ድለ

2025.11.26 Udienza Generale 2025.11.26 Udienza Generale  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ. ንኤጳርቅና ኬረን፦ ናይ ፍቕርን ስኒትን ሰላምን መስክር ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ሮቡዕ ብ26 ሕዳር ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶ፣ ድሕሪ ኣስተምህሮ ምዝዛሞም ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ነቶም ካብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ነጋድያንን መፈሳውያን በጻሕትን ቃል ሰምታን ምሕጽንታን ለጊሶም።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 26 ሕዳር ነቶም ተዛረብቲ ቋንቋ ፖሎኛ ዝኾኑ ነጋድያን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ንህይወት ብዅሉ መልክዑ ብዛዕባ ምዕቃብን ወላዲ ንምዃን ብምትብባእ፣

ነፍሲ ወከፍ እተወልደ ህጻን ንምቕባልን ንምጥባቕን ኣይንፍራህ – ንናይ ህይወት ወንጌል ንስበኽን ነገልግልን። ኣምላኽ "ህይወት ዚፈቱ" ስለ ዝዀነ ድማ ኵሉ ሳዕ ንህይወት ብሓልዮትን ብፍቕርን ብኣኽብሮት ክንርእዮ ይግባእ” ክብሉ ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ   (ANSA)

ኣገልገልቲ ኹኑ

ቀጺሎም እውን ቅዱስ ኣቦና ንተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳይ ዝኾኑ ካብ ስዊዘርላንድን ፈረንሳን ዝመጹ ነጋድያን፣ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብን ኣብ ምእታው ምእንቲ ኺመርሖም፣ ገዛእ ርእሶም ንጐይታ ከወፍዪ ተማሕጸንዎም፦

“ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ህይወት ካብ ፍቕርን ብፍቕርን ኣገልገልቲ ኹኑ” ክብሉ ውን ተላበውዎም።

ቃል ሰላምታ ንኤርትራውያን ነጋድያን ካብ ኤጳርቅና ከረን

ብድሕሪዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ሠናይ ትምኒቶም ብምግላጽ "ኣብዛ ዓመተ ኢዮቤል እዚኣ ንመንፋሳዊ ሓይሊ ተስፋ ምድንፋዕ" ኣገዳሲ ኢዩ ድሕሪ ቢሎም፣ ነቶም ካብ ናይጀርያ ኡጋንዳ ዝመጹ ነጋድያንን ከምኡ ውን ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ነጋድያን ውን ጠቒሶም። ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ቅድሚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኢድ ክነስኡ ብብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ተመሪሖም ንግደት ኢዮቤል ዘካየዱ ዘለዉ ምእመናን ሰበኻ ከረን ካብታ ውሉድ እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ ዝኾኑ ነጋድያን፣ መበል ሰላሳ ዓመት ዝኽሪ ዓመተ ኢዮቤል ምስረታ ሰበኻኦም ይዝክሩ ብምህላዎም፦

ጐይታ ወትሩ ኣብ ምስክርነትኩም ናብ ልግስን ስኒትን ሰላምን ይመርሓኩም። ክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

ብፁዕ ኣቡነ ኪዳን የዕብዮ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ህያብ እንክልግሱ
ብፁዕ ኣቡነ ኪዳን የዕብዮ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ህያብ እንክልግሱ   (@VATICAN MEDIA)

ፈላሚ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ከምኡ ውን ነቶም ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ነጋድያንን ምእመናን ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰላምታን ምጽንታን ድማ "እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ምሳናን ምእንታናን ኣብ ማእከል ጸገማትን መከራን ከም ዝመላለስ ብምፍላጥ" ክንነብር ምሕጽንታ ኣቕሪቦም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ጽባሕ ዕለት 27 ሕዳር ዝጅምር ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም፣ ናበይ ከም ዝኸዱን ውን ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ገለጹሎም፣ ኩላቶም ድማ ብጸሎት ከሰንይዎምን፣ ነቲ ብግጭታት እተበታተነ ማእከላይ ምብራቕ እውን ክዝክሩ ተላበውዎም። ቅዱስነቶም ዝበጽሕወን ሃገራት ቱርክን ሊባኖስን "ብታሪኽን መንፈሳውነትን ሃብታም" ምዃነን ውን ኣመልከቱሎም። ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝቕጽል ሰንበት ዘመነ ምጽአት ስለ ዝጅምር ቤተ-ክርስትያን ነቲ ሓድሽ ዘመን ምሥጢራት ክርስትያናዊ  ምስክርነት ጌራ ከም እትቕጽሎ ኣፍሊጦም።

26 Nov 2025, 17:08