ር. ሊ. ጳ.፦ መራሕቲ ዓለም ንኣውያት ድኻታት ኪሰምዑ ኣለዎም፣ ብዘይ ፍትሒ ሰላም የልቦን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ታሽዓይ ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ድኻታት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ 6,000 ዝዀኑ ነጋድያን ኢዮቤል ተስፋ ሓቢሮም፣ ኢዮቤልዩ ድኻታት ንምጽንባል መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።
ቀቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ምእመናን ሰላምታ ንምቕራብ፣ ንእተወሰነ ናብቲ ቅርዓት ብምውጻእ ምስ ምእመናን ተራኺቦም።
"ኵላትና ብክርስቶስ ሓድነት ከም ዝኾና ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ብዓብዪ ፍቕርን ብዓሚቝ እምነትን" ናብቲ ኣብ ውሽጥ ባዚካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉ ዓደምዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ናብ ምዝዛም ገጹ ይቐርብ ከም ዘሎ ብምዝኽኻር፣ እቲ ናይ ዕለቱ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ውን ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ታሪኽ ወደሰብ ከም ዝምልሰና ገለጹ።
ነብዪ ሚልክያስ ነቲ ናይ መወዳእታ ግዜ "ተስፋ ድኻታትን ትሑታትን ከም ጸሓይ ጽድቂ እትበርቀሉ ወጋሕታ፣ ካብ ጐይታ ናይ መወዳእታን ናይ ወጻእን መልስን፣ ግብሪ ረሲኣንን ግፍዕታቶምን ከም ሓሰር ኪጠፍእን ኪነድድን፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ እቶም መሳኪን ጸግዒ ዘይብሎምን ድኻታትን ፍትሒ ዝረኽቡሉ ዘመን ኣምላኽ እዩ" ክብል ከም ዝገለጾ ኣመልከቱ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ድራማዊ ተልእኾኡ፣ ንጡፍን ህሉውን ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ "ጸሓይ ጽድቂ" ምዃኑ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ክርስትያን ምእመናን ብፍርሂ ኢዶም ኣብ ክንዲ ዚህቡ፣ ንተስፋ መልህቕ ክድርብይዎ ኣለዎም፣ ከመይሲ ጐይታ "ጸጕሪ ርእስና እኳ ክጠፍአ" ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ።
"ኣብ ብሕታዊ ህይወትናን ኣብ ሕብረተሰብናን ስደትን ስቓይን ቓልስን ጭቈናን ኣብ ዝሃለወሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኣምላኽ ኣይሓድገናን እዩ" ክብሉ ውን ኣዘኻኸሩ። "ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምቅርራብ ድማ፣ ኣምላኽ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ፍቕሪ የብጽሓና ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ህላወ ክርስቶስን ቃሉን ንድኻታት ሓጐስን ኢዮቤልን ኢዩ ዝኸውን" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ድኻታት ከነኽብር እንከሎና፣ ነታ ናይ መጀመርያ ሓዋርያዊት ምዕዶኦም ዝኾነት ሰነድ "ኣነ ኣፍቀርኩነ!" ብምባል ኣርእስቲ ከም ዝሃብዋ እውን ዘኪሮም።
ቤተ-ክርስትያን ነዘን ቃላት እዚኣተን ክትፍጽም ከላ፣ ኣደ ድኻታት ክትከውን ትጽዕር፣ ንዅላቶም ብፍላይ ከኣ ነቶም ድኽነት ዝተሰከሙ ሰባት ፍትሕን ምዉቅ ሕቑፍን ክትህቦም ትደሊ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብዙሕ ዓይነት ድኽነት ንዓለምና ይጭቍነና ኣሎ" ብምባል ዘለዎም ጓሂ ውን ገለጹ። ብዛዕባ ስጋዊ ድኽነትን፡ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ድኽነት፣ ብፍላይ ንመንእሰያት ከም ዘሳቕዮም ዘሎ ውን ኣተሓሳሰቡ።
