ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ንግዳያት ኲናት ጸልዩ፣ ንህዝቢ ምያንማር ኣይትረስዑ! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ንግዳያት ኲናት ጸልዩ፣ ንህዝቢ ምያንማር ኣይትረስዑ!  (A)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ንግዳያት ኲናት ጸልዩ፣ ንህዝቢ ምያንማር ኣይትረስዑ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምእመናን ምእንቲ እቶም ኣብ ኲናት ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ነታ ንዓመታት ብውግእ ሓድሕድን ውሽጣዊ ህውከትን ኣብ መዓት እትርከብ ምያንማር ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ, ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 5 ሕዳር ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሓሳባቶም ናብቶም ኣብ ዓለም ብዙሕ ዕጥቃዊ ግጭታት ኣብ ዝካየደሉ ዞባታት ዓለም  ንዝሳቐዩ ዘለዎ ሰባት ኣቕኒዖም፥ "ንኹሎም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዓመጽ ኲናት ኣብ ከቢድ ፈተና ዝርከቡ ሰባት ኣብ ዘዕርጎ ጸሎት ክትጽንበሩ እዕድመኩም ኣለኹ - ቢሎም - ብፍላይ ምንቲ ህዝቢ ሚያንማር ክጽለይ ማሕበረሰብ ዓለም "ንህዝቢ በርማ ከይርስዕን ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብን" ከም እተማሕጸኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዘውረደ መንግስቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣብ ካብ ዝሕዝ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ፡ ሓድሕዳዊ ግጭት ሞት ኣሽሓት ሰባትን ካልኦት ሰለስተ ሚልዮን ድማ ምምዝባል ከም ዘስዓበን፡ እቲ ኣብ 2021 ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ብጃምላዊ ተቓውሞታት ዝጀመረ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ሓይልታትን ዕጡቓት ብሄራትን ኣንጻር ወተሃደራዊ ስርዓት ናብ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ዝተቐየረ ኮይኑ፡ ዓድታት ብደብዳብ ነፈርትን ውግእን ክዓንዋ እንከለዋ፡ ካልኦት ሚልዮናት ድማ መግቢ፡ መድሃኒትን መጽለልን ተሓሪምዎም፡ ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሚያንማር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ገምጋም የቕርብ።

ቅልውላው ሮሂንጋ

ይኹን እምበር ኣብ ሚያንማር ዘሎ ኣሰቃቒ ኩነታት ቅድሚ ዕልዋ መንግስቲ 2021 ዝጅምር እዩ። እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ በርገሳዊ መንግስቲ፡ ንቅልውላው ሮሂንጋ ብዝፍጽሞ ኣተሓሕዛ ኣህጉራዊ ውግዘት ኣጋጢምዎ ከምዝነበረን፡ ኣብቲ እዋን ኣባላት ውሑዳት ኣስላም ጽንኩርን ስርዓታውን ዓመጽ ከምዝወረዶም ይፍለጥ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚያንማር ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ወፍሪ ክጅምር እንከሎ፡ ሰፊሕ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ስቅያትን ምዕናው ምሉእ ዓድታትን ዘጠቓለለ እዩ። ተልእኾ ሓቅታት ምርካብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሚያንማር፡ ተግባራት እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ “ምጽናት ዓሌት” እንክብል ከም ዝገለጾን፡ ኣብ መጀመርታ 2018፡ ልዕሊ 700 ሽሕ ሮሂንጋውያን ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ከም ዝሃደሙን፡ ምስቶም ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ማዕበል ስደት ዝተመዛበሉ ከም እተጸምበሩን፡ እቶም ኣብ ግዝኣት ራኪን ሚያንማር ዝተረፉ ሰባት፡ ኣብ ምንቅስቓስ፡ ዜግነት ምኽሓድን ኣብ ዓሌታዊ ፍልያ ኣብ ዝመስል ኩነታት ምንባርን ከቢድ ኵለ መዳያዊ ገደብ የጋጥሞም ከም ዘሎ ጸብጻት ዓለም ሓቆፍ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረጋግጹ።

እቲ ዓመጽ ብቐንዱ በቲ ድሒሩ ኣብ 2021 ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ በርገሳዊ መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዘይከኣለን ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተግባራት እዚ ኮኒንዎ እኳ እንተነበረ፡ እቶም ተሓተትቲ ጀነራላት ግን ብዙሕ ተሓታትነት ከም ዘየጋጠሞም እዩ ዝፍለጥ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021፡ እቶም  ጀነራላት - ብሚን ኣንግ ሂላንግ ዝምራሕ - ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ፡ ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣንግ ሳን ሱኪ ዓልዮም ቀልጢፎም ኩሉ ንኽቖጻጸሩ ትጽቢት ዝነበሮም እውን እንተኾነ ተራእዩ ዘይፈልጥ ማዕበል ሃገር ሓቆፍ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞምን ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሮሂንጋውያን ዘውፈሮ ኣረሜናዊ ሜላታት ተጠቂሙ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ሚያንማር፡ ካብ ኩሉ ብሄርን እምነትን ዝመጸ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ጭቆናን ኣድልዎን ክሳራን ተጻዊሩ ይርከብ።

06 Nov 2025, 16:47