ር. ሊ. ጳ. ፦ ካርዲናል ኒውማን ናይ ቤተክርስትያን ሊቅ - ብርሃን ንሓደስቲ ወለዶታት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰንበት ዕለት 2 ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ታሪኻዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፣ እዚ ድማ ኣብ መዛዘሚ ንግደት ኢዮቤል ተስፋ ናይ ሥነ ትምህርታዊ ዓለም ኢዩ ዝነበረ። ኣብዚ ዓሚቝ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ህሞት፣ ቅዱስነቶም ንቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን መበል 38 ሊቅ ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ ኣወጁ፣ ውርሻኡ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ መምህራንን ተመሃሮን ምእመናንን መምርሕን ብርሃንን ብምዃኑ ምስጋናኦም ገለጹ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ እቲ ብሊቀ-ጳጳሳት ዮርክ ስቲቨን ኮትሬል ዝምራሕ ወግዓዊ ልኡኽ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ኣባኡ ብምርካቦም ድማ ኢቑመናዊ ሕውነትን፡ ንተልእኾ ትምህርትን፡ ሓባራዊ ቈራጽነትን ዘመልክት ኢዩ ዝነበረ።
ሰብኣዊ ማእከልነት ኣብ ሥነ ትምህርቲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ካርዲናል ኒውማን ከም ክኢላ ትምህርታዊ ክልሰ-ሓሳብን ልምድን መጠን ዝወፈዮ ዓሚቝ ኣበርክቶ ኣጕልሑ። ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ካርዲናል ኒውማን ዘዳለዎ “ኣስተንትኖን መንፈሳውነትን” (Meditations and Dinvotions) ዘርእስቱ መጽሓፉ ተመርኲሶም፣ ብዛዕባ "ምስጢር ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲሰብን" ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና እተፈላለየ ምስክርነታትን ኣስተንተኑ። ሥነ ትምህርቲ ወትሩ ሓቀይና ዝኾኑ ሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ብቝጠባዊ ወይ ማሕበራዊ ግፍዒ ንእተገለሉ ሰባት፣ ማእከላይ ዝኾነ ቦታ ንምሃም ከም ዘገልግል እውን ኣመልከቱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን መፈሳውያን በጽሕትን "ከም ከዋኽብቲ ምሉእ ክብሮም ዘንጸባርቑ" ውልቀ-ሰባት ክሓንጹ ተማሕጸንዎም።
ኒውማን ከም ተበቓን ኣብነትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ካብ ሕጂ ንደሓር ጠበቓ ሥነ ትምህርታዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ፣ ኣብ ጐድኒ ቅዱስ ቶማስ ኣኳይናስ ከገልግል ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ቁመና ቅዱስ ኒውማን፣ ነቶም "ልቦም ደረት ብዘይብሉ ጽምኢ ዝጸምኡ" ከምኡውን እቶም ጥንታውያን ተጕዓዝቲ ኣቦታት ዝበልዎ፣ “ብገድሊ ናብ ከዋኽብቲ” ብዝብል ኣምር፣ ንሓደስቲ ወለዶታት ከም ዘነቓቕሖም ኣረጋገጹ። ህይወቱን ጽሑፋቱን ነቶም፣ ሓቂ ንምስዓብን ንኻልኦት ንምግልጋልን እተወፈዩ ሰባት መገዶም ዘብርሃሎ ውን እዩ ።
ሥነ ትምህርቲ፦ ንግደት ተስፋን ሓቅን ኢዩ
ቅዱስ ጳውሎስ "ኣብ ዓለም ከም ከዋኽብቲ ድመቑ" ብምባል ዝሃቦ ምሕጽንታ ብምስትንታን ድማ ቅዱስነቶም፣ ንመምህራን ሓቂ ብንጽህናን፡ ልግስን ትንቢታዊ ፍቕርን ብምክፋል፡ ንሓባራዊ ረብሓ ገዛእ ርእሶም ኪውፍዩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ኣብያተ-ትምህርትን መናብርተ ጥበባትብ ተስፋ ዚምዕብበሉን ዝዛተዩሎን ነንሓድሕዶም ዝተረባብዑሉን "ቤተ ምርምር ትንቢታት ኢዩ" ክብሉ ገሊጽዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ሥነ ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ዙርያ ዓመተ ኢዮቤል ከም ናይ ተስፋ ጕዕዞ መጠን ፍትሓውን ሰላማውን ስልጣነ ንምምዕባል "ኣድላዪ ዘርኢ" ምዃኑ ደጊሞም ገለጹ።
