ር. ሊ. ጳ. ኣብ ዕለተ ዝኽሪ ኩሎም ሙታን፣ ኣምላኽ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት መገዲ ከፈተልና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰንበት ዕለት 2 ሕዳር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ መካነ መቓብር ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ሓወልቲ ቬራኖ፣ ንዝኽሪ ዅሎም ዝሓለፉ ምእመናን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፣ ኣብ ክርስትያናዊ እምነትን ምስጢር ፋሲካን ክርስቶስን እተመስረተ ዓሚቝ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ውን ኣመሓላሊፎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብዚ ታሪኻዊ መካነ ዕረፍቲ ምእመናን ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ነቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጀመርዎ ልምዲ ብምቕጻል፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ዝኽሪ ተስፋን ዘለኣለማዊ ህይወትን ዘለዋ ትምህርቲ ዘጕልሕ ኢዩ ዝንበረ።
ኣብ መንጎ ታሪኽን ስነ-ጥበብን ዚግበር ዝኽሪ
መካነ መቓብር ቬራኖ ብዓበይቲ ቅርጽታትን ስነ-ጥበባዊ መዝገብን ዝፍለጥ፣ ፍሉይ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጐልጐል ዚርከብ ቤተ መዘክር ኮይኑ፣ ንመሥዋዕተ ቅድሴ ዚኸውን ባህ ዜብል ቦታ ኮይኑ ክርከብ ከሎ ዘደንቕ ኢዪ። እቲ 83 ሄክታር ዝስፍሓቱን፣ ብዓብዪ መናድቕ እተኸበበን መካነ መቓብር፣ ነቲ ሥርዓተ ዝኽሪ ጸጥታ ዝመልኦ ምስክር ኰይኑ ኣገልጊሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ኳድሪፖርቲኮ ዝተሰምየ ሓወልቲ ዝኽሪ ሙታን ብምእታው፣ ፍሉይ ዝኽርን ተስፋን ልግስን ስቕታን ዘንጸባርቕ ሓወልትታት ተኸቢቦም ምስ ምክትል ከንቲባ ከተማ ሮማን፣ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ሬናን ሓዊስካ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ተቐበልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዝነበረ ልምዲ ብምስዓብ ኣብ መቓብር ኣንቶንያ ኮቺያ ኒኮሊኒን ስድራ ቤታን ደው ኢሎም ጻዕዳ ጽጌረዳን ጸሎትን ኣወፈዩ። ኣብቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ጓሶትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ምእመናንን ዝርከብዎም 2,500 ዝዀኑ ሰባት ተሳቲፎም፣ ኣብ መንጎ እቲ መቓብራትን ሓወልትታትን ድማ ምብጻሕ ኣካይዶም፣ እዚ ድማ ንዜፍቅርዎም ሰባት ሓባራዊ መዘከርታን ጸሎትን ዜንጸባርቕ መንፈሳዊ ጕዕዞ እዩ ዝነበረ።
ተዘክሮ ናብ ተስፋ ምስ ዝቕየር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስብከቶም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ህያዋንን ምዉታትን ዘሎ ነባሪ ማእሰር ኣስተንቲኖም፣ ዝኽሪ እቶም ዝሞቱ ኣብ ኣልባብ ምእመናን ከም ንባሪ ከም ዝኾነ ድማ ኣረጋገጹ። ዕለተ ዝኽሪ ሙታን ማለት እንፈልጦ ቦታታት ኣኽቢርካ ዝርአ ጨና ከምኡውን ሓባራዊ ምስኣቶም ዘሕለፍናዮ እዋናት ንህላወ፣ እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ነዚ ኩሉ ህያው ከም ዚገበርዎ ውን ኣስተንተኑ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርስትያናዊ ዝኽሪ፣ ካብ ናፍቖት ንላዕሊ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብመሰረቱ ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ እተመስረተ ናይ ተስፋ ተግባር እዩ ክብሉ ውን ኣስፊሖም ገለጹ።
