ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ክሮኤሽያ ዞራን ሚላኖቪች ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዓርቢ ዕለት 31 ጥቅምቲ ንግሆ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ክሮኤሽያ ዞራን ሚላኖቪች ኣብ ሃዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ድሕሪ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝተኻየደ ርክብ ርእሰ ብሔር ሚላኖቪች ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ንጉዳያት ብዝሓ ጎናውነት የኔታ ዳኒኤል ፓቾ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር
ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ፡ እቲ ኣብ መግኖ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ክሮኤሺያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ከም እተሰመረሉን፡ ብፍላይ ከኣ ንዞባ ምዕራባዊ ባልካን ከምኡውን ንዞባዊ ምትሕብባር ኣትኵሮ ብምግባር ኣህጉራውን ዞባውን ኣርእስትታት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ቫቲካን እተኻየደ ርክብ ርእሰ ብሔር ሚላኖቪች ናብ ጳጳሳዊ ክሮኤሽያዊ ተቕዋን ቅዱስ ጀሮም ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብኡ ድማ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተፈላለያ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ምስ ዝመሃሩ ክሮኤሽያውያን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ካህናትን ከም እተራኸቡ ኣፍሊጡ።
