ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዝኽሪ ዝዓረፉ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳትን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመትን 2025 ዓ.ም.ን ንዝዓረፉ ነፍሳት፡ እርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 3 ሕዳር ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝኾሮም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን፡ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፡ ዝኽሮም “ንዓና ገና ኣብ ምድሪ ነጋድያን ተስፋ ንዝኾንና፡ ኣብ ናይ ጽሞና ጸሎትና 'ንረድኤተይን ኣምላኸይን ከመስግኖን ብኣምላኽ ድማ ተስፋ እገብር' ዝብል መንፈሳዊ ምትብባዖም ክበጽሓና ንኽንጽሊ ይሕግዘና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ብፍላይ “ነቲ ቅዱስ ማዕጾ ከፊቶም ንሮማን ንመላእ ዓለምን በረኸት ፋሲካ ዝሃቡ ምእንቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “ብዓቢ ፍቕሪ” ጸልዮም ዓመት ኢዮቤል ተስፋ፡ ነዚ ቅዳሴ “ፍሉይ መኣዛ - መኣዛ ክርስትያናዊ ተስፋ ይህቦ፥ እብክብሉ ገሊጾም፣ ነቲ ኣብ ዕለቱ ዝተነበ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ዝዛረብ ቃለ ወንጌል መሰረት ገይሮም፡ ደቀ መዛሙርቲ ኤማሁስ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሰአ ክርስቶስ ዝገበርዎ ርክብ “ህያው ተስፋ ብንጹር ዝገልጽ እዩ” ከም ዝበሉ የመላኽት።
ዓመጸይና ሞት
ደቂ መዛሙርቲ ኤማሁስ ርክቦም ብተመኩሮ “ዓመጽ ሞት” ኢየሱስ እዩ ዝጅምር፣ እዚ ሞት እዚ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ንብዙሓት ንጹሃት "ንኣሽቱ ቆልዑ" ዝወረዶም " ዘሕዝንን ዘስካሕክሕን ሞት ዝመሳሰል እዩ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ስቡሕ ኣንተ - laudato sí ’” ክንብል ኣይንኽእልን ኣይግባእን፡ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ሞትን ቅትለትን እግዚኣብሔር ኣቦ ስለዘይምነዮ፡ ካብኡ ሓራ ከውጽኣና ድማ ንሓወዱ ናብ ዓለም ለኣኾ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኢየሱስ ኣብ ልብና እምነትን ተስፋን ከም ብሓድሽ የበራብር
የግዳስ፡ ኢየሱስ ልክዕ “ናብ ክብሩ ክምለስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና እዩ” ዝተሳቐየ። ንሱ ጥራይ “ነዚ ብልሹው ሞት ብእኡ ከይተበላሸወ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ውሽጡን ክወስዶ ዝኽእል፡ ንሱ በይኑ ቃል ዘለኣለማዊ ህይወት ኣለዎ” ኢልና ክንናዘዝ እንኮለና ቃላቱ ኣብ ልብና እምነትን ተስፋን ዳግማይ ከበራብር ዝገብር ሓይሊ ከም ዘለዎ” ንኣምን። እዚ ተስፋ እዚ ደጊም እቲ [ደቀ መዛሙርቲ] ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮምን ዘጥፍእዎን ተስፋ ኣይኰነን፡ ኣብ ክንድኡስ “ሓድሽ ክውንነት፡ ውህበት፡ ጸጋ ናይቲ ትንሳኤ፡ ተስፋ ፋሲካ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ ፋሲካ ንሞት ይቕይሮ
ብሞት እነፍቅሮም ሰባት ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ብሞት እቶም "ብሕማም ወይ ብዝገደደ ብሰብኣዊ ዓመጻ ዝተቐትሉ" ንጹሃት ሰባት እኳ እንተ ሓዘንና፡ ክርስትያን ግን ተስፋ ዝገብሩ እያቶም፡ ከመይሲ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሞት እኳ ንጐይታና ነፍሳትና ኣብ ሕቝፉ ኻብ ምቕባልን ንመዋቲ ሰብነትና ኻብ ምቕያርን ኪዓግቶ ኣይክእልን እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፡
መሰኻኽርን መምህራንን ፋሲካ ተስፋ
ልክዕ ነዚ “ሓድሽ ናይ ፋሲካ ተስፋ እዚ እዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡ’ውን እቶም ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዝዓረፉ ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዝነብሩን ዝመስከሩን ዝመሃሩን - ቢሎም - ጐይታ ጸዊዑ ኣብ ቤተ-ክርስትያኑ ጓሶት ገበሮም፡ ብኣገልግሎቶም ድማ “. . ኣብ መገዲ ወንጌል በቲ ጥበብን ፍትሕን ቅድስናን ድሕነትን ዝዀነና ክርስቶስ ዝመጸ ጥበብ ብጽድቂ ዝመርሑና እዮም” እክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
