ድለ

2025.11.16 Angelus 2025.11.16 Angelus  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ እቶም ዝስደዱ ዘለዉ ክርስትያን ናይ ሓቅን ፍትሕን ተስፋን መሰኻኽር እዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ንግደት ኢዮቤል ድኻታት፣ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ንክርስትያን ምእመናን ኣብ መወዳእታ ዘመን ዜጋጥሞም ስደትን ኸምኡውን ብዛዕባ እቲ "ንዓለም ዜድሕን ምስክርነት ሓቂን፣ ንህዝብታት ካብ ጭቈና ዜድሕን ፍትሒን" ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 16 ሕዳር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ድኻታት ክንዝክር እንከሎና፣ ነቲ "ብዛዕባ ጻዕርታት ታሪኽን፡ መወዳእታ ዘመንን ከነስተንትን ዚዕድመና" ክፍሊ ንባብ ወንጌል ኣመልኪቶም ዓሚቝ ኣስትንትኖ ኣካፈሉ። ይኹን እምበር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዝፍጸም ውግእን ዕንወትን ክንፈርህ ከም ዘይብልና የተባብዓና እዩ ክብሉ ውን ኣዘኻኸሩ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ መልእኽቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ውን እንተኾነ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ እቲ ዜሕዝን "ብዛዕባ እቲ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ዜሳቕዮም ዘሎ ግጭታትን ዕንወትን ስደትን ከም ዕለታዊ ዜና ንሰምዖ ኣሎና" በሉ።

ይኹን እምበር ቅዱስነቶም፣ ኣብ መንጎ እዚ ቓልዚ እዚ ዕሽሽ ኪብል ዚፍትን ዘይምግዳስን፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብኡ ንዚውከሉ ዝሃቦ ዜጸናንዕ ቃላቱን ኣካፈሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "ግዜ ብጸልማት ብዝበዝሓሉ መጠን፣ እምነት ከም ጸሓይ ትበርቕ እያ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ክልተ ሳዕ፣ ብዙሓት ብምኽንያት ስሙ ዓመጽን መስጐጕትን ከም ዚወርዶምን፣ ብዛዕባ ክርስቶስ ኪምስክሩ ኣጋጣሚ ኸም ዝረኽቡን ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ ክብሉ ውን ኣዘኻኸሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪስዕብ ከም እተጸውዐ ደጊሞም ኣተሓሳሰቡ።

ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ
ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ   (@Vatican Media)

ስደት ብኣጽዋርን ሞትን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብቓላትን ብሓሶትን ብስነ-ሓሳባዊ ምትላልን እውን እተፈላለየ መልክዕ ኪህልዎ ከም ዝኽእል ገለጹ። ብፍላይ ነዚ ፈተናታት እዚ ኽንጻወሮ ከሎና "ኣካላውን ስነ-ምግባራውን ሓቂ እታ ንዓለም እተድሕን ሓቂ ኽንምስክር ተጸዊዕና ኢና። ንህዝብታት ካብ ጭቈና ዜድሕን ፍትሒ፣ ንዅሉ ሰብ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ዘመልክት ተስፋ" ኢና ክነውን ዘሎና ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ቃላት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብትንቢታዊ መገዲ ዕንወትን ሓዘንን ንዘለኣለም ከም ዘይነብርን ከም ዘብቅዕ ኢዩ ዝገልሰልና በሉ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ "ሓጐስ እቶም ንክርስቶስ ከም መድሓኒ ዝቕበልዎ ድማ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ" በሉ።

ነቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዜጋጥመና ፈተናታትን ብድሆታትን ክንጻወሮ እንተ ክኢልና ነፍስና 'ክንረብሓ' ኢና ክብሉ ውን ተላበው። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ኣስዒቦም፣ እዚ ተስፋታት እዚ "ነቲ ኣብ ታሪኽ ዜስግእ ፍጻመታትን፣ ንዅሉ በደልን ንኽንቃወሞ ብርታዐ ዝሕበና ኢዩ" በሉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስደት እዚ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንምስክሮ እንኽእል ቃላት ኪህበና እዩ ውን በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብነት ናይቶም ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን "ጸጋ ኣምላኽ ንዓመጻ እውን ከይተረፈ ናብ ምልክት ድሕነት ክቕይሮ ከም ዝኽእል" ከም መዘኻኸሪ ዀይኖም ዘገልገሉ ሰማእታት ጠቒሶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ምእንቲ ስም ክርስቶስ ስቓይን ስደትን ዘጋጥሞም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምትሕብባር፣ ንዅላትና ከም ረዳኢተ ክርስትያን መጠን ኣማልድነት ድንግል ማርያም ኣዴና ክንልምን ጻውዒት ኣቕረቡ። "ኣብ ኵሉ ፈተናን ጸበባን ቅድስት ድንግል ማርያም ተኣጸናንዓናን ትድግፈናን" ክብሉ ድማ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

17 Nov 2025, 12:21