ድለ

2025.11.05 Udienza Generale

ር. ሊ. ጳ.፦ ትንሳኤ ክርስቶስ ናብ ጸልማት ታሪኽ ወድሰብ ተስፋ የምጽእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብርሃን ከም ዝህበናን፣ ነቲ ንትርጕም ህይወት ዘሎና ጽምኢ ከርዊ ከም ዝኽእልን ከምኡውን ንተስፋ ኣብ ዓለም ከስርጽ ከም ዚኽእል ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ፣ ኣብ ናይ ዕለት ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ "እቲ ብብዙሕ መስቀላት ዝፍለጥ ግዜና እውን እንተ ዀነ፣ ኩሉ ግዜ ተስፋ ፋሲካ እዩ ዜመልክት” ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተምህሮኦም፣ ትንሳኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ሓሳብ ወይ ክልሰ-ሓሳባዊ ዘይኰነስ፣ መሰረት እምነት ዝዀነ ፍጻሜ" ኢዩ ክብሉ ኣስመሩሉ።

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፣ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ብሓቂ ምእማን ኪበሃል ከሎ፣ ኣብ ኣነባብራና ለውጢ ምግባር ማለት ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። እዚ ለውጢ እዚ "ብለውሃትን ብትብዓትን ክርስትያናዊ ተስፋ፣ ነዛ ሕጂ ዘላ ዓለምና" ንምቕያር ኪሕግዝ ይኽእል ሓቂ እዩ።

"ታሪኽ ወድሰብ ብርሃን ኣብ ዘይርኣየሉ እዋን እውን ከይተረፈ፣ መሰኻኽሩ ኽንከውን ንኽእል ኢና" ክብሉ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተማሕጺኖም። "ተስፋ ፋሲካ ፈጺሙ ኣየሕፍርን ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

መራሒ ኮኾብ ኣብዚ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ህይወትና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ብፍላይ ክርድኣና ዘይክእል ዝመስል ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፣ "ነቲ ንትርጕም ህይወት ዘሎና ጽምኢ መልሲ ኸም እንረክበሉ" ውን ገለጹ።

"ኣብኡ፣ ኣብ ክርስቶስ፡ ነቲ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ዝመስል ህይወትና ብብርሃን ክንመርሖ እንኽእለሉ ኰዀብ ክንረክብ ከም እንኽእል መረጋገጺ ኣሎና፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዘደናግር ተቐባልነት ዘይብሉን ዘይርዳእን ዝመስል ፍጻመታት ኢዩ፣ እከይ ብብዙሕ መልክዑ ስቓይ ሞት ከምኡውን ንነፍሲ ወከፍና ዝትንክፍ ፍጻመታት ኢዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም "ትንሳኤ ክርስቶስ ነቲ ህይወት በብመዓልቱ ኣብ ብሕታውን ዓለምለኻውን ደረጃ ዜጋጥመና ዜፍርህን ብድሆታትን ከይተረፈ ሓልዮትን ፈውሰን ተስፋን ይህብ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ቅዱስነቶም ወሲኾም ከኣ፣ "ብዓይኒ ትንሳኤ" መገዲ መስቀል ውን መገዲ ብርሃን ከም ዚኸውን ገለጹ። ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ድማ፣ "ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ስቓይ ዘሎ ሓጐስ ኬስተንትኑን፣ ንዅሉ እቲ ቅድሚ ትንሳኤ ዝነበረ ኩነታት ብሓድሽ ብርሃን ክግንዘብዎን" ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሓንስ (1፡17) ትንሳኤኡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ዝርአ ህሉው ሓቂ ምዃኑ ንምሕባር ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ ከም "ህያው" ገይሩ ኸም ዝገለጾ ኣስተምሂሮም።

ትንሳኤ ካብ ሕሉፍ ዝረሓቐ ፍጻመ ኣይኰነን

በዓል ትንሳኤ ክርስቶስ "ካብ ሕሉፍ ዝረሓቐ ዘይኮነስ፣ ሓደ ህልው ፍጻመ እዩ፣ ሕጂ ድማ ከም ሓደ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እተፈጸመ ኩነት፣ ኣብ ትውፊት ተቐሚጡ ኣሎ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣትሪሮም ገለጹ። ቤተ-ክርስትያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፣ በዓለ ፋሲካን ብኽባር፣ "ህያው መዘከርታ" ትንሳኤ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ኸም እተማህረ ውን ኣረጋገጹ።

