ድለ

2025.11.13 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህቡኣን ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል: ሓቀይና ሓጐስ ኣብ ሓድነት ምስ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ! 2025.11.13 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህቡኣን ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል: ሓቀይና ሓጐስ ኣብ ሓድነት ምስ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ!  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህቡኣን ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል: ሓቀይና ሓጐስ ኣብ ሓድነት ምስ ክርስቶስ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ህቡኣን ኣውጉስቲናውያን ፈደራላዊ ማሕበር ደናግል ኣብ ኢጣሊያ ዕለት 13 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተራኺቦም ምስ ክርስቶስ ብሓጎስን ሓድነትን ክነብራ ኣተባቢዖም፣ ኣብ ነንሕድሕደን ድማ ትሕትና ዝለበሰ ልግሲ ክሓቝፋ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ተጋባእያን ስሩዕ ፈደራላዊ ገዳማት ኣጎስጢኖሳውያን ኣብ ኢጣልያ ተራኺቦም፡

ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ፈደራላዊ ማሕበር ህቡኣን ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል ብመብጽዓ ዝተጠርነፈን ናይ ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ስርዓት ዝነብርን ዝተፈላለዩ ገዳማዊ ክውንነታት ዘቕርቦ ናይ ሕድነት ምስክርነት ንኢዶም፡

ኣብ መላእ ኢጣልያ ርእሰ - ተመሓደርቲ ኣብ ዝኾና ማሕበራት ኣጎስጢኖሳውያን ገዳማት ዝነብራ ውፉያን ህቡኣን ደናግል ብሓባር ነቲ ናይ ሓባር መንፈሳዊ ህያብ ክድህስሳ ዘካየደኦ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ናይቲ ፈደራላዊ ማሕበር ሲኖውነት ሸነኽ ዘነጽር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሓድሕድካ ምስማዕን ብዙሕነት ምንባርን፡ “ብፍላይ ኣብዛ ብብዙሕ መዳይ ንዘተን ምትሕልላይን ክፉት ካብ ምዃን እናንሰሓበት እትኸይድ ዘላ ዓለም ዘድሊ ትንቢታዊ ምስክርነት ልግሲ የቕርብ - ቢሎም - ኣብ ሰለስተ መዳያት ናይ ኣጎስጦኖሳውያን ማሕበራት ተልእኾ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣተኲሮም፡ እቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ብጐይታ ምሕጓስ ናይ ሓቂ ሓጐስ ከም የምጽእ ዝብል ትምህርቲ ብህይወት ክነብራን ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ሓድነት ምግባር  ዝህቦ ሓጎስ ኪምስክራን ኣተባብዖም፡ "ንደቂ ሰብ ብፍላይ ከኣ ንክርስትያን ናይ ሓቂ ሓጐስ ምስ ጐይታ ኣብ ምሕባር ማለት ምስቲ ምሉእ ህይወትካ ብጸዋዕታ እትውፍየሉ ሰማያዊ መርዓ ጥብቂ ርክብ እዩ። እተን ህቡእ ጸዋዕታ ብምንባር ሕይወተን ንምዋፍይ ዝተጸውዓ፡ ቅዳሴ፣ ጸሎት፣ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን፣ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽን ማሕበራዊ ህይወትን ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ዝነብራ ክኾና ዓዲሞም። "እዚ ሰላምን ምጽንናዕን ነቶም ናብ ኣፍ ደገ ገዳማትክን ዚመጹ ኸኣ ካብ ሽሕ ቃላት ንላዕሊ መልእኽቲ ተስፋ ዘመሓላልፍ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ዝነብርኦ ባሕታዊ ህይወት ንቤተ - ክርስትያንን ንዓለምን ምስክርነት ልግሲ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ በቲ ናይ ኦጎስጢኖስ ኣተሓሳስባ ብምምልላስ "ጽቡቕ ሽታ ኣምላኽ ኣብ ዓለም" ከም ዝዝርግሓን ከምኡውን ኣብ ናይ ጽሞና ጸሎት ዝነብርኦ ህይወት፡ ንኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ፍቕሪ ምልክት እዩ። ብዘይ ጫውጫውታ ወይ ብዘይ ትርኢት ንሓድሕድክን ሓልዮትን ቈላሕታን ምግባር ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት ከኣ ንዅሉ ናይ ሓልዮትን ርሕራሄን ኣብነት ኩና። እቲ “ጽሞናውን ሕቡእን ፍቕረን፡ ሕብረተሰብና ኣብ ደጋዊ መልክዕ ኣዝዩ ከም ዘተኮረ ንኽርድኦ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ናይ ትሕትናን ልግስን ክቡር ዋጋ መግለጺ እዩ። ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቲ ፈደራላዊ ኣጉስጢኖሳውያን ማሕበር ህቡኣን ደናግል ኢጣሊያ ኣብ መንጎ እተፈላለየን ገዳማትን ኣብያተ ጽሕፈትን ስራሕን ቍጠባን ብምውህሃድ ዘሳልጦ ዕዮ ንኢዶም፡ "ቅዱስ ኣጎስጢኖስ፡ "እቲ እትደልዮ ዘበለ ጽቡቕን ኣዚዩ ክፍቀር ዝግብኦን እዩ። ብዘይ ስርዓት ሓደ ሰብ ነቲ ኣጸቢቑ ዚፈትዎ ነገር ኪበጽሖ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ እዚ ውዕዉዕ ስምዒት እዚ ንስርዓት ንኽንጸግ ዘይኮነስ ንኽትቅበሎ ዝመርሕ እዩ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህቡኣን ኣጎስጢኖሳውያን ደናግል: ሓቀይና ሓጐስ ኣብ ሓድነት ምስ ክርስቶስ እዩ ዝርከብ!
13 Nov 2025, 16:39