"ኣብ ምስጢር ፋሲካ ክርስቶስ እተመስረተ እምነት ክርስትና ንተዘክሮታትና ከም ናይ ዝሓለፈ ዝኽሪ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ከም ተስፋ መጻኢ ጌርና ንኽንርእዮ ይሕግዘና" በሉ። ነቶም ምእመናን ኣብቲ ዝሓለፈ ጥራይ ኬተኵሩ ዘይኰነስ ናብቲ "ኣምላኽ ተስፋ ዝኣተወልና ዕቝባ ዘለዎም ወደብ ድሕነት" ማለት ሞት ዝተሳዕረሉን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝተረጋገጸሉን መወዳእታ ዘይብሉ ጽንብል ኪጽበዩ ተማሕጸንዎም።
ስነ-መለኮታዊ ኣስተንትኖ፦ ሞት ብፍቕሪ ተሳዕረ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ እቲ ብእምነት ክርስትና ዝተረኽበ ተስፋ ሰብኣዊ ህላወ፣ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ወይ ምጽንናዕ ናይ ሓዘን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተመስረተ ርግጽነት ምዃኑ ደጊሞም ገሊጾም። "ኣብ ትንሳኤ ኢየሱስ እተመስረተ ተስፋ እዩ ንሞት ስዒሩ ናብ ምልኣተ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ዝኸፈተልና" ውን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘቕረብዎ ትምህርትታት ተመርኲሶም፣ ንክርስቶስ "መዕረፊ ጕዕዞና" ክብሉ ውን መስከርዎ፣ ንኣመንቲ ድማ ንዅላቶም ናብቲ ደቂ ሰብ እተፈጥረሉ ናይ መወዳእታ ፍቕሪ ኸም ዚመርሖም ኣረጋገጹ። ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም ነቲ ኣብ መንጎ ህያዋንን ምዉታትን ዘሎ ዘይብተኽ ማእሰር ኣጕልሑ። ፍቕሪ ንሞት ትስዕሮ፣ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ምስቶ እነፍቅሮም ሰባት ከራኽበና እዩ። ብሕብረት ብሓባር እንተ ተጓዒዝና ድማ ህይወትና ናብ ኣምላኽ እትድይብ ጸሎት ትኸውን፣ ምስቶም ዝሞቱ ሰባት ብሓድነት ብሓጐስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እናተጸበና ድማ ንንበር ክብሉ ተላበው።
ተስፋ ዘለኣለም ህይወት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ ስብከቶም፣ ነታ ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን "ናብታ ዘተሕፍር ተስፋ" ብሕድሪ ክውፈዩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም፣ ኵሎም የዒንቶም ናብቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ኬተኵሩን፣ ነቶም ዝሞቱ ዜፍቅርዎም ሰባት ብብርሃኑ ኸም እተኸደኑ ገይሮም ኪርእይዎምን ተማሕጸንዎም። ነቶም ምእመናን ብዛዕባ እቲ ጐይታ ንሞት ንሓዋሩ ኸም ዜጥፍኦ ዝኣተዎ መብጽዓ ውን ኣዘኻኸርዎም፣ ብዛዕባ እቲ ዅላቶም ምስ ክርስቶስን ምስቶም ቅድሜና ዝነበሩ ሰባትን ኪራኸቡ ኸለዉ ብዛዕባ ዚጽበዮም ሓጐስ ድማ ኣስተንተኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "እዚ መብጽዓ እዚ ይድግፈና ንንብዓትና ዝደርዝ፣ የዒንትና ድማ ናብ ላዕሊ፣ ናብቲ ፈጺሙ ዘይጠፍእ ተስፋ መጻኢ ዘልዕል ኢዩ" ብምባል ኣስተምሃሩ።
ናይ መወዳእታ ብራኬን ብሕታዊ ጸሎትን
ዕራርቦ ኣብቲ ከባቢ ቬራኖ ምስ ወረደ፣ እቲ ዝተኻየደ ሥነ ስርዓት ዝኽሪ ሙታን ብጸሎት “ሃቦም እግዚኦ ዕርፍተ ዘልዓለም” ተዛዘመ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈሉ። ቅዱስ ኣቦ ናብ ቫቲካን ምስ ተመልሱ፣ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብብሕቱ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ምእንቲ ነፍሳት እቶም ቅድሚኦም ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ጸልዮም።