"እቲ ንዅላቶም ዘጋጥሞም ዘሕዝን ፍጻመ ድማ ጽምዋን ተነጽሎን ኢዩ" በሉ። "ንድኽነት ብሓፈሻ ኽንርእዮ ሓደ ብድሆ ይቐርበልና ኣሎ፣ ከመይሲ ሓድሓደ ግዜ ንህጹጽ ድሌታትና መልሲ ምሃብ ኣድላዪ እኳ እንተ ዀነ፣ ንመናድቕ ጽምዋን ተነጽሎን ንምፍራስ ግን ፍሉይ ኣቓልቦ ናይ ምግባር ባህሊ ኸነማዕብል ኣሎና" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንክርስትያን ምእመናን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን፣ ኣብ ስራሕና ወይ ኣብ ስድራቤትና ንዘለዉ ሰባት ቈላሕታ ክገብረሎም ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ብዛዕባ ለውሃት ኣምላኽ ንምምስካር ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎና ውን ኣመልከቱ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ዅነታት ክሓስቡ እንከለዉ፣ ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎ ብምግላጽ፣ ደቂ ሰብ ኣብ ክትርድኦ ዘይትኽእል ዅነታት ከም ዘለዉ ዜረጋግጽ ኩነታት እዩ ዚመስል።
"እንተዀነ ግን ዓውለማዊ ረዳኢ ዘይብልካ ምዃን ካብ ሓሶት እዩ ዚምንጩ፣ እዚ ድማ ታሪኽ ወትሩ ግዜ ኪደቱ ኸምኡ ኸም ዝዀነን፣ ክልወጥ ከም ዘይክእልን ካብ ምእማን እዩ ዚመጽእ" በሉ። "ወንጌል ከም ዝምስክረልና ግን ጐይታ ከድሕነና ዝመጸሉ ኩነት፣ ኣብ ናይ ታሪኽ ህውከት ምዃኑ የዘኻኽረና ኢዩ” በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመራሕቲ ዓለም ኣመልኪቶም ድማ፣ ነቲ ነቶም ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዝተስከሙ ሰባት ሓደ ብድሆ ዝኸውን ኣውያት ድኻታት ክሰምዑ ምዃኑ ውን ኣዘኻኺሮም።
"ብዘይ ፍትሒ ሰላም ኪህሉ ኣይክእልን እዩ፣ ድኻታት ከኣ ነዚ ብብዙሕ መገድታት እዮም ዜዘኻኽሩና፣ ነዚ ድማ ብስደቶምን ብኣውያቶምን እዮም ዜዘኻኽሩና፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ንዅሉ ሰብ ኣብ ግምት ዘየእቱ ጽውጽዋይ ውሕስነትን ድሕንነትን ዕቤትን ብምጥባር፣ ንብዙሓት ውልቀ-ሰባት ድማ ሸለል ዝብሎም ዕድሎም ዝምዝኦምን ኩነት ኮይኑ ይርከብ ኣሎ" ክብሉ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ንዅነታት ድኻታት ንምቅላል ዝጽዕሩ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይን ወለንተኛታትን እውን ኣተባብዑ፣ ንመሰረ እምነታዊ ሓቅን ሓድነትን ቤተ-ክርስትያንን ስለ ዘንጸባርቑ ድማ ምስጋናኦም ገለጹሎም።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን፣ ንሰብኣዊ ማሕበረሰብ ናብ ብሓባራዊ ናብራ ብምጽዋዕብ፣ "ፍልይ ዝበለ ሕውነትን ክብርን ዘለዎ ቦታ" ናብ ምቕያር ብምዕያይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክደልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ከምዚ ድማ በሉ፦ "እታ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትና እትቕበልን እተሓብርን ይቕረ እትብልን እተጸናንዓናን እተሕውየናን ፍቕሪ ኣምላኽ ወትሩ ምእንቲ ክንርዳእ፣ ቅድስቲ ድንል ማርያም ኣዴና ነቲ ሓድሽ ግልጸት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንቅበል ትሕግዘና" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።
