሃሮን በርግገሳውያንን ሃይማኖታውያን ሰበ ስልጣንን ስራሕተይናታትን ኣብቲ መንበረ ጥበብ ምስ በጽሑ ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ዓቢይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተረኺቦም ብዘስምዕዎ መደረ፡ ናይቲ መንበረ ጥበብ ናይ 2025 – 2026 ዓ.ም. ዓምት ትምህርቲ ከም ዝመረቑ ኣፍሊጡ።
ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ሱር ዝሰደደ ተልእኾ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዓቢይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ቦታ ኣለዎ፡ ንሱ ድማ ዓብዪ ሕልሚ ክትሓልሙ ንጽባሕ ክርስትና ዝኸውን ቦታ ክትቐርጹን፡ ኵሉ ሰብ ንክርስቶስ ምእንቲ ክረኽቦን ነቲ ዝምነይዎ ምልኣት ኣብኡ ምእንቲ ኽረኽቡን ብሓጐስ ክትዓዩ የተባብዓኩም . . . ከምቶም ኣብ ሮማ ዘለዉ ካልኦት ውሩያት ትምህርታዊ ትካላት ዘይኰነስ እዚ መንበረ ጥበብ እዚ ናይ ምዕቃብ ወይ ምስጓም ባህሪ የብሉን። እቲ ፍልይ ዘብሎ እቲ ናይ ተልእኾኡ ኣሰር ዝኾነ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ትምህርቲ እዩ፡ ባህርይን ተልእኾን ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ "ትምህርቲ ኵላዊት ቤተ-ክርስትያን ዚምዕብልሉን ተቕባል ዝረኽበሉን ዝትንተነሉን ምስኡ ዝሰማማዕ ዓውደ - ጽሑፋት ዝቐርበሉ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ማእከል እዩ። በዚ መንጽር እዚ ሮማዊ ኩርያ - ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያውያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴርጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ከይተረፈ ኣብ መዓልታዊ ስርሑ ክውከሰሉ ዝኽእል ትካል እዩ - እዚ ተልእኾ እዚ ኣብ መላእ ኣውሮጳን እስያን ኣመሪካን ኣብ ዝርከባ 28 ምስኡ ዝተሓሓዝ ትካላት ከም ዘለዋ ኣጒሊሖም፣ እዚ ድማ "ሃብታም ባህልታትን ተመክሮታትን ዝገልጽ ሰፊሕን እተፈላለየን ክውንነት ከምኡውን ሓድነትን ተኣማንነትን ንትምህርቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ምድላይ" ዝብል ምዃኑ የስተብህሉ።
እምነት፡ ድልያ ሓቂ ከምኡ’ውን ዘተ
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ “ኣብ ውሽጢ ናይ ሎሚ ባህላዊ ስእልን ናይ ሎሚ ብድሆታትን ንምግላጽን፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ባህላዊ ባዶነት ንምምካትን”፡ ሎሚ ብዛዕባ እምነት ምሕሳብ ህጹጽ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብፍላይ ስነ መጽናዕትታት ቲዮሎጊያ ንጽባቐን ተኣማንነትን እምነት ኣብ እዋናዊ ኵነታት ከጉልሕን፡ ንውልቀሰባትን ሕብረተሰባትን ክቕይር ዝኽእል “ብዕምቆት ሰብኣዊ” ጌሩ ከቕርቦ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍልስፍና፡ ሕጊ፡ ስነ ፍልጠት ሰላምን ስነ - ህይወትን
“መጽናዕቲ ፍልስፍና ብጸጋታት ሰብኣዊ መርትዖታት ንሓቂ ንምድላይ ዝቐንዐ ክኸውን ኣለዎ - ምስ ባህልታትን ብፍላይ ድማ ምስ ክርስትያናዊ ራእይ ንምዝታይ ክፉት ክኸውን ኣለዎ” ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ንዘመናት ኣብቲ መንበረ ጥበብ ጐሊሖም ዝጸንሑ ክፍሊ መጽናዕትታት ስነ ሕገ ቀኖናን ፍትሓ ብሄር (በርገሳዊ ሕግ)ን፡ ኣብ መንጎ በርገሳዊ ስርዓታት ሕግን ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዘሎ ርክብ ክምርምሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ዝያዳ ዝተዋደደ ትካላዊ መልክዕ ክሕዙ እዮም ዝበሃሉ ኣብ መጽናዕቲ ስነ ፍልጠት ሰላምን ስነ-ህይወትን ምህዳርን ዝምልከት መደባት ዝተበገሰ ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ጠቒሶም፡ “ሰላም ብርግጽ ህያብ እግዚኣብሔር እዩ፡ እንተኾነ ግን መዓልታዊ ክሃንጽዎ ዝኽእሉ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ከምኡ’ውን ናብ ዘይነጻጸል ውሁድ ኩለተናዊ ስነ ምህዳር ዝመርሕ ሃገራውን ኣህጉራውን መስርሓት ክድግፉ’ውን ይሓትት - ቢሎም - እቲ መንበረ ጥበብ “ምስጢር እምነት ክርስትና ብውዕዉዕ ስምዒት ክቕጽልን ኩሉ ግዜ ምስ ዓለምን ሕብረተሰብን ናይ ሎሚ ሕቶታትን ብድሆታትን ዘተ ከተግብር” ኣተባቢዖም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘይተነጸረ ቦታ
130 መምህራን፡ 34 ሓለፍትን ምምሕዳራዊ ሰራሕተይናታትን፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ ሽሕ ተማሃሮ ዝሓቖፈ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ፡ ከምቲ ካርዲናል ረይና ኣብ መእተዊ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ ዘስመረሉ፡ ንርክብ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ክፍሊ መጽናዕትታትን ስግረ - ዓውደ መጽናዕትታትን ዓሚቝ ተወፋይነት ዘለዎ እዩ፡ ዋላ እኳ ብሰንኪ ምንቁልቋል ስነ ህዝብን ቅልውላው ጸዋዕታን እንተተተንከፈ፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ እቲ ዝመጽእ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ኣብ ምርምርን ኣስተምህሮን ሓድሽ መንገድታት ንምድህሳስ ይጽዕር ከምዘሎ ካርዲናል ረይና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብሪሆም “ኣብ ምርምርን ምምሃርን ከምኡ’ውን ኣብ ንድፊ ናይ ሓደስቲ ስነ መጽናዕቲ ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ንምትንታንን ንምስፋሕን ዘቕርቦ ብድሆታት ምላሽ ኣብ ምሃብን ገና ዘይተነጸረ ዓውድታት እውን ኣብ ምድህሳስ ንጽዕር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