"ምስጢር ፋሲካ እምኒ መኣዝን ክርስትያናዊ ህይወት እዩ፣ ኵሉ ኻልእ ፍጻመታት ከኣ ኣብ ዙርያኡ ዘተኰረ እዩ" በሉ፣ ወሲኾም ድማ "እምበኣር ብዘይ ዝዀነ ይኹን ልኡምነት ወይ ገርሐይና ስምዒት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ በዓለ ትንሳኤ እዩ ኽንብል ንኽእል ኢና" በሉ።

"ካብ ሰዓት ናብ ሰዓት ብዙሕ እተፈላለየ ተመክሮታት ኣሎና፣ ስቓይን መከራን ጓህን ምስ ሓጐስን ኣግራሞትን ህድኣትን እተተሓሓዘ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ኵሉ ዅነታት ልቢ ወድሰብ፣ ምልኣትን ዓሚቝ ሓጐስን ይናፍቐና እዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም።

ነዚ ሓሳብ እዚ ንምንጻር ካብ ቅድስቲ ተሬዛ በነዲክታ ዘመስቀል (ቅድስቲ ኢዲት ስታይን) ጠቒሶም፣ "ኣብ ምስጢር ሰብኣዊ ኣካልነት ኣዕሚቕካ ንምጥሓል" ዘድሊ "ሓይሊ" ካብ "ዘየቋርጽ ፍጻሜ ምድላይ" ከም ዝመጽእ ውን ሓበሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ሰብኣዊ ኣካልነት፣ "ካብቲ ኩነታት ዝሃበና ዕድላት ምእንቲ ኽንጥቀም ኵሉ ሳዕ ከም ብሓድሽ ኪውሃበና ሃረር ይብል እዩ" ክትብል ውን ጸሓፈት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ኣብ ድሩትነት ተዋሒጥና ኢና፣ እንተዀነ ግን ካብኡ ንምሕላፍ እውን ንጽዕር ኢና" በሉ።

ትንሳኤ እቲ ዝበለጸ ዜና እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ "ብስራት ፋሲካ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ካብ እተሰምዐ ዜናታት፣ እቲ ኣዝዩ ጽቡቕን ዜሐጕስን ዝምስጥን ዜና እዩ" በሉ።

"ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት፣ ህይወት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሞት፣ ከም እትዕወት ዜረጋግጽ 'ወንጌል' ከአ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንኣእምሮናን ንልብናን ዘናውጽ ጠለብ ትርጕም ህይወት ኬማልእ ዝኽእል ንሱ ጥራይ ዝኾነ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ደቂ ሰብ ብቐጻሊ "ናብቲ ብቐጻሊ ዝስሕቦም ነገር እዮም ዝጐዩ" ዘለዉ። "ዝዀነ ይኹን ሃንደበታዊ ክውንነት ኣየዕግበናን እዩ። ናብ መወዳእታ ዘይብሉን ናብቲ ዘለኣለማዊ ዝኾነ ነገራትን ኢና እንኸይድ ዘለና።"

ይኹን እምበር "እዚ ኹሉ ምስቲ ብስቓይን ብጥፍኣትን ውድቀትን እተጸበናዮ ተመክሮ ሞት ዝጋጮ እዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ትንሳኤ ንታሪኽ ወድሰብ ከም ዝቐየሮ ገለጹ።

እተን ድሕሪ ስቕለት ጐይታና "ንሬሳ ጐይታ ኪቐብኣ ናብ መቓብር" ዝኸዳ ኣንስቲ፣ ነቲ መቓብር ጥራዩ ምስ ረኸባኦ፣ ኣብ ክንዳኡስ ነቲ "ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ ምስጢራዊ በጽሒ" ኢየን ዝረኸባ፣ ንሱ ድማ "ንስኻትክን ነቲ እተሰቕለ ኢየሱስ ናዝሬታዊ ትደልይኦ ኣለኽን። ንሱ ተንሲኡ ኢዩ፣ ኣብዚ የሎን" ክብል ትንሳኤ ኣበሰረን (ማር 16፡6) ብምባል ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)
05 Nov 2025, 16:20