ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጽገና ሽማግለ ምሕደራ ከተማ ቫቲካን የደልድሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጽገና ሽማግለ ምሕደራ ከተማ ቫቲካን የደልድሉ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንጽገና ሽማግለ ምሕደራ ከተማ ቫቲካን የደልድሉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዓንቀጽ 8 ሕጡበ ጽሑፍ 1 ናይቲ መሰረታዊ ሕጊ ሃገረ ቫቲካን ዝነበረ ድንጋገ ማለት ናይ ኣቦ መንበር ቤት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካን ስልጣን ንካርዲናላት ጥራሕ ዝብል ትእዛዝ ውድቂ ብምግባር ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብእናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ተታሒዙ ዘሎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ናይ ኣደ መንበር ስልጣን ብምርግጋጽ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደልይዎ ሕዳሴ ከም ዘደልደሉን በቲ ዝደንገግዎ ውሳኔ ኣቢሎም እውን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ “ዝተሓላለኸን ህጹጽን” ምምሕዳራዊ ጠለባት ዝፈጠሮ ጸገም ክፍታሕ ከም ዝገብሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናላት ጥራይ ዘይኰኑስ "ካልኦት ኣባላት - ስለዚ ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ኣንስትዮን " እውን ኣቦ መንበር/ኣደ መንበር ጳጳሳዊ ሽማግለ መንግስቲ ከተማ ቫቲካን ኰይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ዕለት 21 ሕዳር እተሓትመ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ከም ዘረጋገጹን እዚ ነቲ ኣብ ሰነ 2023 ዝወጸ ዓንቀጽ 8 ቁ. 1 ናይቲ መሰረታዊ ሕጊ ዝስረዘ "ኣዝዩ እተሓላለኸን ህጹጽን" እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ምምሕዳር ድሌታት ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካብ ዕለት 1 መጋቢት 2025 ኣትሒዙ ብፍቓድ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እናቴ ራፋኤላ ፔትሪኒ ኣደ መንበር ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ መንግስቲ ከተማ ቫቲካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሓጋግን ምምሕዳራውን ስልጣን ምጥቃም ሓዊሱ ነዚ ድርብ ስልጣን ዝሓዛ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እየን።

ሓድሽ ሓዋርያዊ መልእኽቲ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት በቲ ዕለት 21 ሕዳር ብዝኸተምዎ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ የደልድሉ። ብፍሉይ ድማ ዓንቀጽ 8 ቍጽሪ 1፡ “ጳጳሳዊ ሽማግለን ኣቦ መንበርን ዝብል ስልጣን ሓዊሱ ብካርዲናላት ጥራሕ ክሽፈን ዝነበሮ ብምስራዝ ብካርዲናላትን ካልኦት ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ክምራሕ ከም ዝኽእል ይእዝዙ”  እዚ ስልጣን እዚ ድማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወሃብን ንሓሙሽተ ዓመት ዝብል ገደብ ዘለዎን እዩ።” እዚ ምምሕያሽ እዚ፡ ካርዲናላት ዘይኮኑ "ካልኦት ኣባላት" - ከም ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ - ነዚ ሓላፍነት እዚ ንኽለብሱ ተኽእሎ ዝኸፍት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

ውሳነ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ እቲ ውሳኔ ዘመሓላለፉሉ ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ "እቲ ናይ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ላዕለዋይ ሓላፊ ብናይ ገዛእ ርእሱ መዋቕር ኣቢሉ ነቲ ንመንግስቲ ከተማ ቫቲካን ዚግባእ ተልእኾ ኣበርክቶ ኪገብር ተጸዊዑ እዩ፣ ነዚ ዕዮ እዚ ድማ ነቲ ብቐጥታ ምላሽ ንዝህበሉ ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምግልጋል እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን፡ ነዚ "ከቢድ ዕማም" ንምፍጻም እቲ ቤት ምሕደራ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደለይዎን ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ ዕለት 19 መጋቢት 2022 ዓ.ም.  "ኣብ ውሽጢ እቲ communio - ሓድነት ኣብ ዝብል ሓደ ዓይነት ሓባራዊ ሓላፍነት ይጥቀም እዚ ድማ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝደልይዎ ከምኡውን ኣብቲ ናይ 19 መጋቢት 2022 Praedicate Evangelium - ስብኩ ወንጌል ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘጽደቕዋ ሓዋርያዊ ቅዋም እተመስረተ፡ ከምኡውን ንምምሕዳር ከተማ ቫቲካን እውን ዝምልከት" ምዃኑ የጒልሑ።

ስለዚ እዚ "ዓይነት ሓባራዊ ሓላፍነት" እዚ "ነቲ እተሓላለኸን ህጹጽን እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ምምሕዳር ድሌታት ንምምላእ ዝተዳለወ ፍሉያት መፍትሒታት ኣብ እዋኑ ዘደልድል” እቲ ዕለት 19 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ልዮን  መበል 14 ብዘለዎን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን ዝኸተምዎ ዕለት 21 ሕዳር ወግዓዊ ዝኾነ ውሳኔ ብኡንብኡ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን  መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

22 Nov 2025, 17:31