ትምህርቲ ብፁዓን - ንድፊ ትምህርታዊ ተልእኾ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል እካብ ወንጌል ማቴዎስ እተወስደ ምምልስ ብምባል፣ ብፁዓን ከም መገድን መልእኽትን ናይ መምህርና ክርስቶስ ከም ምዃኖም ኣስተንትኒኖም። ኣብያተ-ትምህርትን መናብርተ ጥበባትን ወንጌል ዚስምዓሉን ዝንበረሉን ቦታታት ክዀኑ ድማ ተማሕጺኖም፣ እዚ ኸኣ ንምልክታት መንግስቲ ኣምላኽ፣ ማለት ፍትሕን ሰላምን ርሕራሐን ዜንጸባርቑ ደቀ መዛሙርቲ ክኹስኩሱ ውን ተማሕጸንዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ኣብ ውሽጢ መለኮታዊ "ቤት ትምህርቲ"፣ ክርስቶስ ጥራይ እቲ ዝለዓለ መምህር ምዃኑን ንዅሉ ዓይነት ፍልጠት ደቂ ሰባት ዜብርህ ትርጕም ከም ዝምህርን ኣዘኻኸሩ።
ንጸልማት ባዶነት እምነት ሞራላዊ ኣቕዋም ምቅላስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ዘመናዊ ባህሊ ዜጋጥሞ ዘሎ ኸቢድ ብድሆታት ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ነታ ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ጠቒሶም፣ ብዛዕባ እቲ ንተስፋ ኼጥፍእ ዚኽእል "ጸልማት ናይ ባዶነት እምነትን ሞራላዊ ኣቕዋም" ኣጠንቀቑ። ቅዱስ ኣቦና ንዅሎም እቶም ኣብ ሥነ ትምህርታዊ ዓለም ዝሳተፉ ሰባት፣ ከምቲ ኣብቲ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ዘዳለዎ "መሪሕነት ሕያዋይ ብርሃን" ዘርእስቱ ህቡብ መዝሙር ብጽቡቕ ተጠቒሱ ዘሎ "ህያው ብርሃን" እምነት ብምንጽብራቕ፣ ጽላሎት ኣሉታዊ ኣረኣእያን ፍርህን ከወግዱ ተማሕጸንዎም።
ትምህርቲ ከም ጻውዒት ንቅድስና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከም ብምቕጻል፣ ሥነ ትምህርቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ቅድስና መጸዋዕተ ከም ምዃኑ ዚገልጽ ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ብምርግጋጽ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ። ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ኣብ ኣዋጅ ብፅዕና ቅዱስ ኒውማን ንዝበልዎ ብምዝካር፣ ዓሚቝ ድሌት ኣምላኽ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅድስና ክረክብ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ። ከምቲ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተገልጸ፣ ኣድማሳዊ ጻውዒት ቅድስና፣ ኣብቲ ብብፁዓን ስባት እተመስከረን ብኣብነት ቅዱሳን ዝድረኽን ጕዕዞ፣ ጭቡጥ መግለጺ ከም ዝረክብ ውን ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ናይ ቤተ-ክርስትያንን ሊቅ ተሓባባሪ ጠበቓ ሥነ ትምህርታዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ቢሎም ብምጽዋዕ፣ ንኣመንቲ ብሩህ ኣብነት ናይ ኣእምሮኣዊ ጽኑዕን መንፈሳውን ዕምቈትን፣ ጕስነታዊ ልግስን ከም ምዃኑ ውን መሥኪሮም። እዚ ናይ ቅድስና መጸዋዕታ ድማ ንመምህራንን ንተመሃሮን ንጹር መልእኽቲ ኰይኑ የገልግል ኣሎ፦ ናይ ዘተ ሃዋሁ ንምምዕባል፣ ከም መብራህቲ ተስፋ ንኼገልግሉ፣ ከምኡውን በቲ ህያው ዝኾነ ብርሃን ተመሪሖም "ከም ከዋኽብቲ ዓለም ዘንጸባርቑ" ውልቀ-ሰባት ንምፍጣር ከም እተጸውዑ ውን ኣመልከቱሎም።
